2020.12.24 Anno "Famiglia Amoris Laetitia" 2020.12.24 Anno "Famiglia Amoris Laetitia"  

ፍሉይ ዓመት ንምስርነት ስድራ-ቤታዊ ፍቕሪ

ናይ ፍቕሪ ሓሴተ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶ ንንባብ ዝበቓዓሉ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ምስ ዝኻየደ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ተተሓሒዙ ዝዛዘም ፍልዩ ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቅድሚ ናይ እዋንና ዓበይቲ ብድሆታት ኣባይቲ ስድራ ዘሰንይ መንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህላውን ተበግሶታት ክኽወን ሓሳብ ከምዘቕረበን በዚ መደብ እዚ እውን ቁስምናታትን ሰበኻታትን ኣባይቲ መንበርን ዝተፈላለያ ማሕበራት ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ክበዓል ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዲሞም ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ድህረ ሲኖዶ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍልዩ ኣስተንትኖን መሰረታዊ መልእኽታን ብዕምቆት ክስትንተንን ክውሰጥን ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ጽባቔን ሓሴትን ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ብዕምቆት እተብርህ ናይ ፍቕሪ ሓሴተ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶ ንንባብ ዝበቓዓሉ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ምስ ዝኻየደ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ተተሓሒዙ ዝዛዘም ፍልዩ ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ከምዝጸውዑን እቲ ኣብቲ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት እውን ር.ሊ.ጳ. ብኣካል ከምዝሳተፉ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤት ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስድራ ቤት፥ ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዝሕብሮ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ስደራ ቤት ከም ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ማእከላዊ ግደ ክጐልሕ ከምዝገበረን ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኣገዳስንት ብኣጽንዖት ዘመላኸተ እውን ምዃኑ ኣብሪሁ፡ ብዓመት ፍቕሪ ስድራ ቤት ተበግሶታት ኣቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ንመላእ ኤቅለሲያውያን ማሕበረሰብ ኣተኵይሮም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ስድራ ቤት ፍቕሪ መስካሪ ክኸውን የተባብዑ።

ንማሕበረሰብ ኣገልግሎት ናይ ሕንጸት መጋበርያ

እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቁምስናታትን ኣብ ሰበኻታትን መናብርተ ጥበብን ኤቅለሳውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራት ኣባይቲ ስድራን ናይ ስድራ ቤት መንፈሳውን ሕንጸት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምስጢረ ተክሊል ንምስንዳውን ሕንጸት ንመንእሰያት ኣብ ፍቕርን ናይ ሰብ ሓዳር ጥዕናን ንቶም ናይ ምስጢረ ተክሊል ጸጋ ዝነብሩ ኣባይቲ ስድራን መጋበርያ የሰናድው፡ ብተወሳኺ እታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምዕሟቕ ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጉባኤታት ክስደናደውን የተባብዕ።

ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝሰናደው ሓበሬታ

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤት ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ነቲ ናይ “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዓመት መኽፈቲ ምኽንያት ገይሩ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ካብቲ www.amorislaetitia.va. ካዝብል ኣርድራሻ ብምርጋፍ ከምሙቝን ብሓሙሽተ ዓበይቲ ቋንቋታት፥ ብእንግሊዚይናን ፈረንሳይናን ስፓይኖሎን ፖርቱጌዝን ጣሊያንን ብዛዕባ እቲ ናይ ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓመት ዝቐርቡ ጽሑፋትን ኣስተምህሮታትን ነታ ሓውርያዊ ምዕዳን ዘማእከለ ዝቐርቡ መብርህታትን ሰነዳትን እውን በቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ከምዘቕርብ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዓመት ዕላማ

ብቐዳምነት ናይታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ትሕዝቶ መሰረት ናይ ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓመት ትርጉምን ምስትውዓልን ናይታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ትሕዝቶ ምስፋሕን ዝብል ኮይኑ፡ ስድራ ቤት ናይ ሓሴት ጸጋ ተመክሮ ገይሩ ንቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ጸጋ ምዃኑ ንኸስተውዕል ዝብል እዩ፡ እቲ ካልኣይ ዕላማ ኸኣ ኣብቲ ጸላም ዓለም ብርሃን ዝብል ሰብኣዊ ፍቕሪ ዝልውጥን ስድራ ቤት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዛዕባ ስድራ ቤትን መንእሰያትን ተዋሳኢ ክኸውን ዝብል እዩ።

ክቡር ዋጋ ስድራ ቤት ብጭቡጥ ንምቕራብ

ኣብቲ “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዓመት ብቑምስናታትን ሰበኻታትን ዝቐርቡ ተበግሶታትን ብጠቕላላ ንምስጢረ ተክሊል ብፍሉይ ንምዕሟቕ ዝድግፍን ንቃል ኪዳን ዝስደናደዉ ሓደስቲ መራዑትን ሰብ ሓዳርን ወለድን ውላድን ወለዲ ኣብ ሕንጸት ደቃቶም ዘለዎም ሓላፍነት ዘተባብዕን ዘብርህን ኣብ ምርኻብ ዘሎ ጽባቔን ናይ ኣባይቲ ስድራ ጸገማትን ኵሉ ግምት ብምሃብ ኣብዚ ኵነት’ዚ ስድራ ቤት ንምትብባዕን እዚ ኸኣ ስድራ ቤት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ብጭቡጥ ክጉልሕ ዝድግፍ ምዃኑ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤት ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመላኽቶ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕድ ሕዳዊ ስምምዕ - ምውህሃብ ኣብ መንጐ ስድራ ቤትን ቤተ ክርስቲያንን

ኣብዚ “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዓመት ብፍሉይ ዝጥቀስ ስድራ ቤትን ሰብ ሓዳርን ኣብ ናይ ሰበኻታትን ቁምስናታትን መዋቕራት ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽ ኮነ ንምትግባሩ ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾኑ ምትብባዕን ኣብ መንጐ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብዝፍጠር ምትሕብባር ኣቢልካ ኣብ እዋናዊ ዓለም ንኣባይቲ ስድራ ዘጋጥም ብድሆ ኵሉ ብሓባር ንምግጣም ክከኣልን እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ስድራ ቤትን ቤተ ክርስቲያንን ሕድ ሕዳዊ ስምምዕን ምውህሃብን ክህሉ ዝድግፍ ምዃኑ እቲ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዘስመረሉ ኣፍሊጡ።

28 December 2020, 16:36