ረድዮ ቫቲካን = ድምጺ ቤተክርስትያን = መልእኽቲ ሰላም! ዶክተር ክንፈ ተስፋጋብር

90 ዓመት ይግበር ከም’ዛ ሎሚ ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓምፈ ብፈጠራ ናይ’ቲ ዘመን’ቲ ዓቢ ሊቅ ጉልየልሞ ማርኮኒ ኣብ ሕምብርቲ ቫቲካን ዝተደኮነት ራድዮ ቫቲካን ንዓለም ምሉእ ናይ መጀመርያ መቃልሓ ኣብ ዘስመዓትሉ ር.ሊ.ጳ ንመጀመርያ ግዜ ድምጾም ብረድዮ ዘስምዑሉ ዕለት ነበረ። ሽሕ’ኳ ከም መደብ ኣምሓርኛን ትግርኛን ድሒሩ እንተተኣታተወ ኣብ’ቲ ዕለት እቲ እውን ምስቶም ናይ መጀመርያ ቋንቋታት ዝተጋሕወት ቋንቋ ሃገርና ካብ’ቶም ኣብ ጥቃ እታ ረድዮ ተደኲና ዘሎ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ዝርከቡ ዝነበሩ ተመሃሮ እውን ነበረ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ከም’ዚ ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኢዱ ብዘሓዞ ተንቀሳቃሲ ተለፎን ረድዮስ ይኹን ካልእ ክከታተለሉ ዘይትኽእለሉ ዘመን ኣብ ርእሲ ምንባሩ እተን ሽዑ ዝተኣታተዋ ዝነበራ ረድዮታት እውን ኩሎም ክሰምዑሉ ኣብ ዝኽእሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኰይነን ኣብ ገዛውትን ኣደራሻትን ቅርዓታትን ብዙሕ ሕዝቢ ንክሰምዕ ይእከብ ነበረ። ኣብ መላእ ዓለም በብወገኑ ንድምጺ ጓሳ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንክሰምዑ ተኣኻኺቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ እዩ ድምጺ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብኣየር ናብ መላእ ዓለም ክጋዋሕ ዝጀመረ።

ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ጋዜጣታትስ ይኹኑ ንመራኸቢ ብዙሓን ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቅርዓታት ብመጒልሒ ድምጺ ዝጋዋሕ ዝነበረ ዜና ነዚ ብሥራት እዚ ከጋውሓ ጀሚረን። ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ጐደና 4 ሕዳርስ ይኹን ኣብ ቅርዓት ቪቶርዮ ከምኡን ኣብ ቪያ ናስዮናለ ተጋዊሑ። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ከተማ መልበርን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ካናዳ ኣብ ከተማ ከበክ ወዘተ ኮታስ ኣብ መላእ ዓለም ር.ሊ.ጳ ክዛረቡ እዮም ተኸታተሉና ዝብል መሰናደዊ ድምጽታት’ውን ንገሊኦም ከም’ዚ ሎሚ ኰይኑ ይስምዖም።

ድሕሪ ብዙሕ ምሽብሻብ ጉልየልሞ ማርኮኒ ‘እነሆ እምበር ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳስት ንዕሥራ ዘመናት ብዝተፈላለየ ሰነዳት ድሕሪ ምትሕልላፍ ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ በቲ ሕያው ቃል ር.ሊ.ጳ ብረድዮ መልእኽቶም ክጋዋሕ እዩ’ ምስ በሉ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብቋንቋ ላቲን ገሮም ንኩሉ ፍጡርን ኣብ ዝተፈላለየ ሥቃይ ንዝርከቡን ክብርን ምሥጋናን ንእግዚአብሔር ከምኡ እውን ንኩሎም ገዛእቲ ዓለም ንሃብታማትን ድኻታትን ንዘሥርሑን ሠራሕተኛታትን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኩሉ ዓለም ተደኒቚ ካብ’ቲ ኣጸቢቑ ዘደነቀ ከኣ ብምህዞ ናይ ማርኮኒ ተሓጊዙ ንድምጺ ር.ሊ.ጳ ኣብ ፕራጋ ክሰምዕ ንዝኸኣለ ሓደ ጸማም ብምጥቃስ ከኣ ጸማማት ከይተረፉ ድምጺ ር.ሊ.ጳ ክሰምዑ ክኢሎም ክብሉ ናይ’ቲ ሽዑ ጋዜጣታት ኣቃሊሖም።

እዚ ቅድሚ 90 ዓመት ዝተተኽለ ዓቢይ መጋበሪ ስብከተ ወንጌልከስ ሎሚ እውን ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ዓለምናን ኣሎ ብዝበሃል ዘመን ኣምጸኦ መጋበሪ መራኸቢ ብዙሓን ብኢንተርነትን ካልእ መጋበሪታትን እናተጋውሐ ይርከብ።

ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መደብ እውን ብምኽንያት ምስንዳው ዓመት ድሕነት ኢዮቤል ናይ 1950 ዓም ብዕለት 5 ጥቅምቲ 1948 ዓም ብዕሊ ጀሚሩ ነፍሳተ ኄራን ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃን ጥቀ ክቡር ኣብ ኣልኣዛር ዓንደሚካኤልን ኣብ ኣጎስጢኖስ ተድላን ኣብ ተስፋጊዮርጊስ ትጃርን ኣብ ገብርኤል እስጢፋኖስን መሪሖሞ እንከብቅዑ ካብ 1993 ክሳብ 2004 ዝመርሕዎ ዶክተር ክንፈ ተስፋጋብር ሎሚ ኣብ ጥሮታ ዝርከቡን ተሓጋገዝቶም ዝነበሩ ወ/ሮ ሃይማኖት ሃይሉን ኣቶ ተኽለዝጊ ገብረኢየሱስን ከምኡ እውን ካብ 2004 ክሳብ 2008 ዝመርሑ ጥቀ ክቡር ኣብ በየነ ሃይሉ ካብኦም ዝተረከብኩ ኣነን ብጻየይ ስምዖን ተስፋሚካኤልን ናይ ትግርኛ ክፍሊ እንክንቅጽል ካብ 2018 ዓም ጀሚሮም ከኣ ጥቀ ክቡር ኣባ መብራቱ ማሞ ሃይለጊዮርጊስ ሓላፊ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣቶ ዮሓንስ መኰንን ከኣ ተሓጋጋዚኦም ኰይኖም ይቅጽሉ ኣለው።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 February 2021, 13:00