ብጹዕ ኣቡነ ኹዋን ኣንቶኒዮ ክሩዝ ሰራኖ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ 2020 ዓ.ም. ብጹዕ ኣቡነ ኹዋን ኣንቶኒዮ ክሩዝ ሰራኖ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ 2020 ዓ.ም. 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውድብ ሃግራት ኣመሪካ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ልኡኽ ሰምዮም

ኣብቲ ሃገራት ኣመሪካ ዝጥርንፍ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ እዚ ቀንዲ ዕላማ ሰላምን ደሞክራስን ንምሕያልን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ማሕበራዊ ሕይወትን ቁጠባዊ ኩነታት ናይቲ ውድብ ኣባል ሃገራት ክመሓየሽን ምትብባዕ ዝብል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ 35 ሃገራት ክፍለ ዓለም ኣመሪካ ዝሓቁፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛብን ኣብ በኒን እውን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ከምዝሰመዩን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሃገራት ኣመሪካ ዝጥርንፍ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ እንክብሉ ንብጹዕ ኣቡነ ኹዋን ኣንቶኒዮ ክሩዝ ሰራኖ ከምዝሰመይዎምን ናይዚ ተልእኾ እዚ ቀንዲ ዕላማ ሰላምን ደሞክራስን ንምሕያልን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ማሕበራዊ ሕይወትን ቁጠባዊ ኩነታት ናይቲ ውድብ ኣባል ሃገራት ክመሓየሽን ምትብባዕ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ብጹዕ ኣቡነ ኹዋን ኣንቶኒዮ ክሩዝ ሰራኖ ዕለት 29 መስከረም 1976 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ዞባ ኣልመሪያ ዝተወልዱን ዕለት 5 መስከረም 2001 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ናይ ኣልመሪያ ሰበኻ ካህንን ብሕገ ቀኖና ምሩቕ ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2004 ዓ.ም. ኣብ ናይ ይቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ስነ ሜላዊ ርክባት ተመዲቦም ምግልጋል ከምዝጀመሩን ኣብ ዚምባብወን ኣየርላንድን ቺለን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፍትን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ፈሻዊ ጉዳያት ዘገልገሉን ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቋንቋ እንግሊዝን ፈረንሳን ጀርመንን ጠንቂቖም ዝፈልጡ እውን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሓዱሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ በኒን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ገራርድ ሚለስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣማኻሪ ናይ ከተም ኣዱካለ ስዩም ጳጳስ እንክብሉ ሰምዮም ብማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ኣብ በኒን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ኣቡነ ማርክ ገራርድ ሚለስ ዕለት 13 ግንቦት 1967 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወልዱን ዕለት 14 መስከረም 1996 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ጂብላርጣር ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ብሕገ ቀኖናን ቲዮሎጊያን ምሩቕን ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2003 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈተ ኣገልግሎት ዝጀመሩን ካብ ዕለት 31 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኮይኖም ተመዲቦም ከምዘገልገሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቋንቋ እንግዝን ስፓኒሽን ፈረንሳን ጠንቂቖም ዝፈልጡ ምዃኖም የመላኽት።

ኣብ ሃገራ ቫቲካን ቤት ፍርዲ

ዶክተር ቻቲያ ሱማሪያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ይግባይ ሕቶ ተቐባሊ ቤት ፍርዲ ዳይናን ዳይና ብጹዕ ኣቡነ  ፍራንቸስኮ ቪስኮመን ዶክተር ማሲሞ ማሰላ ዱቺ ተሪን ኣብቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ይግባይ ተቐባሊ ቤት ፍርዲ ኣነቓቓሒ ፍትሒ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 February 2021, 19:35