ጋላገር፥ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን እዋንን ክኽበር!

እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናብቲ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝጸንዔ መደብ እግዚኣብሔር ናብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕውነት ንምባል ዝድርኽ ዓለም ለኻዊ ሓላፍነትን ምትሕብባርን መግለጺ ናብ ዝኾነ ብዝሓ - ጐድናውነት ንኸነብል ዘተባብዕ እንኰ ዕድል እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ላዕለዋይ መዝነት ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናብ ዝበገሶ መበል 46 ክፍሊ ዓውደ ኣኼባ፥ “ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብዚ ናይ ሰብኣዊ ርክባት ባህርይ ዝውስን ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እውን ይኹን፡ ኣበይን መዓስን ብዘየገድ ክኽበር ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቨ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ላዕለዋይ መዝነት ናብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዝካየዶ ዘሎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19፡ ኣብ ልዕሊ ኵለ መዳያዊ ሰብኣዊ ኩነት ጽልዋ ዘልዎን ብዙሕ ሞት ዘስዓበን ዘስዕብ ዘሎን ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሜላታትና ኣብ ጥርጥርን ሕቶን ዘእተወ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክንክንን ሓለዋን እነካይዶ ጻዕርን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ ዘእተወ እዩ ቢሎም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን መዓስን ኣበይን ናይ ሰብኣዊ  መሰልን ክብርን ኣፍልጦ ምሃብ ነቲ ሕውነት ዝብል ኵላዊ ኣስተንፍሶ ዓቢይ ድጋፍ እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኢቅድመ - ኵነታዊ እዩ

“ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብኑባሬ ዘሎ ማዕረን ዘይገሃስን ናጽነትን ፍትሕን ሰላምን ዘቕውም መሰረት እዩ” ዝብል ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ተነቢሩ ዘሎ ሓሳብ ተወኪሶም፥ “ሰብኣይ ሰይበይትን ዓባይን ንእሽተይን ሃገር ዘይብል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማዕረ እዩ” እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ እውን ነዚ ኵላዊ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ብቦታን ብግዜን ብባህልን ብሃይማኖትን መሓቝፎ ዘይጽለው እዩ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኢቅድመ ኵነታዊ ምዃኑ የመላኽት ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ካብ ኵላዊ ክብሪ ዝተፈልየ ኣይኮነን

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽብርን ምንቕቓሕን ናይቲ ዝቖመሉ መሰረት ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ተግባርን ወይ ሜላን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዝምልከት ካብቲ ጥንታውን ኵላውን ክብሪ ፈሊኻ ብኻልእ ዓይነት ቅድሚ ሕጂ ብዘይነበሩ ሓደስቲ መሰላት ኣብ ልዕሊ ሃገራትን ሕዝብታትን ብጸቕጢ ብዘቕርብ ኣገባባትን ራእይን ህልዩን ምምልከትን ምትግባሩን ዘይከኣልን ካብቲ ቀንድን መሰረታውን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ካብ ምግልጋል ዘርሕቕን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕይወት ክብሪ

ብጹዕነቶም ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ካብ ክብርታት ንኣብነት ካብ ናይ ሕይወት ክብሪ ዘይፍለይ ምዃኑ እንከብርሁ፡ ምስ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍነው መጥቓዕቲ ሕይወት ዘሰናኽል ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ጠቒሶም፡ ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ዕድመን ኵነትን ምኽባር ይግባእ፡ ኣብ ስደት ይኹን ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ፡ ሕይወት ቅድሚ መሰል ምዃኑ፡ ክፍቐርን ክኽበርን ዘለዎ ጸጋ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ኮቪድ-19 መቆጻጸሪ ሕግን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን

ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ዝረኣየሉን ዘሎ እዋንን ነዚ ለብዒ እዚ ንምቍጽጻርን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥዕና ንምውሓስ ብዝብል ኣመክንዮ ብመንግስታት ዝተሓንጸጹን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉን ሕግታትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከሰናኽሉ ከምዝርአይን፡ ነዚ ኸኣ ኣረጋውያንን ስደተይናታትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍሉይ ጠቒሶም ኣብሪሆምን፡ “ስለዚ ምልባዕ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝድንገጉ ሕግታት ብፍላይ ናይቶም ተኣፋፍያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓለፋ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ናይ ተኣፋፍያን ሕይወት ሓላፋ ምባል ብቐሊሉ ናይ ኩሉ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ይድርኽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሃይማንት ናጽነት

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣተሓሒዞም ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ምኽባር ህጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ብፍላይ ኑዛዜ ሃይማኖትን መግለጽታቱን ናይ ሰብኣዊ ሕልናን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብረትን ሕመረት እያቶም። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ ዓሚዩቕን ጽኑዕን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ይቡሕጐግ ኣሎ፡ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ናጽነት፥ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ምምስካርን ምግላጽን ምምሃርን ምንባርን ዝብሉ መሰላት ዘጠቓልል ምዃኑ ተመላኽትን፡ እዚ መሰል እዚ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዘሎ ምዃኑ ተተሓሳስብ፡ ስለዚ ይብሉ ብጹዕቶም ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ማሕበራትን ምስ በረገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ብምትሕብባር ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልንና ናጽነት ንምንቕቓሕን ንምትብባዕን ብሓባር ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ሕውነትን ብዝሓ-ጐድናውነትን

እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናብቲ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝጸንዔ መደብ እግዚኣብሔር ናብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕውነት ንምባል ዝድርኽ ዓለም ለኻዊ ሓላፍነትን ምትሕብባርን መግለጺ ናብ ዝኾነ ብዝሓ - ጐድናውነት ንኸነብል ዘተባብዕ እንኰ ዕድል እዩ - ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣስዒቦም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵሉ ሕውነት ከተባብዕን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብረት ከስተውዕል የበረታትዑን ናይ ዝተፈላለየ ቅልውላው ውጽኢት ዝኾነ ዝገማምዕ ምኽንያት ኵሉ ክንየው ንምባል የተባብዑን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ኪደት’ዚ ምሉእ ብምሉእ ክትተሓበርን ግዴኣ ከተበርክትን ምዃና ኣረጋጊጾም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 February 2021, 09:25