ፓሮሊን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምን ዕርቅን መልእኽቲ ናብ ካመሩን የብጽሑ ፓሮሊን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምን ዕርቅን መልእኽቲ ናብ ካመሩን የብጽሑ 

ፓሮሊን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምን ዕርቅን መልእኽቲ ናብ ካመሩን የብጽሑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት ዝቕጽል ኣብ ካመሩን ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ወጻእ ርክባት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ሳንቱስ ተሰንዮም ኣብ ካመሩን ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ

ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ኣቃልቦ ንኣፍሪቃ ዝምስክር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ካመሩን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 28 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ከምዝጀመሩን ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ባሜንዳ ካቴድራል ንናይ ያውንደ ሊቀ ጳጳሳት ኣንብሮተ መንጠሊና ዝፍጽምሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ያውንደ ኣብ ዝርከብ ግዳም ሓደርን ኣብ ከቢድ ጸገምን ድኽነትን ዝርከቡ መንእሰያት ዝድገፍሉን ዝሕነጹሉን ናይ ተስፋ ጉዕዞ ኣብ እተሰምየ ማኣከል  ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕነቶም ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባሜንዳ ካቴድራል ንናይ ያውንደ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንድሪው ንከኣ ፉኣንያ ኣንብሮተ መንጠሊና ዝፍጽምሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ቅዱስ ኣቦና ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ቀረባ ዓመታት ዘሕለፍኵምዎን እተሕልፍዎ ዘለዅም ጸገማት ኵሉ ብቐረባ ይከታተልዎን ይፈልጥዎን ምእታዅም ብፍላይ ነቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑን ብጾቶምን ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦምን ንዝሰኣኑ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ይምሕጸኑ” ቢሎም ንካሜሩን ብናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ናይ ብዙሕ ስቓይ መሬት እንክብሉ ገሊጾም፡ ካብዛ መሬተ እዚኣ ናብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዓርግ ናይ ሰላምን ዕርቅን ድላይ ቅዱስ ኣቦና ይሓብሩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕርቅን ርህራሀን እንገዳን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት ዝቕጽል ኣብ ካመሩን ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ወጻእ ርክባት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ሳንቱስ ተሰንዮም ኣብ ካመሩን ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብዚ ብኮቪድ - 19 ብዘኸስተ ሕጹጽ ሓደጋ ጥዕናን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኣፍሪቃን ኣብታ ክፍለ ዓለም ንዝረአይ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዘለዎም ፍሉይ ኣቃልቦ ዝምስክርን ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. “ምክንኻን ንናይ ሰላም ባህሊ መገዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 54 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዘስመሩሉ ናይ ሓባር ጻዕርን ምትሕብባርን ሱታፌን ናይ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን ዕርቅን ምክብባርን እንገዳን ንምክንኻንን ንምንቕቓቕሕን ዝኣመተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ መንጠሊና ትእምርቲ ሱታፌን ንር.ሊ.ጳ ተኣዝዞን ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓድነትን እዩ ከምዝበሉን፥

ወንጌል ኣብ ጁባኹም

ኣብ ከባቢና ዝኸቡናን ዝስምዑን ካብዚ ሓሊፉ እውን ናይ መምሃራን ድምጺ ክኾኑ ዝፍትኑ ጫው ጫው ዝብሉ ድምጽታት ማእለያይ የብሎምን ይዅን ደኣ እምበር እቲ ክቡር ክብሪ ክንህቦ ዝግብኣና ንናይ ክርስቶስ ድምጺ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝምዕድዎ፥ ኣብ ኢድናን ጁባናን ጭርሖ ዘይኮይነ ንናይ ሕይወትን መንፈሳዊ መርሓ ግብሪ ዝኾነ ወንጌል ይሃልወና” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣድማዕነት ቃል ኣምላኽ

“ኢየሱስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰናይ ዝደልን ካብ ኩሉ ክፋእ ናጻ የውጽኦን” ብቓሉ “ካብኡ ውጻእ እንክብል ነቲ  መንፈስ ክፍኣት ይግስጽ” እዚ ቓልን ተግባርን’ዚ ሰራይ ዘይኮነ ናይ ቃሉ ሓይልን ስሉጥነቱን ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና፡ እቲ እከይን ክፋእን ኣሎ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ክፋእን እከይን ይግስጾን ይስዕሮን ኣብዚ ውግእ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ግዴና ከነበርክት ንጽዋዕ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ርግኣትን ንቑሕነትን

ብጹዕነቶም ቅዱስ ጳውሎስ ዝብለን መንፈሳዊ ጉዕዞና ዘመላኽታ ክልተ  ቃልት፥ እታ ቀዳመይቲ ርግኣት እትብልን እታ ካልአይቲ ከኣ ንቑሕ ምዃን እትብልን ጠቒሶም፥ ምስ ክርስቶስ ሰዓርቲ ብምዃን ርግኣት ክህልወናን ብጸሎትን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ብምስታፍ ነቒሕና መንፈስ ክፍኣት ዘጣጥሓሉ ናይ ምልላዩ ኣኽእሎት ይህልወና ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ናይ ተስፋ ዘርኢ

ምእመናን እቲ ሰብን እንነብረላ ዓለምን ዘናውጽ ዓመጽን ምግምማዕን ሕድ ሕዳዊን ቅትለት ሓውን ሓብትን ክቃወሙ፥ እቲ ኣብ ልቡ ንዘጣጥሐ ክፋእ ዝቃለስ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤቱን ኣብ መንጐ ብጾቱን ማሕበረሰብን መጋበርያ ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕም እዩ ዝኸውን፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ናይ ተስፋ ዘርኢ ይኸውን እንክብሉ ከምዝመዓዱ ኣመላኺቱ፥

ስግኣት መንፈሳዊ ትዕቢት ምርሓቕ

“ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት ብክርስቶስ ምድናቕን ብዛዕባኡ ሕቶ ናይ ምቕራብን ኣቕዋም ብምስትንታን ብዛዕባ ክርስቶስ ኩሉ እፈልጥ ዝብል ንሱ ወትሩ ካብቲ ሰብኣዊ ርድኢትና ንላዕሊ ምዃኑ ብዘይ ምስትውዓል ናይ መንፈሳዊ ትዕቢት ስግኣት ነወግድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ናጻ ከውጽኣና ሰጋና ለበሰ ኣብ ዝብል ናይ ክርስትናና እምነትና ምስጢር፥ ምድናቕ ከነቋርጽ የብልናን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ኣብቲ ስርዓት ቅዳሲ ብምስታፍ ንሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፉኣንያ ዘለዎም ፍቕርን ብስም ቅዱስ ኣቦና ብዝተረኽቡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ቦታ ብምርኻቦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ፍሱሕ ሱታፌን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 February 2021, 12:05