ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ኣብ ሃገረ ቫቲካ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ኣብ ሃገረ ቫቲካ 

ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ኣብ ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መምርሒ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመላኽቶ፥ እቲ ዝወሃብ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማእከል ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ዝወሃብ ከምዝኾነን

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ መፋርቅ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ክወሃብ ምዃኑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕክምናን ክንክን ጥዕናን ቤት ጽሕፈት መምርሒ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብቐዳምነት ነቶም ምስ ሕዝቢ ኣብ ዘራኽብ ዕዮ ተዋፊሮም ዘገልግሉን ስዒቡ እውን ንናይ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መንበርን ሰራሕተይናታት ወለንተይናታትን ዝወሃብ ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝዓዩ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ኣረጋውያንን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ሕዝባዊ ጉዳይ ዝዓዩን ዝወሃብ ምዃኑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መምርሒ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

እቲ ክትባት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘሎ ኣጥሪዩም ክወሃብ እዩ

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መምርሒ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመላኽቶ፥ እቲ ዝወሃብ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማእከል ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ዝወሃብ ከምዝኾነን እዚ ኸኣ እቲ ናይ  ለብዒ ጉዳይ ዝከታተል ጨንፈር ክንክን ጥዕና ዝህቦ መምርሒ ብርኽብር ኣገባብ ዝፍጸም ከምዝኾነ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መምርሒ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

05 January 2021, 21:34