ሚስጢረ ንስሓ ሚስጢረ ንስሓ 

ካርዲናል ፒያቸንዛ ንኣበ ነፍሳት (ኣናዘዝቲ)፥ ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ መጋበርያ ኵኑ!

የድሊ፡ ብምስጢረ ዕርቂ ኣቢልና ኣብ ናይ ንስሓ ጉዕዞ ንርከብን ኣብ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ንካፈል፡ ዝኾነ ሓጢኣት ብምስጢረ ንስሓ ምስ ተኣልየ ምጽኣተ መንግስቲ ኣምላኽ ይቀላጠፍን ናይ ክፋእ ሓይሊ ይዕግትን ኣብቲ ብክርስቶስ ዝተሰርሐ እንኰ ድሕነት ተሳተፍቲ ይገብር

ብጹዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ናይ ሓዋርያዊ  መንበረ ንስሓ ዓቢይ ኣናዛዚ ዕለት 25 ታሕሳስ ዝበዓለ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ እናሓሰቡ ናብ ናይ ጳጳሳውያን ብዚሊካ ኣናዘዝቲ ካህናት (ኣበ ነፍሳት) ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ መልእኽቲ፥ በዓለ ልደት ምስቲ ንኸድሕነና ዝመጽእ ኢየሱስ ምርኻብ ማለት እዩ፡ ንኣኡ ሓንጓፋይ ቢልና ንኽንቅበል ብምስጢረ ንስሓ ብዝነጽሐ ልቢ ምስንዳው የድሊ፡ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ካህናት ዓቢይ ግደ ኣለዎም፥ ስንድዋትን ክፉታትን ክኾኑ ይግብኦም ምኽንያቱ ብምስጢረ ንስሓ ንዅሎምን ነቶም ልባቶም ዘትረሩ እውን እቲ ሓልዮትን ለውሃትን ናይ እግዚኣብሔር ዘጸናንዕ ሕቕፎም ክበጽሖም መታን ከምዝበሉ ዜና  ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓዋርያዊ መንበረ ንስሓ ዓቢይ ኣናዛዚ ብጹዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ማውሮ ንዅሎም ነቶም ብምስጢረ ክህነት ኣሕዋቶም ንዝዅኑ ብምኽንያት በዓለ ልደት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ካህናትን ኣበ ነፍሳትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ኣናዘዝትን፥ ኣብ ኣገልግሎቶም ንቕድስቲ ማርያምን ነቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ተባሂሉ ካብ ዝእወጀሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት እነብዕለሉ ዘሎና ሓላዊ ቅድስቲ ስድራ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ “ኣገልጋሊ ድሕነት” ኣወኪፎም፥

ድሕነትን ፈውስን ዳግም ካብ ለብዒ

ቅዱስ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትና ምስ ዝፈርድ ኵለንተናኻ ዘሳትፍ ርክብ ምስቲ ብኣና ክሑቖፍ ምስ ዝምጽእ ስቡእ እግዚኣብሔር ምርኻብ ማለት እዩ። ንሱ ኵሉ ተስፋታትናን ብኢታእላው ምሕረቱ የአንግድን ንምድሓንና ጉድለታትናን ግድፈታትናን ይኸድን፡ ነቲ ኢታእላው ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንዘይነጽግ ሰብ እቲ ብፍቕሪ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር “ብፍቕሪ ይፈርድ” በንጻሩ ግና ካብቲ ጐይታ ዝጽግዎ ጸጋ ፍቕሪ ስጉምቲ ርእሰ ምንጻል ዝወስድ ግና ይዅንን።

“ድሕነትን ፈውስን” እዘን ክልተ ቃላት ናይ በዓለ ልደት መፍትሕ እዚኣተን፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብጭቡጥ ኣገባብ ይግለጾ፣ ናይ ምድሓን ኣድላይነት ነቶም ገዛእ ርእሶም ኣድለይትን ርእሰ ብቑዓትን ገይሮም ንዝሓስቡ ዝነበሩ እውን ከይትረፈ፡ ምስቲ ሓቀይና መልሲ ንምርኻብ ሕቶታትና ናብተን ቃላት ከመስርቕ እዩ ዘለዎ።

ጐይታ ሎሚ ካብ ቀደም ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት‘ዚ ክርስቲያን ኩሎም እቲ ግላዊ ተስፋታትን መንፈሳውን ኣካላውን ፈውሲ ምጽንናዕን ድሕነትን ኣብ እግሪ ሕጻነ ኢየሱስን ኣብ እግሪ ቅድስቲ ስድራ ቤት ንኸንብርዎ ይጽውዕ።

ናይ ኣበ ነፍስ - ኣናዘዝቲ ጸዋዕታ፥ ምሕረት ምእዋጅ እዩ

ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ፍሉዩ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ እዋን - ይብሉ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ መልእኽቶም - ምስ ኢየሱስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ምርኻብ ዘዕስሎ ሓሴት ወሃብቲ ቃል ምዃን፡ ሓንቲ ነፍሲ እውን ነቲ ጸጋ መድሕናዊ ፍቕሪ ዕጹው ኮይና ከይትተርፍ ኣብ ናይ ኣናዘዚ ኣገልግሎት ቀናእተይና ምዃን የድሊ፡ እቲ ዝተረረ ልቢ እውን ከይተረፈ ንፍቕሪ ርህው ክኸውንን መድሕን ክፍለጥን መታን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረቱን ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ምጽንናዕን ዝኾነ ሓልዮቱ ናብ ኩሉ ንኽበጽሕ ናይ ምግባር ብቕዓት ክኸውን ይግብኦ”።

ምስጢረ ንስሓ ናይ ክፋእ ሓይሊ ይገትእ

ብግቡእ ናብቲ ምእንቲ ድሕንትና ብደም ኢየሱስ ናይ ምድሓንና ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ንኽንቀርብ መታን ብጀካ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምስጢረ ንስሓ ምቕባል የድሊ፡ ብምስጢረ ዕርቂ ኣቢልና ኣብ ናይ ንስሓ ጉዕዞ ንርከብን ኣብ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ንካፈል፡ ዝኾነ ሓጢኣት ብምስጢረ ንስሓ ምስ ተኣልየ ምጽኣተ መንግስቲ ኣምላኽ ይቀላጠፍን ናይ ክፋእ ሓይሊ ይዕግትን ኣብቲ ብክርስቶስ ዝተሰርሐ እንኰ ድሕነት ተሳተፍቲ ይገብር።

ኣገልገልቲ ምስጢረ ንስሓ ወትሩ ስንድዋትን ኣአንገድትን ይዅኑ

ናይ ሓዋርያዊ መንበረ ንስሓ ዓቢይ ኣናዛዚ ብጹዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ንዅሎም ኣናዘዝቲ ኣብዚ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ንሕጻን ኢየሱስ ዘቕርብዎ ገጸ በረኸት፥ ግዚኣም ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ከወፍዩን ነቶም ንምድሓኖም ጐይታ ገዛእ ርእሱ ንዘወፈየሎም ምእመናን ስንድዋትን ኣብ ምእንጋዶም ሓልዮትን ርህራሔን እግዚኣብሔር ምስትርኣይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ምኽንያቱ ናይ ምስጢረ ንስሓ ጸጋ፡ ወትሩ ልዕሊ ኩሉን፡ ክሳብ ልዕሊ ኣካላዊ ጣዕሚ እውን ስለ ዝኾነ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዛዚሞም።

08 December 2020, 13:33