ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብጹዕ ካሪድናል ፓሮሊን ናብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብጹዕ ካሪድናል ፓሮሊን ናብ ኣፍሪቃ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍሉይ ኣቃልቦ ንኣፍሪቃ ዝምስክር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፓሮሊን ኣብ ካመሩን

ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኣፍሪቃን ኣብታ ክፍለ ዓለም ንዝረአይ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዘለዎም ፍሉይ ኣቃልቦ ዝምስክርን ጭቡጥ ምልክታ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ኣቃልቦ ንኣፍሪቃ ዝምስክር ኣብ ካመሩን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 28 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ከምዝጀመሩን፡ ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ባሜንዳ ካቴድራል ንናይ ያውንደ ሊቀ ጳጳሳት ኣንብሮተ መንጠሊና ዝፍጽምሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ያውንደ ኣብ ዝርከብ ግዳም ሓደርን ኣብ ከቢድ ጸገምን ድኽነትን ዝርከቡ መንእሰያት ዝድገፍሉን ዝሕነጹሉን ናይ ተስፋ ጉዕዞ ኣብ እተሰምየ ማኣከል  ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት ዝቕጽል ኣብ ካመሩን ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ወጻእ ርክባት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ሳንቱስ ተሰንዮም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 28 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ከምዝጀመሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብዚ ብኮቪድ - 19 ብዘኸስተ ሕጹጽ ሓደጋ ጥዕናን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኣፍሪቃን ኣብታ ክፍለ ዓለም ንዝረአይ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዘለዎም ፍሉይ ኣቃልቦ ዝምስክርን ጭቡጥ ምልክታ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. “ምክንኻን ንናይ ሰላም ባህሊ መገዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 54 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዘስመሩሉ ናይ ሓባር ጻዕርን ምትሕብባርን ሱታፌን ናይ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን ዕርቅን ምክብባርን እንገዳን ንምክንኻንን ንምንቕቓቕሕን ዝኣመተ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ምስ ናይ ካመሩን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካልት ክራኸቡን ኣብ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅሳኤ ከዕርጉን ንናይ ያውንደ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንድሪው ንከኣ ፉኣንያ ስነ ስርዓት ኣንብሮተ መንጠሊና ክፍጽሙን ያውንደ ኣብ ዝርከብ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ብኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ይቨስ ለስካነስ ዝተመስረተ ግዳም ሓደርን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡን መንእሰያን ዝተፈላለያ ሓገዝ ዘቕርብ ናይ ተስፋ ጉዕዞ ኣብ ዝተሰምየ ማእከል ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 January 2021, 21:44