“ምእንታና ተወልደ፥ በዓለ ልደት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”፥ ቤት ማሕተም ቫቲካን

“ምእንታና ተወልደ፥ በዓለ ልደት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ እዋን በዓለ ልደት ዘእዝግዚእነ ዘሰንየና መንፈሳዊ ፍካሬ ዝሓዘ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካንን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ

ቤት ማሕተም ቫቲካን ብምኽንያት በዓለ ልደት ካብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርታት ዝወተስዱ ጥቕስታት ዝተነብሮ ንእሽተይ ናይ ጽባቔ መጽሓፍ ንንባብ ከምዘቕረበን እዚ ብናይ በዓለ ልደት መግለጺ ኣሳእል ዝተሰነየ እቲ ብፍቕሪ ሓደ ከማና ኮይኑ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ዝመጸ እግዚኣብሔር ንኸነስተንትን ዝድግፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍና ብሉጽ ናይ ጽባቔ ስራሕ ክኸውንን ኣብ ዕለታዊ ርክባትና ሓልዮት ንኽንከውን ኣባና እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ፡ ስለዚህ ናይ ነፍሲ ወከፍና ቀንድን ሓቀይናን ዕማም ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንትንከፍን ንኣኡ ምእዙዛት ኮይንና ንኽንርከብ ስንድዋት ምዃን ዝብል እዩ። ናይ መንፈሳዊ መምሃራንን ኣበውን እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ልኡም ኮይንካ ምርኻብ ዘጐልብት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መንፈሳዊ ፍካሬ ምዕቃብ መሰረት ምዃኑ ይምህሩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እነስተንትኖ ሓደ መንፈሳዊ ፍካሬ

ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘሰንየካን እተስተንትኖን ሓደ መንፈሳዊ ፍካሬ ምዕቓብ ዝብል ጥንታዊ መንፈሳዊ ለበዋ ንኽንነብሮ መታን፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ግዜ ኪደትን ኩነታትን ናይ ገዛእ ርእሱ ስርዓትን ፍሉይነቱን ኣብ ምንባሩ ንኽንድገፍ፡ ካብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተወስዱ ጥቕስታት ዝሓዘ መንፈሳዊ መጋበርያ የቕርበልና ኣሎ። ግዜ ዝቐርጽ ሊጡርጊያ፥ ህላዌ ጐይታን ኣባናን ኣብቶም እግዚኣብሔር ኣብ ጐድንና ምስ ዘንብሮም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሱታፌ ንኽንነብሮ ይድግፈና፡ ሊጡርጊያ ህላዌ ጐይታ ኣብ ዕለትዊ ሕይወት ንምንባር ዝድግፍ እዩ።

ካብ ዕለት 25 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 6 ጥሪ ዘሰንዩ ሓጸርቲ ሓረጋትን ቅብኣዊ ናይ ልደት ኣሳእልን

“ምእንታና ተወልደ፥ በዓለ ልደት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ እዋን በዓለ ልደት ዘእዝግዚእነ ዘሰንየና መንፈሳዊ ፍካሬ ዝሓዘ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካንን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ ንሽተይ እቲ ዘደንቕን ትሑትን ክግመት ዘይከኣል ናይ ጐይታ ፍቕሪ ዘዘንትው፥ ካብ ልደት ዕለት 25 ታሕሳስ ክሳብ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ዝበዓል ጥምቀት ዘእግዚእነ ዘሎ ግዜን ኩነት ዘዘንትው፡ ብኣባ ሳልቫዶር ኣግጉይለራ ዝተመርጹ ብዛዕባ ኢየሱስን ማርያንም ቅዱስ ዮሴፍን ሰብኣ ሰገልን ጓሶትን ዝዛረብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተወስዱ ጥቕስታት ዝተነብሮን ብፍላሚኒያ ኤነኣ ዝተመርጹ ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ዝርከቡ ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ስእላዊ መግለጽታት ዝነበሮ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እታ “ምእንታና ተወልደ” ዘርእስታ ንእሽተይ መጽሓፍ ብትኽክል ናይቲ ብዘይትጽበዮ መገዲ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ንኣና ኣብ ምግላጹ ዘሎ ዘደንቕ ኣብ ምእንታና ተወልደ ዘሎ ጽባቔ ፍቕሪ ወለደ እግዚኣብሔር ዘዘንትው፡ ንሕና ብውልቅን ብሓብርን ምስኡን ምስ ኣቡኡን ሓደ መታን ክንከውን ንሱ ሓደ ከማና ኮነ ዘብርህ ንእሽተይ መጽሓፍ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

22 December 2020, 15:25