ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. 

ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ.፥ ሕዳሴ ድሮ ኣብ ትግባሬ እዩ

ቀጻሊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ንምክያድ እቲ ጉባኤ ወሲኑ ንህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ግምት ብምሃብ እውን ብማሕበራዊ መረብት ዝካየድ ንኽኸውን ከምዝወሰነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጉጅለ ስድስቱ ብጹዓን ካርዲናላትን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ዓውደ ኣኼባ በገባብ ማሕበራዊ መረብት ዕለት 13 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ከምዘበገሰን፥ ቅዱስነቶም ዕርያ - ሕዳሴ ድሮ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን ክውን ክበሃል ይከኣል ከምዝበሉን ነዚ ኸኣ ከም ኣብነት ኣብ መዳይ ምሕደራን ኤኮኖሚን ጉዳያት” ጠቒሶም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ’ኳ ብማሕበራዊ መረብት ይኹን ዳግም  ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ብሓባር፥ ጉጅለ ስድስቱ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ዕለት 13 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደንገገ ሕያዋይ ጓሳ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝትክእ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘማእከለ ምይይጥ ከምዘካየደን እቲ ሓርፋ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ንቕዱስነቶም ከምዝቐረበን ዝተፈላለዩ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን እውን ነቲ ሓርፋፍ ሰነድ ብጥልቂ የንብብዎ ከምዘለዉን፡ ብፍላይ እቲ ናይ ዕለት 13 ጥቅምቲ ዓውደ ኣኼባ እቲ ሓዋርያዊ ቅዋም ብወግዒ ምስ ጸደቐ ብኸመይ ክትግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉጅለ መማክርት ስድስቱ ብጹዓን ካርዲናላት ከምእተመያየጠሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኮይኖም ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ መሪሖም ከምእተሳተፉን፥ “እቲ ሕዳሴ - ዕርያ ድሮ ክውን ክበሃል ይከኣል ከም ኣብነት ኣብ መዳይ ምሕደራን ኤኮኖምን” ዘሎ ኪደት ጠቒሶም ከም ዘመላኸቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብማሕበራዊ መረብት ርክብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ብጹዕ ካርዲናል ራይሃርት ማርክስን ብጹዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይን ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ካብተን ኣብ ዝርከቡለን ሃገራትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይቲ ጉባኤ መማክርት ብጹዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ካብ ሃገረ ቫቲካን ብመላግቦ መረብት ከምእተሳተፉን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቀጻሊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ንምክያድ እቲ ጉባኤ ወሲኑ ንህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ግምት ብምሃብ እውን ብማሕበራዊ መረብት ዝካየድ ንኽኸውን ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ዓውደ ኣኼባ ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ.
14 October 2020, 15:13