ሩፊኒ፥ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ዝብሎን ጽን ዝብሎን ቃል ህዱእ ሓይሊ ሩፊኒ፥ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ዝብሎን ጽን ዝብሎን ቃል ህዱእ ሓይሊ 

ሩፊኒ፥ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ዝብሎን ጽን ዝብሎን ቃል ህዱእ ሓይሊይሊ

ራዲዮ ቫቲካን ካብ ምስረታኡ ኣትሒዙ ናይ ዝንገርን ጽን ዝበሃልን ቃል ልዙብ ሓይልን ወንጌላዊ ተስፋ ንመጻእን እዩ፡ ነዝ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ክኾኑ እንከለዉ

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ  ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፥ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ኣናስሩን “ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዓለም ዝብል መለለይኡ እንከብርሁ፡ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ጠበቓ ጃኮሞ ጊዛኒ እውን ብወገኖም ራዲዮ ቫቲካን ናይ ኤውሮጳ ማሕበር ፈነወ ራዲዮ ኣባል ጥራሕ ዘይኮነ ነዚ ማሕበር ካብ ዝመስረቱ ሓደ እውን ምዃኑ ይዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ራዲዮ ቫቲካን ካብ ምስረታኡ ኣትሒዙ ናይ ዝንገርን ጽን ዝበሃልን ቃል ልዙብ ሓይልን ወንጌላዊ ተስፋ ንመጻእን እዩ፡ ነዝ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ክሳብ ውሳጠ ሰብ ዝበጽሕ ድምጺ እዩ፡ እትርእዮ ዘይኮነ እትሰምዑ ድምጺ እዩ፡ ብርቱዕ ኣተኩሮ ዝጠልብ እዩ፡ ነቲ ዘቕርቦ ቃል ምስሊ ክሳብ ዝለብስ ዝገብር ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎ ምዃኑ ብምኽንያት ምስራታ መበል 90 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብ ኣገልግሎት ንቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሰብኣዊ ፍጥረትን

ሓደ ዘመን ዳርጋ ንኸቝጽር ዝቀራረብ ዘሎ ራዲዮ ቫቲካን ብፒዮስ መበል 11 ዝተመስረተ ብጉሌልሞ ማርኮኒ ዝተሓንጸን ራዲዮ ቫቲካን ፍሉይነቱን መንነቱን ዓቂቡ ንመጻኢ ዝኣመተን እውን እዩ፡ ኣብ ሪሑ ንቤተ ክርስቲያንን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ስፍራ ዘሎን ናይ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖትን ባህልን ሰዓብን ብዘይገድስ ንሰብኣዊ ፍጣረት ምግልጋል ዝብል ተልእኾ ዘለዎ እዩ፡ ብማእከል ታሪኽ ዝሓለፈን ብፍላይ ናይ ፋሺዝምን ስርዓት ዴስነትን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ዝሑል ውግእን ታሪኽ ዘሕለፈን በዓል ዓቢይ ታሪኽ እዩ፡ ኣናስሩ ጽኑዕ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ከርሱ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርትን በ 43 ቋንቋታት ዘዘንትው ቫቲካን ኔውስ ዘፍረየን ኣብ 2020 ዓ.ም. 250 ሚሊዮን ብዓለም ዝተነበ ገጽ ዘቕረበ ምዃኑ ይሕብሩ፣

ራዲዮ ቫቲካን ምስ ዝተፈላለያ መደብር ራዲዮ ዝተሓባበር እዩ

ኣብ ናይ ዓለም ኣገልግሎት ራዲዮ-ተለቪዥንን ብግቡእ ዝሰረጸን መስራትን ኣባልን ናይ ኤውሮጳ ፈነወ ራዲዮ ሕብረትን ከምኡ እውን ናይ ኣፍሪቃ ማሕበር ፈነወ ራዲዮ ሕብረት ኣባል ምዃኑ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጠበቓን ናይ ኤውሮጳ ፈነወ ራዲዮ ሕብረት ፈጻሚ ሽማግለ ኣባልን ጃኮሞ ጊዛኒ ብምኽንያት ምስረታ መበል 90 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ድምጽን ማእከል ካቶሊካውነት ምስ መላእ ሃገራት ዓለም ዘራኽብን ደጋፍን ድምጽን ናይ ጴጥሮሳዊ ተልእኾን እዩ፡ ነዚ ብምፍጻም ምስ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መደብራት ራዲዮ ይነጻጸርን ይራኸብን ተምሳጡ ንቁኑዕ ሓበሬታን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎትን እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ በዚ መሰረት ምስ ዘተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ኣቢያተ ክርስቲያን መደብር ራዲዮን ብዞባውን ከባቢያውን ብመርበብ ሓበሬታን ብዝተፈላለያ ቋንቋታት ኣቢሉ ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ምስቲ ኣዚዩ ርሑቕ ዝበሃል ከባቢ እውን ከይተረፈ ይራኸብ ኢሎም።

መረብታዊ ራዲዮ ካብ ዕለት 12 ለካቲት ክብገስ እዩ

ራዲዮን መርበብ ሓበሬታን ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ካብ ዕለት 12 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ሓድሽ መረብታዊ ራዲዮ https://www.vaticannews.va/it/epg.html ብዝብል ኣድራሻ ከበግስ እዩ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብጣልያንን ፈረንሳን ኣንግሊዘይናን ፖርቱጋልን ጀርመንን ኣርመን ቋንቋታት ኣቢሉ ብቀጥታ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልኡኻት ጋዜጠይናታት ራዲዮ ቫቲካን እውን ዘሳትፍን ብራዲዮ ኮነ ብመርበብ ሓበሬታ ቫቲካን ነውስ ኣቢሉ መደባቱ ምቕራብ ክጅምር እዩ፡ ኣብ ናይ ቫቲካን ረዲዮ መርበብ ሓበሬታ ኮነ ብApp - ኣመልካቲ ራዲዮ ኣቢልካ ምስምዕ ከምዝከኣል  ሩፊኒ ሓቢሮም፡ ብናይ ኢድ ተለፎን ድዩ ካብ ኮምፒዩተር ራዲዮ ቫቲካን ብእትመርጾ ቋንቋታት ምስማዕ ዝከኣል እዩ፡  ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ናይ ገዛእ ርእሱ ራዲዮ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ውሽጢ ዘለዎን በዚ ህብረ ቋንቋ ኣቢሉ ምስ ሰማዕቱ ርካባቱ የጽንዕ፡ ዳሪዮ ቫቲካን ብሳታላይትን ዳብን ተደመሮን ብመሬታዊ ሰነ ኣሃዝን ብኢንተርነትን ከምቲ ልሙድ እውን ቤሄርትዛውያን ማዕበላትን ክትከታተሎ ዝከኣል ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 February 2021, 21:50