ዩርኮቪች፥ ብዘይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘተ ክህሉ ኣይኽእልን ዩርኮቪች፥ ብዘይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘተ ክህሉ ኣይኽእልን 

ዩርኮቪች፥ ብዘይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘተ ክህሉ ኣይኽእልን

ሕውነት መሰረታዊ እዩ፡ ስለዚህ ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ግጭት ብዝብል መዓርፎ ክንበብ ወይ ክርአይ ከምዘይብሉ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ሎሚ ከኣ በታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብኣጽንዖት ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ሕውነት ከም ዘይጭበጥን ከም ረቒቅ መጸናንዕን ዘይኮነ ከም ጭቡጥን ውጽኢታውን መምዘኒ ንናይ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን እተቕርብ ዓዋዲት መልእኽቲ እያ

ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማናኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘርእስታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ዝተሳተፉ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ፍትሕን ሰብኣዊ ክብረትን ሰላምን ብጥልቂ ዘጣምር “ሕውነት ንጭቡጥን ውጽኢታውን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን” መምዘኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፥ ኣብ ጂዳ “ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ከም ናይ ሰላምን ሕውነትን መጋበርያ” ብዝብል ኣርእስስቲ ዝተሓተመ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ርክብ፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ዓውደ ርክብ ዘዳለዉን ነታ መጽሓፍ ንኽትሕተምን ንንባብ ንምብቃዕን ዘተኻየደ ዓውደ ርክብ ዘሰናደዉ ኣመስጊኖም፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ውስጠ ባህልታትንን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንሕውነት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን መጋበርያ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እታ መጽሓፍ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሸኽ ሙሃማድ ቢን ኣብዱልካሪም ኣል-ዒሳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብን ስዒቡ እውን ብጹዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምብጻሕን ተመሳሳሊ መደባት ንቕድሚት ክብል ዝድርኽን ሰብኣዊ ሕውነታውን ፍትሕን፥ ዘተ ከም ናይ ሰላም መጋበርያ ዝብሉ ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ዝትንትን እውን ምዃኑ የመላኽት።

ሕድ ሕዳዊ ሕውነት ግጭትን ዓመጽን ይኣልይ

ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበርን ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰላም መንበረ ጥበብ እታ መጽሓፍ ንምሕታምን ኣብቲ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ንኽሳተፉን ዝተዓደሙ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ እቲ ታሪኻዊ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልታትን ዘቀራርብ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ሓውን ሓብትን ምቕባል ዝብል ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነት መሰረታዊ እዩ፡ ስለዚህ ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ግጭት ብዝብል መዓርፎ ክንበብ ወይ ክርአይ ከምዘይብሉ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ሎሚ ከኣ በታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብኣጽንዖት ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ሕውነት ከም ዘይጭበጥን ከም ረቒቅ መጸናንዕን ዘይኮነ ከም ጭቡጥን ውጽኢታውን መምዘኒ ንናይ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን እተቕርብ ዓዋዲት መልእኽቲ እያ፡ ስለዚህ ከም ኣሕዋት ምቅብባልን ኣፍልጦ ምውህሃብን ግጭትንን ምስሕሓባትን ይኣልይ፡ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና፥ ስለዚህ ብመሰልን ክብርን ዜግነትን ማዕረ፡ ሰላም ብዘይ ምሉእ ፍትሒ ዝብጻሕ ኣይኮነን፡ ፍትሒ ክዕወት እንከሎ ሰላም ይነግስ፡ ፍትሒ ክንቀፍ እንከሎ ከኣ ሰላም ንሓደጋ ይቃላዕ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍትሒ ክብረትን ሰላምን

ኵላትና ሓደ ዓይነት ዝኾነ ሰብኣውነት ኢና እንካፈል፡ ስለዚህ ብክብረትን መሰልን ማዕረ ኢና፡ ፍትሒ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብርን መሰልን ክኽበር ይሓትት፥ እዚ ንናይ ሓባር ዘተ መሰረት እውን እዩ፡ . . . ናይ ሰብኣዊ ሰላምን ክብረትን ብዘይ ምኽባር ዝካየድ ዘተ ባዶን ኣልቦ ውጽኢትን እዩ፡ ናይ ሰብኣዊ መስለን ክብረትን ክኽበር እንከሎ ሰብኣዊ ፍጥረት ብናጽነት ናጻ ብዝኾነት ሕልናኡ ኣብ ድልያ ሓቂ ይጽመድ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ብጹዕነቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምክእኣልን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ዝተፈላዩ እያቶም፡ ምክእኣል ኣብ ሕድ ሕዳዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምኽባር ክምስረት እንከሎ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላም ውሕስ ንምግባር ቀዳማይ ጽፍሒ እዩ፡ . . . ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ የመላኽት።

ኣገዳስነት ግደ ናይ ኵሎም ኣመንቲ

ምቅብባልን ምክእኣልን ኣብ ልዕሊ ካልእነት ካብ ዘሎና ጥልቂ ምስትውዓል ዝነቅል እዩ፥ እዚ ክኡል ዝኸውን ከኣ ብዘተ እዩ፡ ብዘይ ዘተ መናድቕ ቅድመ ፍርድን ምጥርጣርን ዘይምርድዳእን ምውጋድ ዝከኣል ኣይኮነን፡ . . . ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መቕድም እዩ፡ ናይ ዘተ ጻማ ከኣ ሓድነት ኣብ መንጐ ሕዝብን ሓድነት ሰብኣዊ ፍጥረት ምስቲ ምንጭን ገላጺ ናጽነትን ፍቕርን ቅንዕናን ናብዚ መፍነስ እዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ዝመርሕ እግዚኣብሔርን እዩ፡ . . .  ኵሉ ኣስላማይ ይዅን ክርስቲያን ኵሎም ዝተፈላለዩ ኣመንቲ ንናይ ሰላምን ምርኻብን ስልጣነ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ብሰፊሕ ኣብሪሆም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 November 2020, 20:42