ሜጥሮጶሊታ ፍላረት ምስ በነዲኮቶስ መበል 2021 ዓ.ም. ሜጥሮጶሊታ ፍላረት ምስ በነዲኮቶስ መበል 2021 ዓ.ም. 

ኮኽ፥ ሜጥሮጶሊታ ፊላረት ናይ ቤላሩስ ዳግማዊ መንፈሳዊ ውልደት ሰብ

ሚጥሮጶሊታ ፊላረት ኣብ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾኦም ኣብ ቤላሩስ ዳግማይ ውልደት ኤቅለስያዊ ሕይወት ዘነቓቕሑን ጠፊኡ ዝነበረ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዳግም ክምለስን ዝነበራ ክሕደሳን ሓደስቲ ኣባይቲ ክርስቲያን ክሕነጻን ሃይማኖታዊ ሕንጸት ዳግም ክነቓቓሕን ኣብ ቤላሩስ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን መርሓ ግብሪ መደብ ሕንጸት ዳግም ዘነቓቕሑን

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኵርት ኮኽ ናብ ሜጥሮጶሊታ ናይ መላእ ቤላሩስ ኤዛርቅና ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ቨኒያሚን ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፉ ብጹዕ ወቅዱስ ፊላረት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንብጹዕ ወቅዱስ ፊላረት ናይ ብሩህን ንጹርን እምነት ምስክር እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣቦ መንበር ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፥ ዕለት 12 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብለብዒ ኮቪድ - 19 ተለኺፎም ንነዊሕ እዋን ብሕክምና ክድገፉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 85 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ናይ መላእ ቤላሩስ ልሂቅ ፓትሪያርክ ፊላረት ምኽንያት ናብ ናይ መላእ ቤላሩስ ኤዛርቅና ፓትሪያርክ ሜጥሮጶሊታ ብጹዕ ወቅዱስ ቨኒያሚን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣቐዲሞም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ምእንቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎት ነፍሰ ሄር ፊላረት ንእግዚኣብሔር አመስግን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ዘተ ሰብ

ሚጥሮጶሊታ ፊላረት ኣብ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾኦም ኣብ ቤላሩስ ዳግማይ ውልደት ኤቅለስያዊ ሕይወት ዘነቓቕሑን ጠፊኡ ዝነበረ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዳግም ክምለስን ዝነበራ ክሕደሳን ሓደስቲ ኣባይቲ ክርስቲያን ክሕነጻን ሃይማኖታዊ ሕንጸት ዳግም ዘነቓቕሑን ኣብ ቤላሩስ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን መርሓ ግብሪ መደብ ሕንጸት ዳግም ዘነቓቕሑን እዮም እንክብሉ ዘኪሮም ኣብ መንጐ ናይ ምስራቕን ምዕራብን ክርስቲያን ዕርቂ ክወርድን ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ሕውነታዊ ምትእስሳር ዳግም ንኽምለስን ምስ ካቶሊካውያን ፍርያም ናይ ሕይውነት መንፍሳዊ መርበብ ኣብ ምቛም ዓቢይ ግደ ዘለዎም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ዕለት 15 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሚንስኪ ሊቀ ጳጳሳት ታደኡስ ኮንዱርሳይዊች ምእንቲ ነፈሰ ሄር ሜጥሮጶሊታ ፊላረት ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 January 2021, 20:04