በዓልም መዚ ሓልዮ ሓበሬታ ቁጠባ ቫቲካን ተቖጻጻርን ሓበሬታን በዓል መዚ ኮይኑ በዓልም መዚ ሓልዮ ሓበሬታ ቁጠባ ቫቲካን ተቖጻጻርን ሓበሬታን በዓል መዚ ኮይኑ 

በዓልም መዚ ሓልዮ ሓበሬታ ቁጠባ ቫቲካን ተቖጻጻርን ሓበሬታን በዓል መዚ ኮይኑ

ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተመክሮታትን ትግባሬን ተተሓሒዙ ሕጊ ተወሲዅን ናይ ሕጊ ባህርይ ዘለዎም ጉዳያት ዘእንግድን ዝምልከትን ናይ ተቖጻጻርን ናይ ሕጊ ጉዳያት ዘአንግድ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጡ ቆይሙ እዩ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ናይ ሕጊ ተርጓሚን ፈጻምን ተቖጻጻሪ ኣካል ሓላፍነት ዝተፈላለየ ክኸውን

ናይ ቫቲካን ናይ ቁጠባ ሓበሬታ በዓል መዚ ናብ ተቖጻጻርን ሓበሬታን በዓል መዚ ውዳቤ ተቐይሩን ናይቲ በዓል መዚ ኣቦ መንበርን ክፍሊ ምሕደራን ዘለዎም ምሓላፍነት ዘነጽር ሓድሽ ናይቲ በዓል መዚ ናይ ውሽጢ ናይ መመሓደሪ ሕጊ ወግዓዊ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓበሬታ በዓል መዚ ዝመሓደረሉ ናይ ውሽጢ ሓድሽ ሕጊ ብኢዶም ብዝጽሓፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣጽዲቖም፡ ተቖጻጻርን ሓበሬታን በዓል መዚ ብዝብል ቅርጺ ክሕደስ ከምዝገበሩን ናይዚ በዓል መዚ ኣቦ መንበር ካርመሎ ባርባጋሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ በዓል መዚ ሓድሽ ናይ ውሽጢ መመሓደሪ  ሕጊ እውን ብሓፈሻዊ  መብሪሂ ከምዝሃቡሉን፥

ባርባጋሎ፥ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ገንዘብ ሃብትን ቁጠባን ምንቅስቓስ ዝቖጻጸር ሜላ ምዕባለታቱ ከምቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም.  ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ዘቕብሉ እዋን ዝተኸወኑ ዕርያ ሓቢርኩም ነርኩም፡ እቲ ዝተውሃቦ ሓድሽ ስያሜ ዘጠቓልሎ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ ትብሉ፡ ናይዚ ዕርያ’ዚ ትርጉሙ እንታይ እዩ?

እቲ ናይቲ በዓል መዚ ዝመሓደረሉ ውሽጣዊ ሕጊ ብሓፈሻኡ ዝተገበረሉ ዕርያ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ጉዳይ ኤኮኖምን ቁጠባን ብዘተኣታተውዎ ናይ ሕዳሴ ማዕቅን ዝረአይ እዩ፡ ካብቲ ዕርያ እቲ ሓደ ዓቢይ ቢልካ ክትገልጾ ዝከኣል ንምሕደራ እቲ በዓል መዚ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፥ እቲ  በዓል መዚ ናይ ሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ  ሓድሽ ስሙ ተቖጻጻሪ ዝብል ዝተወሰኾ ስም ኣብ ሓላፍነቱ እውን ዕርያ ከምእተገብረ ዘመላኽት እዩ።

እቲ በዓል መዚ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ንምሕጻብ ዝግበር ወይ ውን ኣሰር ገበነይናነቱ ንምኽዋል ኣብ ሕጋዊ መዳይ ንምፍሳስ ዝግበር ጻዕርን ዝውውር ዘይሕጋዊ ሓብቲ ገንዘብ ዝቆጻጸርንን ነሸበርቲ ዝውዕል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣጥቢቑ ዝከታተል ዝቖጻጸርን እዩ፡ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣብዚ መዳይ ዝዓይን ጥብቂ ምቁጽጻር ዘካይድ እውን እዩ፡ ተቖጻጻሪ ዝብል ተወሳኺ ሓላፍነቱ ኣብ መዳይ ቁጠባን ምስ ቁጠባን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እውን የብርሁ።

ብዛዕባ እቲ ዕርያ ምሕደራ ዝምልከት ጉዳይ እንታይ ክትሕብሩና ትኽእሉ?

ኣብቲ ሓድሽ ናይቲ በዓል መዚ መምሓዳሪ ሕጊ፥ ናይቲ በዓል መዚ ቤት ምኽሪ ምሕደራ ግደ ዘረጋግጽን ናይዚ በዓል መዚ ኣቦ መንበርን እቲ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ዝኽተሎ ሜላ ዘለዎ ግደ እውን ብኣጽንዖት የመላኽት፡ ኣብ ምቁጽጻር እውን ዘለዎ ልዑል ሓላፍነት የበራትዕ፡ ብተወሳኺ እውን ናይቲ በዓል መዚ ቤተ ምሕደራ ግደኡ ዘጽንዕ እዩ፡ ናይቲ በዓል መዚ ውሽጣዊ ውዳቤ ዝዓረየ ምዃኑ የመላኽቱ።

ናይቲ በዓል መዚ ውሽጣዊ ውዳቤ ዕርያ እንታይ ይመስል?

ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተመክሮታትን ትግባሬን ተተሓሒዙ ሕጊ ተወሲዅን ናይ ሕጊ ባህርይ ዘለዎም ጉዳያት ዘእንግድን ዝምልከትን ናይ ተቖጻጻርን ናይ ሕጊ ጉዳያት ዘአንግድ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጡ ቆይሙ እዩ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ናይ ሕጊ ተርጓሚን ፈጻምን ተቖጻጻሪ ኣካል ሓላፍነት ዝተፈላለየ ክኸውን ተገይሩን እዚ ኸኣ ብሓጺሩ ናይቲ በዓል መዚ ስልጣን ኣብ ሰለስተ ኣሃዱ ዝተመዳደበ እዩ፥ ተቖጻጻሪ ኣካልን ናይ መምርሒ ስርዓትን ሕግን ኣካል ከምኡ እውን ናይ ቁጠባ ሓበሬታ ኣካል ዝብል ውዳበ ምዃኑ የብርሁ።

ካልእ እቲ ሕዳሴ ከምዘመልክቶ ብዛዕባ ሰራሕተይናታትን ምቑጽጻር ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ እቲ ናይ ሓበሬታን ተቖጻጻርን ቁጠባ በዓልም መዚ ብመሰረቱ ናይ ኩሪያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕልዎት ኣባይት ጽሕፈት ሕጋግ መሰረት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስራሕ ዕድል ዝወሃቦም ዓለማውያን ምእምናን ገለልተይና ብዝኾነ መዛኒ ኣካል ዝርአይን ውሳኔ ዝወሃቦን ክኸውን ዝብል እዩ፡ ናይዚ ውሳኔ እዚ ምኽንያት እንታይ እዩ?

እቲ ናይቲ ናይ ቁጠባ ሓበሬታን ተቖጻጻርን በዓል መዝን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ዘለዎ ናይ ምሕደራ መምርሕታት ብምስምማዕ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንስራሕ ዝምደቡን ናይ ስራሕ ዕድል ዝወሃቦምን ሰራሕተይናታት ናይ ምቁጻር ውሳኔ ሃውርን ገባርን ሓዳግን ዘይብሉ መታን ክኸውን፡ እቲ ናይ ቁጠባ ሓበሬታን ተቕዕጻጻርን በዓል መዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ተጽእኖ ናጻ ብዝኾነ ኣገባብ ውሳኔ ክህብን ሰራሕተይና ኣብ ምቑጻር ዝወሃብ ውሳኔ ናይ ምጽራይ ስልጣን ዘለዎ ምዃኑ የብርሁ።

07 December 2020, 12:24