ካህናት ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ዘመነ ኮቪድ 19 ካህናት ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ዘመነ ኮቪድ 19 

ለበዳ ኮቪድ 19 - ኣብ በዓለ ልደት ነፍሲወከፍ ካህን ክሳብ አርባዕተ ግዜ ክቅድስ ይኽእል! ንሥርዓት መለኮታዊ ኣምልኾ እትሓሊ ማሕበር

ንሥርዓት መለኮታዊ ኣምልኾ እትምልከት ማሕበር ቅድስት መንበር ንዘሎናዮ ኩነታት ምናዳ ምልባዕ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ግምት ብምእታው ኩሎም ምእመናን ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ብውሱን ቊጽርታት ኣብ ቈቊምስናኦም መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍን ምሥጢርታ ንክዕደልዎምን ካህናት ኣብ ቊምስናታቶም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ በብግዜኡ ክቅድሱ ከምዝኽእሉ ፍሉይ ፍቃድ ከምዝሃበት ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና እንከመልክት። እዚ ፍሉይ ፍቃድ እዚ ንርእሰ ዓመት ጎርጎርስያዊ ኣቆጻጽራ ንዝበዓል በዓለ እኖና ድንግል ማርያምን ድሕሪኡ ዝስዕብ ብኤፒፋኒ ዝፍለጥ በዓለ ግልጸት ወይ ኣስተርእዮ ምስ ናትና ልደት ተጸሚብሩ ኣብ ዝበዓል በዓል እውን ከምዘጠቃልል ተገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ገገዛኻ ተዓጾ! ርሕቀትካ ሓሉ! ተሸፈን ዝብል ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ጸገማት ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ እውን ብዙሕ ጸገም ብምስዓቡ ምእመናንን ቆሞሳትን ብፍርሒ ተሸቊሪሮም ብብዝሒ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ክጋብኡሉ ኣብ ዘይከኣል ሁመት ብምርካብና ንሥርዓት መለኮታዊ ኣምልኾ እትምልከት ማሕበር ቅድስት መንበር ትማሊ ዕለት 16 ታሕሳስ ንበዓለ ልደትን ዝስዕቡ ዓበይቲ በዓላትን ዝምልከት ኣዋጅ ኣዊጁ። እዚ ብሓላፊ እቲ ማሕበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራን ብጸሓፊ እቲ ማሕበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኣርቱር ሮሽን ዝተኸተመ ኣዋጅ ቀንዲ ዕላማኡ ክርስትያን መንፈሳዊ ግቡኦም ብዝተኻእለ መጠን ንምፍጻም ንምሕጋዝ ምዃኑ ተመልኪቱ።

እዚ ብቋንቋ ላቲን ዝተሓትመን ኣብ ዝተፈላለያ ቋንቋታት ዝተተርጐመን ሰነድ ኣብ መእተዊኡ ‘ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተጓሃሃረ ምልባዕ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ግምት ብምእታው በቲ እዛ ማሕበር እዚኣ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተዋህባ ሥልጣን ንአቡናት ነፍሲወከፍ ሰበኻ ንሎምዘመን ንምልባዕ ናይቲ ብኮቪድ 19 ዝፍለጥ ለበዳ ንምክልኻል ኣብ ዘመነ ልደት ነፍሲወከፍ ካህን ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ክቅድስ ከምዝኽእል ክተፍቅዱ ሥምረትና ንገልጽ እዚ ከኣ ኣብ ዕለተ ልደት 25 ታሕሳስ 2020 ዓም ከምኡ እውን ኣብ ዕለተ እኖ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም 1 ጥሪ 2021 ዓም ኣብ መወዳእታ ድማ በዓለ ግልጸት ወይውን ኤፒፋኒ ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓም። እዚ ፍቃድ እዚ ንኩሎም ኣብ ሰበኻታትኩም ንዘለው ኩሎም ካህናት ኰይኑ ንረብሓ ምእመናንኩም ኣድላዩ ኣብ እትብሉሉ ክኸውን ንምሕጸን’ እንክብል እቲ ኣዋጅ ብሥልጣን ንመን ክሳብ መኣስ ከምዝኾነ የብርህ።

ብመሠረት ሕገ ቀኖና ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዋሕዲ ካህናት ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት አቡናት ንካህናቶም ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታውን ንረብሓ ሓዋርያዊ ኣግለግሎትን ኣድላዩ ኰይኑ ምስ ዝረኣዮም ካህናቶም ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክቅድሱ ከፍቅዱ ኣብ ግዜ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ክቅድሱ ከምዝኽእሉ የፍቅድ። ስለዚ ሓደ ካህን ክቅድሶ ዝኽእል ዝለዓለ ቊጽሪ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ነበረ። ሎሚ እዚ ሓዲስ ኣዋጅ ከኣ ዳርጋ ኣብ ዝነበረታ ተወሰኸታ ዚዓይነቱ ኣብ ብዙሓት ሰበኻታት ድሮ እቲ ብዋሕዲ ካህናት ዝሳቀ ዝነበረ እሞ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ሰናብትን በዓላትን ብዘይ ቅዳሴን ምሥጢራትን ከይተርፉ ንማለት ክሳብ ሰለስተ ግዜ ዝብል ንዝነበረ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ከኣ ሕዝቢ ብብዝሒ ከይእከብ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዘሎ ርሕቀት ክሕሎ ግዲ ስለዝኾነ ኣብዘን ክነብዕለን ንቀራረብ ዘሎና ዓበይቲ በዓላት ምእመናን ብዝተኻእለ መጠን ንክሳተፉ ነቲ ብመራሕቲ ሰበ ሥልጣን ዝወሃብ ሕግታት ብምሉኡ እናተኻታተሉ ካህናት ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ክቅድሱ ንከፍቅዱ ንአቡናት ሥልጣን ክወሃብ ግድነት ኰይኑ ስለዝተረኽበ እዚ አዋጅ ብሰፊሑ ይገልጽ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 December 2020, 12:19