ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ሳላሳታት ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ሳላሳታት  ርእሰ ዓንቀጽ

ራዲዮ ቫቲካን ካብ ዝቐውም 90 ዓመት የቑጽር፥ ድምጺ ር.ሊ.ጳ. ንመላ ዓለም

ተልእኾና ሓደ’ኳ ንበይኑ ከይሕደግን ወንጌላዊ ተስፋ ዘራኽብን ካብ ቅዋሜኡ ኣትሒዙ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድምጽን ክውንነት ብናይ ወንጌል ብርሃን ምንባብን ዝብል እዩ

ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ብርቱዕ ድላይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ራዲዮ መሃዚ ጉሊየልሞ ማርኮኒ ዝቖመ ራዲዮ ቫቲካን ዕለት 12 ለካቲት መበል 90 ዓመት ውልደቱ የብዕል፡ ሎሚ ራዲዮ ቫቲካን ብ 41 ቋንቋታት መደብ ፈነወ ዘጠቓል ክኸውን እንከሎ መደባቱ ብዝተሓደሰ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ዘመሓላልፍን ብትሕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዘመሓድሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ተለቪዥን ጣቢያን ቤተ መጻሕፍትን ቤት ማሕተምን ሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጨንፈር ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የዘኻኽሩ። ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ሳላሳታት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓመት ኣስታት 12 ሺሕ ሰዓታት ናይ ሓበሬታን መደብ ሕንጸትን ስነ ስርዓት ሊጡርግያን መደብ ሙዚቃን ዘለዎ መደብ ፈነው ዘጠቓልል ፒዮስ መበል 11 ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝምራሕ ክኸውን ገይሮም ዘቕሙዎን ብጉለልሞ ማርኮኒ ተሰሪሑ ቆዩሙን ኣብዚ እዋን’ዚ በርበዓን ሓደን ቋንቋታት ቃል ወንጌልን ድምጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንዓለም ዘብጽሕን ራዲዮ ቫቲካን እነሆ ዕለት 12 ለካቲት መበል 90 ቅዋሜኡ የብዕል።

እዚ ጽምብል’ዚ ንኣና ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሙያተይናታትን ብጠቕላላ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ኣብዚ ብለብዒ ኮቪድ 19 ምልኩት ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘሎና ዓቢይ ሓላፍነት ኣብ እንነብረሉ እዋን እነብዕሎ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ምስረታ ራድዮ ቫቲካን እዩ፡ ተልእኾና ሓደ’ኳ ንበይኑ ከይሕደግን ወንጌላዊ ተስፋ ዘራኽብን ካብ ቅዋሜኡ ኣትሒዙ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድምጽን ክውንነት ብናይ ወንጌል ብርሃን ምንባብን ዝብል እዩ።

እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ሕቶን ብድሆን እዩ፡ ንኣብነት ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ምፍንታትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ነቲ ኣብ ተወሸብ ዝነበረ ዓለም ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብቐጥታ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣቢሎም መላእ ዓለም ምስኦም ኣብ ጸሎት ክሓብር ገይሮምን እዚ እውን ከም ናይ  ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ዕዮታትና ኣራቢሕዎ እዩ። እዚ ዅሉ’ዚ ዕዮታትና ብዅሉ እቲ ኣብዚ እዋን ብዝተማህዘ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ ዕደ ጥበብ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቃሚ ኮይኑን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዘመሓላልፎ መደባት ክንየው ሓበሬታ ናይ ምቅርራብን ናይ ምትሕብባርን ታሪኽ የዘንትው፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይቲ ድልድል ዘቕውም ብዘይ ዓውዓው ብጽሞና ዝዓይን ዝጽንብርን ወጅሂ የዘንተው።

ጭብጥታት ብኣህዝ ዘቕርብ ገምጋም ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ራዲዮ ቫቲካን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዘቕርቦ መደባት ዓቢይ ቆላሕታ ዝግበረሉን ተደላይን ምዃኑ የረጋግጽ፡ ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ኣካል ጸዋዕታና ሰናይ ብስራት - ዘቕርብ እዩ፡ ብድላይ መደብ ሕዳሴ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ምስ ካልኦት ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሓደ ዝጥርነፍ ኮይኑ ኣገልግሎቱ ክብ ብምባል ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ጉዕዞ እንርከብ ሓደ ጉጅለ ዕዮ ብሓባር ነገልግል።

ራዲዮ ቫቲካን ብሓጺር ሞገድን ብኤፍኤምን ብዳብን ብስነ ኣሓዛዊ ዕደ ጥበብ ብዝተራቐ ሓድሽ መጋበርያታትን ብጥቓም ብመርበብ ሓበሬታን ኣቢሉ መደባቱ ዘቕርብ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ናብቲ ወሰናስን ሃገራትን ህልውናን ይበጽሕ ከም ኣብነት እውን ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒጀር ተጨውዮም ዝነበሩ ኣብ 2020 ዓ.ም. ናጻ ዝተለቁ ኣባ ፒየርልዊጂ ማካሊ ከምዝበለዎ፡ ኣብ ኢድ ጨወይቶም እንከለዉ ራድዮ ተዋሂብዎምን ብሓጺር መጐድ ኣቢሎም ራዲዮ ቫቲካን ይከታተሉ ከምዝነበሩን ራዲዮ ቫቲካን ዘስተንፍስሉ መስኮት ከምዝኽኖም ይምስክሩ፡ ቅዱስ ኣቦና ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተኸታተሉን መደባት ራዲዮ ቫቲካን ብቋንቋ ፈረንሳን ጣልያንን ይከታተሉ እውን ከምዝነበሩ ይሕብሩ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ምስ ተሓበረና ናብ ኣፍሪቃ ዝፍነው መደባትና ብሉጽ ክኸውን እውን ኣተባቢዑን ኣብዚ ኪደት’ዚ እውን ንርከብ።

ዕለት 12 ለካቲት 2021 ዓ.ም. መበል 90 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን ከነብዕል ኢና፡ ብትብዓትን በስተውዕሎን ከም ኣናስርናን ናብ ዓለም ወንጌል ነስፍሕ፡ ካበይ ምዃንካ ፈሊጥካ ናበይ ከምእተኸይድ ምልላይ፡ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ እምነትን ሓቅን ናጽነትን ኣብ ምጽናዕ ዓቢይ ናይ ኣገልግሎት ታሪኽ ዘለዎ እዩ፡ ንብዙሓት ዓሰርተ ዓመታት ብኢሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ተመሪሑን ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ቋንቋ መደብ ፈነወ ብሓላፍነት የገልግሉ ኣለዉ፡ ፒዮስ መበል 11 ብራዲዮ ቫቲካን ኣቢሎም ድምጾም ንዓለም ከምዘስምዑን ደሓር እውን ፒዮስ መበል 12 ብቫቲካን ራዲዮ ኣቢሎም እቲ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝመርሕ ዝነበረ ሃዋሁን ደሓር እውን እቲ ውግእ ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን እቲ ውጥረት ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እሱራት ደሃይ ኣባይቲ ስድራኦም ዝሰምዕሉን መልእኽቲ ዘመሓላልፉሉን ከምዝነበረ እውን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ታሪኽ የረጋግጾ። ፈላላይ መናድቕ ዝሰግር ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ብዙሓት ብሕቡእ ዝከታተልዎን ምጽንናዕ ዝረኽብሉን መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰምዑሉን ሓበሬታ ዝረኽብሉን ከምዝነበረን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብኣስታት ሰለስተ ሺሕ ሰዓታት መደብ ፈነወ ዝተረኸን ሕዝቢ ነቲ ጉባኤ ክከታተሎ ከምዝገበረን ሎሚ ናይቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፈነወ ራዲዮ ማሕበር መስራትን ኣባል እውን እዩ፡ እቲ እዋናዊ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ዘቕርቦ ብድሆታት ገጢሙ ናይቲ ምዕባለ ተጠቓሚ ኮይኑ ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃንን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ብዝበለጸ ቀረባ ኮይኑ የገልግል ኣሎ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ሓተታ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

10 February 2021, 21:56