ኣዩሶ፥ ንናይ ሰላምን ሓቛፍን ባህሊ ክንዓዪ ይግብኣና

ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ሕውነት ብጭቡጥ ንኽንነብሮ ትዕድመና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ክግለጽ መታን ማሕበራውን ውልቃውን ሓላፍነት ዘሎና ምዃንና ተተሓሳስበና፡

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ነቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብምስትውዓል ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበርን እቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ውጽኢታውን ስሉጥን ምትሕብባር ክህሉ ዝላበው እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ክበዓል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዒማም ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዊ ሰነድ መሰረት ዘቖሞ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ምዃኑ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዘኻኺሮም፥  እታ መዓልቲ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ሰላም ባህሊ ብሓባር ንምዕያይ ዝድርኽ ድላይ ዘተባብዕ ክኸውን ተላብዮም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምስ ኣብቀዔ ናይ ሕውነትን ምትሕብባርን ቦታ ከነናድይን ነቲ ናይ ምትሕብባርን ሕውነትን ቦታ ንኽንነብሮን ዝተጸዋዕና ምዃና ከነስተውዕል ኢና፡ እታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ናይ ሓባርን ውልቃውን ሓላፍነት ክስምዓና ትዕድመና ኢሎም።

ሰብኣዊ ፍጥረት ተማራዃሲ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም የዘኻኽሩና፥ ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለያ ሃይማ ኖታት ዘለወን ዓቢይ ግደ እውን ቅድም ቀዳድም ኣብ መንጐኤን ምሕዝነትን ምክብባርን ብምንባር ብሓባር ኣብ ሃይማኖታዊ ዘተን ተጊሄን ኵላዊ ሕውነት ኣብ ምስፋሕ ክዓያ ዝተጸውዓ እያተን። ምእመናን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ልዑላት ክቡራት ዋጋታት ብምምስካር ብምስፋሕ ቅኑዕን ጥዑይን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዓቢይ ግደ ይህልዎም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ንበይኖም ኩሉ በመንፈስ ዝሓበሮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረገው ምህለላን ዘስምዕዎ ስብከትን ኵሉ ዝዝክሮ እዩ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት እውን “እዚ ለብዒ’ዚ ኵላትና ኣብ ሓንቲ መርከብ ከምዘሎናን፡ ተኣፋፍያንን ኢምስሩቓትን ምዃናን ዘስተውዓልናሉን ንሓድ ሕድና ክንጸናናዕ ከምዝግብኣና የመላኽተና” ዝበልዎ ዘኪሮም ኵላትና ፍልልያትና ብዘየገድስ ንኽንሓብርን ክንተሓባበርን ጻውዒት ኣቕሪቦምልና ኢዮም፡ እግዚኣብሔር ኣብ ፈጣሬ ኵሉ እዩ፡ ስለዚህ ኩላትና ናይ ሓንቲ ስድራ ቤተ ኣባላት ኢና፡ እዚ ናይ እምነት መሰረታዊ መምዘኒ እዩ፡ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ እቲ ፍልልያት ከም መጋበርያ ዓመጽ ክኸውን ዝድርኽ ፈተና ንኸነወግድን ከም ኣሕዋት ንኽንነብርን የብቅዓና ኢሎም።

ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ሕውነት ብጭቡጥ ንክንነብሮ ትዕድመና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ክግለጽ መታን ማሕበራውን ውልቃውን ሓላፍነት ዘሎና ምዃንና ተተሓሳስበና፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ምስሪ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ እተቓልሕ እውን እያ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ ሓሙስ ዕለት 4 ለካቲት ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝመሓላለፍ ስነ ስርዓት ብዝተፈላለየ ቋንቋ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ዝፍጸም ከምዝኾነን እዚ መደብ’ዚ እውን ብዜና ቫቲካንን ብናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ ኮይኑ፡ እቲ ስነ ስርዓት ካብ ኣቡ ዳቢ ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ዘሰናደውዎን ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ላዕለዎት ኣካላት ብዘሳትፍ ስነ ስርዓት ከምዝፍጸምን እቲ መዓልቲ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ሽልማት ዛየድ እውን ብቑዓት ተባሂሎም ንዝተሓርዩ ኣካላት ክወሃብ ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቲ ስልማት ብቑዓት እንክብል ዝሓረየ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ከምዝኾነ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

03 February 2021, 21:26