ተመዛበልቲ ሶሪያ ተመዛበልቲ ሶሪያ 

ችዘርንይ፥ ዘአንግድ ባህሊ ጥራሕ እዩ መጻኢ ዝህልዎ

ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ክንየው ኣካላዊ ምቅርራብን ብቦታን ብናይ ትውልዲ ቦታን ኣበይ ትቕመጥን ዘይብል ክፉት ሕውነት

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝኸታተል ጨንፈር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ምስ ካቶሊካዊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ድርገት መርበብ ሓበሬታ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ፥ ዘአንግድ ባህሊ ጥራሕ እዩ መጻኢ ዝህልዎ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እታ ሓዳስ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ብቐጥታ ናብቲ ሓሴትን ተስፋን ጓሂን ስቓይን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ኵሎም ናይቶም ካብ ኣባይትኦምን ሃገሮምን ዝመዛበሉን እያ ተማዕድው፡ ስለዚህ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ማእከል፥ ጻውዒት ንዝለዓለ ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሃገራትን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ጨንፈር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ናይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ዝምልከት ሓድሽ ኣብ ዝተወለደ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ኣርእስቲ፥ ኵላትና ኣሕዋት ናይ ተመዛበልቲ ስቓይ ዝብል ኮይኑ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ክንየው ኣካላዊ ምቅርራብን ብቦታን ብናይ ትውልዲ ቦታን ኣበይ ትቕመጥን ዘይብል ክፉት ሕውነት ዝተነብረ ጻውዒት የቃልሑ።

ናይ ክቡር ሕይወት መሰልን ግቡእን

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናይ ክቡር ሕይወትን ኵለንተናዊ  ዕብየትን መሰልን ግብኡን በዓል ቤት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብቲ እዚ መሰል እዚ ክኽበረሉ ኣብ ዘይኽእለለን ድኻታት ሃገራት ውሑስ ክኸውን ክሕገዛ ናይ መላእ ዓለም ሓላፍነት እዩ፡ እዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ተቐባልነት ዘለዎ ኤኮኖሚያዊ መዳይ ጥራሕ ዝስረት ዘይኮነ ድኽነትን ጥምየትን ሕማምን ቅልውላው ማሓድሮን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እውን ዘተkoረ ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ።

ምእንጋድ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ኵለንተናዊ ውህዶን

ነቶም ቤቶምን ንብረቶምን ሃገሮምን ዛሕዚሖም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ክቐርብ ዝግብኦ ግብረ ገባዊ መልሲ፥ ኣብተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝሕብርወን “ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውሃድን” ኣብ ዝብላ ቃላትን ግብርን ዝተማእከለ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ጉዕዞ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ነዚ ጉዳይ ዘሰናኽሉ ግዳያት የጋጥሙ እያቶም፡ ንእብነት ምስ ክርስትና ብምንም ተኣምር ዘይሰማማዕን ብቤተ ክርስቲያን ዝንጸግን ናይ ጽልእ መጻእተይናን ጽልእ ጓኖት - ጽልእ ወጻእተይናን ዝብል መሰናኽል ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል ቢሎም ነዚ ጉዳይ እዚ ብሰፊሕ የብርሁ።

መዓጹ ንምርሃው ዝተፈላለዩ ኣገባባት

ነታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓዋዲት መልእኽቲ መርሓ ፍኖት ገይሮም፥ መዓጺ ንምርሃው ዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዘለዉ እንከሕብሩ፥ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘምልጡን ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ እዋንና ቀረባ ዝኾኑን መዓጹ ንምርሃው ዝተፈላለየ ኣገባብት ከምዘሎን፥ ምብጻሖምን ኣብ መንጐ ሃገራት ሕዝብታትን ብግልን ብማሕበርን ዝምድናታት ብምቛም ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ብጠቕላላ ንዅሎም ነቶም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ምዃንን ብቑዕን ምዕሩይን ድጋፍ ምቕራብን ሰብኣዊ ውሕስነትን መሰረታዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብን ናይ ፍትፍሕ መሰል ውሑስ ምግባር፡ እዚ ኸኣ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነትን ናይ ምስራሕን ናይ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ናይ ኵሉ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ምኽባርን ዝብሉ ጠቒሶም፡ እዚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማዕጾ ምርሃው ማለት ንሱ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ሓባር ጻዕሪ

ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ ነጸላ ሃገር ንበይኑ ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ብቑዕን ምዕሩይን መልሲ ክህብ ዝከኣሎ ኣይኮነን፡ ክፍትንን ክጽዕርን ይኽእል እዚ ንገዛእ ርእሱ እወታዊ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ብዓለም ለኸ ጽፍሒ ጭቡጥ መልሲ ዘድልዮን ዝጠልብን ከምዝኾነ ዘመላኽቶ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ምእንቲ’ዚ ስሩዕን ሕጋውን ውሑስን ስደት ክህሉ ዝብል ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጉባኤ ዘኪሮም እዚ ውዕሊ’ዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ ውጽኢት እዩ ክኸውን ዝኽእል ብዓለም ሓቆፍ ጽፍሒ ተመሓዳሪ ዝኾነ ስደት ወሳኒ ምዃኑ የብርሁ።

ኣብ መንጐ ባህልታት ጸጋ ምርኻብ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ጸጋ ተራኽቦ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ኣማእኪሎም እንከስተንትኑ፥ ዝተፈላለያ ባህላታት ዕቑር ሓይሊ ጸጋ ምርኻብ ዘለወን እያተን ስለዚህ እዚ ኣብቲ ስደተይናታት ሒዞምዎ ዝመጹ መግለጺኦም ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ ዘሎ እዩ፡ ምርኻብ ሃብታም ናብ ምዃን ዝመርሕ እዩ፡ እቲ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባህሊ ዘሀብተሙ ዝተፈላለዩ ስደተይናታት ሒዞምዎ ዝኣተዉ ባህልታትን . . . ብዙሕት ስደተይናታት ጣሊያን ናብ ኣርጀንቲና ንምጥቃስ ይከኣል ኢሎም።

ልግስን ሞሳን

ኣብቲ ሕድ ሕዳዊ ምርኻብ ዘሎ መኽሰብ ንዅሉ ክውንነት ዝውክል ኣይኮነን፥ እቲ ዘድሊ ንኻልእ ክፉት ምዃን እዩ፡ መኽሰበይ እንታይ እዩ ከይበልካ፡ ብልግስን ሞሳን ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ክፉት ምግባር፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ገለ ገለ ነገራት እትፍጽሞ ሰናይ ዝለ ዝኾነ እምበር፡ እንካን ሃባን ዘይፈልጦን መኽሰበይ ዘይብል፡ ሰናይ ምግባር ካብቲ ሰናይካ ዝቕበል እትጽበዮ ነገር ከይሓስብ እዩ፡ ለጋስን ሞሳን፡ ብነጻ ተዋሂቡና ብናጻ ከኣ ነካፍሎ።

መጻኢ ዘለዎ ባህሊ

ዘአንግድ ባህሊ ጥራሕ እዩ መጻኢ ዘለዎ፥ እዚ እዩ መጻኢና ምስ ድኻታትን ስደተይናታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ብናጻ ምክፋል፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ቅኑዕን ሰብኣውን ሕውነታውን ዝኾነ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ ብሕድ ሕዳዊ ምቅብባልን ብምክፋልን ዝሃብተመ ምጥርጣርን ቅዙሕ ሸለትነትን ዝነጽግ ባህሊ መጻኢ ዘለዎ እዩ፡ እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ይዛዝሙ።

15 January 2021, 20:13