2021.02.03 መርበብ ሓበሬታ ሕውነት ዘመደ ኣዳም 2021.02.03 መርበብ ሓበሬታ ሕውነት ዘመደ ኣዳም 

ሓዲስ መርበብ ሓበሬታ ቫቲካን ንዓለምለኸ ዕለት ሕውነት ዘመደ አዳም!

ቅድሚ ክልተ ዓመት በዛ ወርሒ እዚኣ ብቀዳማይ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅዱስነቶም ናብ ኣቡ ዛቢ ጀሚሩ ብሓባራዊ መግለጺ ቅዱስነቶምን ላዕለዋይ ኢማም ኣል ኣዝሃርን ዝጀመረ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ብኩልና ኣሕዋት ትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ጸኒዓስ ዕለት 4 ለካቲት ዓመት ዓመት ዕለት ሕውነት ዘመደ ኣዳም ኰይና ክትዝከር ተወሲኑ። ነዚ ንምሕጋዝ ከኣ ቅድስት መንበር ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዳስ መርበብ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ከምዝኸፈተት ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

ምሕዝነትን ሕውነት ዘመደ አዳምን - ንዓለምና ካብ ዘናውጹ ቅልውላዋት ኣማራጺ መፍትሒ!

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ገቢራ ነቲ ጐይታ ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ክትከውን ዝሃባ ሓደራ ንምፍጻም ምስ ዓምዲ እምነታ ዘይጻረር ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ሕብረተሰብኣዊ ሓዋርያውያን መልእኽታት ትጽሕፍ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዘመናት ምናዳ ብሞደርኒዝም ዝፍለጥ ዘመናውነት ተጻይ እምነት ሰሊኹ ብምእታው ከስድዕ ምስ ጀመረ ከምኡ እውን ንመኽሰብ ጥራይ ዝብል ንሰውራ ኢንዱስትሪ ማለት ኢንዳስትርያል ረቮሉሽን ዝሰዓበ ጭቆናን ምግሃስ መሰልን ምስ ሓየለ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ልዮ መበል 13 ረሩም ኖቫሩም http://www.vatican.va/content/leo-xiii/it/encyclicals/documents/hf_l-xiii_enc_15051891_rerum-novarum.html ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናይቲ ሽዑ ማሕበረሰባዊ ጸገማት ምናዳ መሰል ሠራሕተኛታትን ካልእ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርታ ዘንጸባርቅን ጽሒፎምስ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ቸንተዚሙስ ኣኑስ http://www.vatican.va/content/john-paul-ii/it/encyclicals/documents/hf_jp-ii_enc_01051991_centesimus-annus.html መበል ሚእቲ ዓመት ናይዚ ታሪኻዊ ሰነድ ካልእ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ጽሒፎም። እቲ ግድል ክሳብ ንጸገም ኮሙኒዝም መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ቀጺሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዝጸሓፍወን ሓዋርያውያን መልእኽታት ላውዳቶ ሲ http://www.vatican.va/content/francesco/it/encyclicals/documents/papa-francesco_20150524_enciclica-laudato-si.html እትብል ንኣናን ንተፈጥሮን እትምልከት ሓልዮት ዝተመርኮሰ ምሕዝነት ምስ እዛ ሓባራዊት ገዛና ዝበልዋ ዓለምና ከባቢና ምናዳ ባዕልና ብዘስዓብናዮ ብከላ ክንጠፍእ ቀሪብና ስለዘሎና ሃየ ናብ ልብና ንመለስ ነታ እግዚአብሔር ክንዓያን ክንከናኸናን ዝሃበና ዓለም ንብክላ ኣሎና ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከኣ ንገዛእ ርእስና ንብክልን ንጉዳእን ስለዘሎና ከባቢና ማለት ንተፈጥሮ ንከናኸን ቅጥዒ ዘይብሉ ምዝመዛን ብከላን ጠጠው እንተዘየበልና ወይልና ዝትሕዝቶኡ ምስ ጸሓፉ ሎምዘመን እውን ዓመት ምሉእ ብዛዕባኡ ይጋዋሕ ኣሎ።

እታ ካልአይቲ ከኣ ኩልና ኣሕዋት እትብል http://www.vatican.va/content/francesco/it/encyclicals/documents/papa-francesco_20201003_enciclica-fratelli-tutti.html ፍራተሊ ቱቲ ብዝብል ኣርእስቲ ተጻሒፋስ ድሮ ነዚ ሕውነት እዚ ብዓለም ለኸ ደረጃ ንኩሎም ብዘተሓቋቊፍ መንገዲ ኩሉ ይዋሳኣሉ ኣሎ። እዚ ሕውነትን ምሕዝነትን ዝተዓጥቀ ሓሳብ እዚ ናብ ኩሉ ንክባጽሕ ቅድስት መንበር ኣብዚ ሳልስቲ ሓዲስ መርበብ ከፊታ  www.fratellitutti.va ኩሎም ክጥቀሙሉን ነዛ መድሓኒት ግጭታትን ቅልውላዋትን ዘመንና ክትከውን ዓቢ ተስፋ ዝተነብረላ መልእኽቲ ክሳብ ደረጃ ቊምስናታትን ሰበኻታትን ክነደንፍዓ ሓድራ ኢሎም።

ታሪኽ ዓለምና ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት ታሪኽ ክምዝገብ ካብ ዝጀመረሉ ጉዳይ እምነትን ፖሎቲካን ኣብ ልዕሊኡ ዓሌታውነት ወሲኽካ ዳርጋ ምንጭን ምኽንያትን ኩሉ ግጭታትን ሕልቂትን ክንብሎም ንኽእል። ሽሕ’ኳ ብዘይ እምነትን ፖሎቲካን ምንባር ኣጸጋሚ እንተኾነ እቲ ክንዲ መድሓኒ ዝኸውን እቲ ሓደ ከኣ ክንዲ ብሰላም እትመሓደረሉ ዝኸውን ምኽንያት ጥፍኣትን ህውከትን ከምዝኾኑ ታሪኽ ይምስክር።

እሞኸ ደኣ! ኢልና ቁሩብ ምስ እንሓሰብ! እዘን ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀሪበን ዘለዋ ክልተ ሓሳባት ማለት ምሕዝነት ምስ ሰባትን ተፈጥሮን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኩሎም ዘመደ ኣዳም ሓባራዊ ሕውነት ብምድንፋዕዶ እዚ ቊርስን ምሳሕን ድራርን ኰይኑና ዘሎ ዜና ግርጭትን ጥፍኣትን ዓለምና ከህደኦ ይኽእል ዘየብል ኣይኮነን። ከመይ ሽሕ`ኳ ፖሎቲካን ምሕደራ ሕብረተሰብን ብምኽኑይ መንገዲ ሰባት ከም ሰባት ተዋሃሂድኦም ዝነብሩሉ ማሕበራዊ ውዑል ሶሻል ኮንትራክት ብምትካል ሰላምን ምርግጋእን ከስፍን ትጽቢት እንተተገብረሉ ውልቀምልክን ኣምባገነንነትን እናዓንቀፎ ደርገፍገፍ እንተበለ እቲ ናይዚ ምድሪ እዚ ገዲፉ ሰማያዊ ነገራት ዝሰብኽ ብስም እግዚአብሔር ሠናይ ንዘበለ ኩሉ ዘተስፉ እምነታት ናይ ዘይውዳእ ግጭታትን ቅልውላውን ምኽንያት ክኸውን እንከሎ ብዙሕ ዘተሓሳስብ እዩ።

እዘን ክልተ ሓዋያውያን መልእኽታት ር.ሊ.ጳ ነዚ ኩሉ ግጭታትን ቅልውላውን ንምፍታሕ ክሕግዛ ይኽእላ ዝብል ናይ ብዙሓት ሠናይ ምንዮትን ህንጡይነትን እኳ እንተሎ ወዲሰብ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ምናዳ ጌጋ ተማሂሩ ክእረም ክሳብ ዘይከኣለ ከምኡ እውን ከከም እምነቱ ናይቲ ኩሎም ዝሰማምዑሉ ሠናይን መሓርን ዝኾነ ፈጣሪ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ሰብ ዘንበሮ ሕልና ዝበሃል ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ብሕልና ክሳብ ዘይተመርሐ ብዙሕ ግድል ክህሉ እዩ።

 

 

04 February 2021, 19:34