ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ  

ኣቡነ ሰመራሮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም

ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ነቶም ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኮይኖን ንዝገልግሉ ዝነበሩ ዕለት 24 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ሕቶ ኣቕሪቦምን ብይኹንታ ር.ሊ.ጳ. ንዝተሰናበቱ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩ ንኽትክኡ

ተወላዲ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ክሳብ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ጳጳስን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ዋና ጸሓፍን ክይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብጹዕ ኣቡነ ሰመራሮ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ነቶም ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኮይኖን ንዝገልግሉ ዝነበሩ ዕለት 24 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ሕቶ ኣቕሪቦምን ብይኹንታ ር.ሊ.ጳ. ንዝተሰናበቱ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩ ንኽትክኡ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር  ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ 73 ዓመት ዝዕድመኦምን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፑሊያ ከተማ ለቸ ዝተወልዱን ኣብ 1971 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 1998 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ኦሪያ ጳጳስ ዝተሰምዩ ምንባሮም ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2004 ዓ.ም. ናይ ኣልባኖ ጳጳስን ንኽኾኑ ከምእተቐየሩን፡ ኣብ ፑሊያ ጳጳዊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተሓንጹን ኣብ ሮማ ግዳመ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብ ፑሊያ ጳጳሳዊ ተቛም ቲዮሎጊያ፡ ናይ ስነ ሃምነናዊ ቲዮሎጊያ መምህርን ቀጺሎም እውን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤቅለሲያ መምህር ኮይኖም ዘገልገሉ ዝተፈላለየ ናይ ቲዮሎጊያን ጥበባውያን መጻሕፍት ዝደረሱ ከምዝኾኑ የዘኻኽር።

16 October 2020, 15:05