ቅድስቱ ስድራ ቤተ፡ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ቅድስቱ ስድራ ቤተ፡ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ  

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ ምዕዳን Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት

ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዝተሰናደወ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 19 መጋቢት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ ብተወሳኺ እውን ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ዝዛዘም ዓመት ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት (ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም.) ብወግዒ ዝኽፈተሉ ዕለት

ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓምሻይ ዓመት Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓባር ኣብ ሓደ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዘይኮነ ብመረብታዊ ውሕዘት ተጋባእያን ዘሳትፍ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቕዋም ከምዘሰናደው ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም መምህር ኣባ ጆቫኒ ቸሳረ ፓጋዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዓቢይ ትኵረትን ክንክንን ዘድልዮን  ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ክትንተን ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደርሰዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዝተሰናደወ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 19 መጋቢት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ ብተወሳኺ እውን ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ዝዛዘም ዓመት ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት (ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም.) ብወግዒ ዝኽፈተሉ ዕለት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ

እቲ ዕለታዊ ፍቕርና ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ስነ ምስጢረ ተክሊልን ስነ ስድራ ቤትን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋምን ብሓባር ዘሰናደውዎን ንዅሉ ክፉት ዝኾነን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲል ከቪን ጆሰፍ ፋረልን ንናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ብጽዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንት ናይ ቲዮሎጊያ መምሃራንን ኣስተምህሮ ዘቕርብሉን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ትጽቢት ዝግበረሉን ከምዝኾነ ዜና ቫቲና ሓቢሩ።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ልሙዕ መሬት ዝተዘርአ ዘርኢ

ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም መምህር ኣባ ጆቫኒ ቸሳረ ፓጋዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ልሙዕ መሬት ዝወደቐ ጽዑቕን ዓሚይቕን ዘርኢ እዩ፡ ስለዚህ ከም ኩሉ ዘርኢ ክንክንን ኣቃልቦን ዝሓትት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክብ ዝዛረብ ሰነድ ውጽኢቱ ንምርግጋጽ እውን ፍሉይ ንኣኡ ዘተኮረ ዓመት ከምዝኣወጁ የዘኻኽሩ።

ስርገት ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብርክብ መረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2017 ዓ.ም. ንናይ ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ዝምርሓሉ ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዕዮን ስርገት ክህሉ ምዕዳን ዘቕርብሉ Veritatis Gaudium - ናይ ሓቂ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ዝደንገግዎ ቕዋም ምንጽጻር ክካየድ ዝዕድም እውን ምዃኑ ኣባ ፓጋዚ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

17 March 2021, 15:41