ጋላገር፥ ሃይማኖታት ምኽባር ናይ ሕውነት ሓደ ዓንዲ እዩ ጋላገር፥ ሃይማኖታት ምኽባር ናይ ሕውነት ሓደ ዓንዲ እዩ 

ጋላገር፥ ሃይማኖታት ምኽባር ናይ ሕውነት ሓደ ዓንዲ እዩ

ጋላገር፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ህብረ ኣገባባት፥ ካብ ኣኽረርቲ ጸንፈይናታትን ዝፍጸምዎ ጨካን ግብረ መጥቃዕትን ክሳብ ዝርጋሐ ሕዝበይናነት “ብዙሕ እዋን ብብሄርተይናነትን ነቶም መጻእተይናታት ከም ካልእነቶም ዘይኮነ ከም ጸላእትን ስግኣትን ገይሩ ዝስእል”

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ በቢ ዓመቱ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ኵነታቱ ዝድህስስ፡ ብሓጺሩ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ጉዳይ ጥዕና ኣማእኪሉ ዝዝትይ ዓውደ ኣኼባ መሰረት፡ ኣብቲ ናይ 2020 ዓ.ም. ኣብዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘጋጥም ዘሎ ምጽባብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብፍሉይ ኣብ ዝተመልከተ “ምናባዊ 2020 ዓ.ም. ሚኒስተራዊ ንናይ ሃይማኖት ናጽነት ስጓመ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘት ዕለት 16 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከምእተሳተፉን ዘረባ እውን ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ክትዕ ዘእትዉ ኣስጋእቲ ኵነታት ክሕብር እፈቱ” እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰፊሕ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ብፍሲ ወከፍ ሃገር ነዚ ለብዒ እዚ ንምድራት ዝወስድ ስጉምትን ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ኣብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም ከምዘሎን ሃይማኖታትን ኣብቲ ነቲ ተላባዒ ሕማም ንምድራት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓቢይ ግደ ዘለወን ከምዝኾናን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ምስ እዚ ሙያዊ ኣገልግሎት ብምትሕሓዝ እውን ግብረ ገባውን መንፈሳውን ድጋፍ ብምቕራብ ምትሕብባርን ተስፋን ብምንቕቓሕ ዝህብኦ ዘለዋ ኣገልግሎት በርገሳዊ ስልጣናት ኣፍልጦ ክህብሉ ይግባእ” ቢሎም እቲ ለብዒ ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን ሕንጸትን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣመንቲ ማሕበረሰብ መሃዝነትን እዚ ኸኣ ብፍላይ ብመንጽር ካቶሊክውነት፡ ምዃኑ እዘኻኺሮም፥ “ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ኣገዳሲ ኣገልግሎት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክንየው ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣተኮሮኦም ኣንቢሮም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ህብረ ኣገባባት፥ ካብ ኣኽረርቲ ጸንፈይናታትን ዝፍጸምዎ ጨካን ግብረ መጥቃዕትን ክሳብ ዝርጋሐ ሕዝበይናነት “ብዙሕ እዋን ብብሄርተይናነትን ነቶም መጻእተይናታት ከም ካልእነቶም ዘይኮነ ከም ጸላእትን ስግኣትን ገይሩ ዝስእል” ብዝተፈላለየ ህልዮኣዊ መግዛእቲ ዝግለጽ ዘርዚሮም ከምዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫኣካን ኣስዒቡ፥

“ክንየው ደረትቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምንቕቓሕን ምክልኻልን ማዕረ ማዕረ ከምዝኸዱን፥ እዚ ኸኣ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መንፈሳውን ግብረ ገባውን ማዕቅናቱ ኣተኵሮ ምሃብ ማለት ከምዝኾነን፥ ምድራውያን ጥራሕ ስለ ዘይኮንና፡ ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ምክብባርን መታን ክህሉን ውሑስ ክኽውንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ውስጠ ባህልታትን ናይ ሓባር ዘተን ምትብባዕ የድሊ” ቢሎም “መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብረትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሳጣዊ ማዕቅንን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ካብ ምጥዋይን ምቁጽጻርን ናጻ ክኸውን ኣለዎ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕ እዩ ቅኑዕን እውነተይናን ዘተ ኣብ ህብረ ሕብረተሰብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ዝገብር ማሕበራዊ ሕውነትን ምሕዝነትን ክሕነጽ ዝከኣል፡ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

“ከም ክርስቲያን - ይብሉ - እቲ እንሓቶ ኣብቲ ውሁዳን ኣብ ዝኾንናሉ ከባቢታት ዓለምን ሃገራትን ከምቲ ኣንሕና ናይቶም ዘይክርስቲያን ዝኾኑ ኣብ ዓለምን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝርከቡን መሰሎምን ክብሮም ክሕልወሎም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበረሎምን እነቕርቦ ድጋፍ ብልክዕ ክኽበር መታን እዩ፥ እዚ ብናይ ካልኦት ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ዝግለጽን ኣስተፍሶን እንትዝኸውን ክንደይ ሰናይ ምኾነ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

19 November 2020, 16:57