ዳቮስ፡ ቱርክሶን፥ ክትባት ከምኡ እውን መሬትን ቤት ንዅሉ ዳቮስ፡ ቱርክሶን፥ ክትባት ከምኡ እውን መሬትን ቤት ንዅሉ 

ዳቮስ፡ ቱርክሶን፥ ክትባት ከምኡ እውን መሬትን ቤት ንዅሉ

ጸረ ኮሮና ተህዋስ ዝርከብ መድሃኒትን ክትባትን ንኹሉ ክኸውን እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ ኣብ ግብሪ ክውዕል ንናይ ኵሉ ጥዕና ውሕስነት መስረት እዩ

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓመታዊ ናይ ኤኮኖሚ ጉባኤ ዳቮስ ይስተፉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክንዛረብ እንከሎና ምውጋይ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ብምልቓቅ ክንድግፎን ተኸባሪ ክኸውን ጥራሕ ክንዓዪ ይግብኣና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ምፍንታት ብምኽባርን  ካብ ናይ ምትእኽኻብ ሓደጋ ነብሶም ገቲኦም ዕለታዊ እንጌራኦም ሒዞን ናብ ቤቶም ዝኣትዉ  ኣለዉ፡ ገለ ዓለም ከኣ ዕለታዊ እንጌራ ሒዙ ናብ ቤት ንኽኣቱ ኣብቲ ምፍንታትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክትገብረሉ ኣብ ዘይከኣል መሸጣን ዕዳጋን ንኽኸይድ ይግደድ፡ ገሊኣቶም ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ብውሕስነት ዘንብርሉ ቤት ክህልዎም እንከሎ ገሊእኣቶም ኸኣ ቤት ዘይብሎምን ወይ ውን ቤት ቢልካ ክትጽውዖ ናይ ቤት ክብሪ ዘይብሉ ቦታ ጥራሕ ዘለዎምን ዕለታዊ እንጌራ ኮነ ዘዕርፉሉ ቤት ክህልዎም ዘኽእሎም ስራሕ እውን ዘይብሎም ብዙሓት ኣለዉ።

ኮቪድ - 19: “ኣማራጺ ፍወሳ ምንዳይ”

“እቲ ብኮቪድ- 19 ኣዚዩ ዝጉዳእ ድኻ ዓለም እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ኣብ ዳቮስ ብምናባዊ ኣገባብ ኣብ ዝከየድ ዘሎ ናይ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ዋዕላ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣስዒቦም፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝገማማዕን ዝበታተኽን ዘሎ ዓለም ካብቲ ለብዒ ኣዚዩ ዝሓየለ ውሕስነት የድልዮ፡ ንኣብነት ጸረ ኮሮና ተህዋስ ዝርከብ መድሃኒትን ክትባትን ንኹሉ ክኸውን እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ ኣብ ግብሪ ክውዕል ንናይ ኵሉ ጥዕና ውሕስነት መስረት እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ለብዒ ንመላእ ዓለም ኣብ ዘጥቕዓሉ ዘለሉ እዋን መንግስታት ንኣኣቶምን ሃገራቶም ጥራሕ ክሓስቡን ድሕሬና ንኻልኦትን ክብሉ ይርአይን ይስማዕን ኣሎ፡ ገለ ገለ ሃገራት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርከብ ዘሎ መድሃኒት ድዩ ክትባት ናይ ምምራት ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ናይቲ ዝተረኽበ መድሓኒት ብልሓተ ኣእምሮ በዓል መሰል ብዘይ ምዃነን ቀዲሔን ከምርትኦ ፍቓድ የብለንን፡ ከምርታ እተዝፍቀደለን እቲ ዝርአይ ዘሎ ምልባዕ ብርግጽ ምነከየ፡ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህዝባውያን ምንቅስቓሳት

እቲ ናይ ክትባት ሕቶ ኣብዚ እዋን ሕጹጽ ሓደጋ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እውን እንተኾነ ንሱ ጥራሕ ፍሉይን ንበይኑ ኣገዳሲ ሕቶ ከምዘይኮነ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶ ገሊጾም፡ ድኽነት ለብዒ ቅድሚ ምዃኑ ብዓንተውኡ ምዕጋት የድሊ፡ ቅድስቲ መንበር በቲ ቅዱስ ኣቦና ብዘቖምዎ ንመጻኢ ከምዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓይነት ሓደጋ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ፍልዩ መጽናዕቲ መሰረት ሓሳብን መደባትን ናይ ምቕራብ ተልእኾ ዘለዎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ጉዳይ ዝከታተል ሰብ ሙያን ተመራመርትን ዝሓቁፍ ፍሉይ ሓይልታት ዕማም ኣቢላ  ትዓዪ ከምዘላ ሓቢሮም፡ ምስቶም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት እውም ብምትሕብባር ኣበርቲዓ ትንቀሳቐስ ከምዘላን፡ ብቐዳምነት ከኣ መሬትን ዕዮን ቤትን ዝብል ሸቶ ብምምዕዳው፥ ናይ ኩሉ ስራሕን ቤትን ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን  ውሑስ ክኸውንን መሬት እተቕርቦ ጸጋታት ንዅሉን ናይ ኵሉን ክኸውን ተተሓሳስብን ኣብዚ መዳይ እውን ተነቓቕሕ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምትሕብባር ኣሕዋት ይገብረና

ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ሕልና ንምንቕቓሕ ግልጺ ብዝኾነ ኣዘራርባ ሰብ ክማእከል - ሰብኣውነት ክማእከል ይላበዉ፡ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ጻውዒት እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተኸዋኒ ንምግባር ኣብ ዝድግፍ ኪደት ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክንዛረብ እንከሎና እዚ ክብሪ እዚ ክኽበር መታን ምዕያይ እንተዘይኮነ እንዋገየሉ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ክንድግፎ ጥራሕ እዩ ዝግብኣና፡ መዓዝን ኣበይን ዘይበሃል ጉዳይ እዩ፡ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሕድሕዳዊ ምትሕልላይ ክህሉን ሰብኣዊ ሕውነት ንምስፋሕ ምስ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን ዓለም ብምትሕብባር ክንዓዪ ኢና ድሮ እውን ንዓዪ ኣሎና እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። 

29 January 2021, 22:21