ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 

ቫቲካን፥ መረብታዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካን

እቲ ዓውደ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ለብዒ ዝከታተል ፍሉይ መጋባእያ ዘዳለዎ ከምዝነበረ

“ኣብ እዋን ለብዒ ንሰባትን ንሕዝብን ምድርን ምክንኻን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዅሎም ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዝዓደመ ብመረብታዊ ውሕዘት ዘሳተፈ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተኻየደን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብዚ እዋን’ዚ ንተንበርካኽነት ኢድና ከይንህብ” የተባብዑ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማእለያ ዘይብሎም ብድሆታት እውን እንተሃለወ፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልይ ናይ ዘለናሉ እዋን ዝጠልቦ ጉዳያት ምክንኻን ዝብል ዝክረ ነገርን ንቕድሚት ንኸነሰጉም ክውንታውያን ምዃን ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዅሎም ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዓዲሙ ዛዕባ “ኣብ እዋን ለብዒ ንሰባትን ንሕዝብን ምድርን ምክንኻን” ዝመኸረ ዓውደ ርክብ ኣብ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ለብዒ ዝከታተል ፍሉይ መጋባእያ ዘዳለዎ ከምዝነበረ ኣዘኻኪሩ፥ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ሸቶ እውን ብመሰረት እታ ኵላትና ኣሕዋት (ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020ዓ.ም.) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽትን እታ ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነት ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ.፥ ድሕሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውሎማዊ ሕጹጽ እዋን ዓውሎማዊ ሕርኩት ጻዕሪ ይጠልብ

ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮን ዘሎ መዓት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፍሳውን ክንክንን ከም ሕዝቢ እውን ባህላውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ክንክን ከምዘድልዮ ዘመላኸተ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቅድሚ’ዚ ዓውሎማዊ ለብዒ`ዚ ዓውሎማዊ ህርኵት ጻዕሪ ሕጹጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ነስተውዕል፥ ምኽንያቱ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ዓለም ዘሎ ተነቃፍነት ክስትርአይ ገይሩን ጥንቁቕ ቆላሕታ ክግበረሉ እውን የተሓሳስብ ስለ ዘሎ፡  ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብጻዩ ክሰምዕ ሓላፍነት ከምዘለዎን ብሓይሊ እምነት ተደሪኹ እቲ ለብዒ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብፍላይ ብስነ ሕክምና ስነ ምርምር ዝተረኽበ ናይ ክትባት መድሃኒት ስነ ምግባር መሓቝፎ ዝገበረ ክኸውን ከዝምዘለዎ ዘረጋግጽ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዝጽብንር ንሓደ’ኳ ንድሕሪ ዘይጥንጥን ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ክትባት መድሃኒት ፍትሕን ምትሕብባርን ብዝብል ክብሪ መሰረት ከምሓደር

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣውጉስቶ ዛምፓኒን ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ሊቅ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣባል ኣባ ካርሎ ካሳሎነን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ካቶሊክ  ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማሕበር ኣባልን ናይቲ ናይ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ድርገት ናይ ዘቖሞ ሓይልታት ዕማም ኣወሃሃዲትን እናቴ ካሮል ኪሃን እውን መደረ ከምዘስምዓ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣባ ካሳሎነ ኩሉ ናይ ጸረ ኮቪድ- 19 ክትባት ክኽተብ ከምዘለዎን ብፍላይ ድኻታት ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎምን ስነ ምግባር መሰረት ዝገበረ ድልያ መድሃኒን ምብጻሕ መድሃኒትን ክህሉን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ዛዕባ ለብዒ ሓበሬታን ኣስተንትኖን ምልውዋጥ ክህሉ

እናቴ ካሮል ኪሃን እውን ብወገነን፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ እቲ ድኻን ዝተነጸለን ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን፡ እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ክትባት መድሃኒት ብምጻሕ ጉዳይ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ኢፍትሓውንት ክብእስ ይገብር ከምዘሎ የመላኽት ቢለን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ በይንኻ ምድሓን ብፍጹም ዘይከኣል እዩ፡ እዚ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ ኣዘኻኺረን . . . ጸረ ለብዒ ኮቪድ - 19 መድሃኒት ንምርካብ ዝካየደ ስነ ምርምራዊ ጻዕሪ ምድጋፍን  እቲ ዝርከብ መድሃኒት ንምብጻሕ ዝግበር ከይዲ ቁኑዕን ምዕሩይን ፍትሓውን ኣሰራርሓ ዝብል ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ብኣጽንዖት ከምዘስመራሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

20 February 2021, 16:29