ልዕሊ 50 ካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ቅልውላው ሶሪያን ዒራቕን ኣብ ምውጋድ ልዕሊ 50 ካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ቅልውላው ሶሪያን ዒራቕን ኣብ ምውጋድ 

ልዕሊ 50 ካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ቅልውላው ሶሪያን ዒራቕን ኣብ ምውጋድ

“ዓቢይ ይኹን ንኡስ ነፍሲ ወከፍ ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ልክዕ ሓደ ንምእንጋድ ክፉትን ኵሉ ብሰላም ዘዕርፈሉ - ዝድቅሰሉ ስፍራ ክረክብ ዝኽእለሉ ቅኑዕ ሕብረተ-ሰብ ንምሕናጽ ኣብ ዝግበር ዕዮ ቀዳማይ ሕጡብ እምኒ ከም ምንባር እዩ”

ሰብኣዊ ቅልውላውን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዓትን ምዝብልና ማሕበረ ክርስቲያንን ካብ ኣናስራዊ ከባቢኦምን ዝብሉን ካልኦት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣርእስታት ዘማእከለ ብጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ሶሪያን ዒራቕን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ሕዝብታት ዘሳቕይ ጸገማት ፈልዩ ዕለት 10 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቀትሪ ከምዝመኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዓቢይ ይኹን ንኡስ ነፍሲ ወከፍ ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ልክዕ ሓደ ንምእንጋድ ክፉትን ኵሉ ብሰላም ዘዕርፈሉ - ዝድቅሰሉ ስፍራ ክረክብ ዝኽእለሉ ቅኑዕ ሕብረተ-ሰብ ንምሕናጽ ኣብ ዝግበር ዕዮ ቀዳማይ ሕጡብ እምኒ ከም ምንባር እዩ”፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ሕዝብታት ጸገማት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መኽፈቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕ ብመጉልሒ መረብታዊ ውሕዘት ዕለት 10 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.  ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ምክያዱን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣስታት ሓምሳ ናይ ዝኾና ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘገልግላ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ኤቅለሳውያን ተቕዋማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ከምኡ እውን ናይ ከባቢያዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጲስ ቆጶሳት ልኡካንን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልኡካንን ዘሳተፈ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምዝኾኑን ብጽዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓፈሻዊ ቅልውላው ኣፍልጦ ብምሃብ እቲ ቅልውላው በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዘሎ ፖለቲካውን ካብኡ ንላዕሊ እውን መንግስታዊ መሰናኽላትን ዘይምርግጋእን ብተወሳኺ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ከምዘበለን፡ እዚ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ ዒራቕን ዮርዳኖስን ቱርክን ዝሳለጡ ዘለዎ መደባት ሓገዝ ኣበራቲዖም ብፍላይ ኣብ ሶሪያን ሊባኖስን ብርቱዕ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ። “ከም ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ሕዝብታት ብፍሉይ ዘተኵር ናይ ግብረ ሰናይ ጻዕርታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣካላት ዘድልዮም ሕንጸት ብዘይምርሳዕ፡ መንፈሳውን ሙያውን ጐድኑ ብዘይ ዝንግዕ ኣገባብ ክንሕድስ” ተላብዮም፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላውን ባርዕ ናይ በይሩት ወደብን ዘስዓቦ ከቢድ ቅልውላውን ኣብቲ ከባቢ ሕንጸት ኣባይቲ ትምህርቲ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣብቲ ከባቢ ናይ ክርስቲያን ህላዌ ክልተ ዓድታት ተባሂለን ዝግለጽ ምዃኑን ኣዘኻኺሮም ዘድልየን ሓገዝ ንምብርታዕ ብርቱዕ ጻዕሪ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካልእ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገዳስነቱ ዘመላኽት ተመዛበልትን ስደተይናታትን ናብ ዝመጽሉ ንኽምለሱ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ካብ ሕጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ስሩዕ መደብ ሕንጸትን ብዛዕባ እዚ ናብ ምምኽኻር ከምእተበጽሔ ከይዘከሩ ከምዘይሓለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣስዒቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ቱርክን ዮርዳኖስን ብፍሉይ ኣተኵይሮም ብሓፈሻኡ ህልው ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ዳህሲሶም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣይ ውጥረት ናይ ቀረባ እዋን “ብውዕሊ ኣብርሃም” እተሰምየ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ንናይቲ ከባቢ ምርግጋእ ዝድግፍ ብምዃኑ ገቢራዊ ክኸውን ተላብዮም፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ማሕበራት ወለንተይናታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብምትሕብባር ቅድስቲ መንበር ሰላም ኣብ ምድጋፍ እተካይዶ ጻዕሪ ናይ ወንጌል ማራኽነት ሓይሉ ብተግባር ትምስክር ከምዝበሉን ኣብዚ መዳይ ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዛናሪ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከም ኣብነት ከምዝጠቐሱን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምንጪ ጠቒሶም ኣብ ሶሪያ ዘሎ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ዘኪሮም፡ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ሓገዝ የድልዮም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ እውን ብወገኖም፡ ኣብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ኵነት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ጅምላዊ ስደትን ምዝብልና ዝወልድን ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ክንየው እቲ ቅልውላው ንገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ቁስሊ ከምዝኾነን፡ ብፍላይ መብዛሕቲኡ ንስደት ዝዳረግ መንእሰይ ወለዶ ብምዃኑ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ከባቢ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ዘትርፍ እዩ፡ ምእንቲ እዚ እቲ ቅልውላው ብገዛእ ርእሱ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕድል ብምልላይ ዳግም ሕልምታትኵም ሕነጹ ከምዝበሉን፡ ኣስዒቦም እውን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊ ፊሊፖ ግሪማልዲ እውን ብወገኖም ስደትን ስደተይናታትን ኣማእኪሎም መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ዓውደ ጉባኤ፥ “ናይ ካቶሊካውያን ማሕበር ረድኤት ግደን ካብ ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ሓገዝ ካብ ምቕራብ ናብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምብዕባለ ዘሰጋግር ባይታ ናብ ምንቕቓሕ” ዝብል ቅውም ሓሳብ ብዘማእከለ መደረ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ መዕጸዊ ዘረባ ዘስምዑ ጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ዝጸውዕ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣሎይሲዩስ ጆን እውን ብወገኖም፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ኣማእኪሎም መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ቱርክሶን፥ “ናይ ረድኤት ማሕበራት ድጋፍን ምስናይን ምክልኻልን ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ ንጹሓን፥ መብዛሕቲኡ እቲ ኣደዳ ዝኸውን ማሕበረ ክርስቲያን እዩ፡ ኵላውነት ረድኤት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ እዩ፡ ስለዚ ኣብቲ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ከይተሐጸራ ሰብኣዊ ክብሪን ክብሪ ሕይወትን ሚዛኑ ናብ ዝገበረ መጻኢ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዘሰንያ እያተን ከምዝበሉን ኣሎይሲዩስ ጆን እውን ብወገኖም፡ ናይ ብዙሓት ጸገማት ንምእላይ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቀባት ክለዓሉን ናይ ረድኤት ማሕበራት ኣካላት ናብቲ ሓገዝን ደገፍን ዘድልዮ ከባቢ ናይ ምእታው ዕድል ክረኽቡን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዕ’ዚ ብዙሓት ተሓሪጐም ኣልቦ ስራሕ ኮይኖም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀረብን ናብ ንቡር ህይወት ዘምልስ መደባትን ምዕባለን ተጣሚሮም ክኸዱ ከምዘለዎምን ልምዓት ንዅሉን ናይ ኵሉን ኣብ ኵሉን ክኸውንን፡ ናይ እውነተይና ምዕባለ ሚዛን ድኻታት ምዃኖም ከይርሻዕ ተላብየው ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

11 December 2020, 22:33