“Centesimus Annus - ምእተ ዓመት” ማሕበር “Centesimus Annus - ምእተ ዓመት” ማሕበር 

ፓሮሊን፥ ፖለቲካን ኤኮኖምን ንምምስራቕ ሕንጸት ኣብ “ምክንኻን”

ነቲ ‘ኵላዊ - ማሓድሮ’ ዝብል ኣምር ኵለንተናውነት ሕይወት ብዝብል ብዙሕ ገጽ ዘለዎ ፖለቲካ ብሉጽ ክኸውንን ሓበርን ኪደት ድልያን ምዕባለ ናይ መምዘኒ ማዕቅናት ኣስተንፍሶ ዝገብር ንምዕባለን ዕብየትን ዝወሃቦ ጌጋ ርድኢት ዝነጽግ ራእይ ዘለዎ፡ ክንየው ከባብያዊነት ዝብል ምዃኑ

ብምኽንያት እታ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ኣብ 1891 ዓ.ም. “Rerum Novarum – ሓደስቲ ነገራት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ዛዕባ ማሕበራዊ ሕቶ መረግጺኣ ብግልጺ ዘነጸረትሉ ዓዋዲት መልእክቲ ንዝኽሪ መበል 100 እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “Centesimus Annus - ምእተ ዓመት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ መጸውዕ ስሙ ገይሩ ዝቖመ ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ማሕበር “ናይ ኵለንተናዊ ማሓድሮ ንሰብኣዊ ኤኮኖሚ ሓባሪ ምዕራፍ”  ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ናይታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዉም ሓሳብ ምስታ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝኾነት “ኩላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ትሕዝቶ ኣወሃሂዶም፥ ዝተሓደ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ስራሕ ምዕሩይ ክብሩን መሰረታዊ ግደ ሕንጸት ኣብ ተሓባባርነትን- ሓላይነትን ዝተማእከለ ኣገባብ ምዕባለን ብልጽግናን ዳግም ክሕነጽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ንትግባሬኣ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዓመት ጸሎትን ኣስተንትኖን ዓውደ ጉባኤታትን ክካየድ ብድላዮም ከምዘነቓቕሑን ክዝከር እንከሎ እቲ ማሕበር ሚእተ ዓመት ደጋፊ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ክልተ ምዕራፍ ዝካየድ ዕለት 23 ጥቅምቲ “ናይ ምሕደራን ስነ ቁጠባን ኣገባብ”ን ዕለት 30 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሕንጸትን ታዕሊምን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሑ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከምዘዳለወን፡ ክልቲኡ ምዕራፍ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ - ኮቪድ 19 ግምት ብምሃብ ብማሕበራዊ ውሕዘት ዝተሰነየ ከምዝኸውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምእተበገሰ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ መልእኽቶም ኣብ መንጐ ዓዋዲያን መልእኽቲ ይሴባሕን ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታን ዘለሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ወይ ውን ዘጣምሮም ሓሳብ ብዝርዝር ከምዘብርሁ ኣፍሊጡ።

ለብዕን ናይ ሓሶት ውሕስነትናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈናን ምሕረቱ ንኸውርደልናን ጸሎትን ምህለላን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ፈጺሞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “እዚ እዋን ፈተና’ዚ ከም ናይ ውሳኔ ህሞት” ክንጥቀመሉ ከምእተላበዉን፡ ኣብታ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ “እቲ ለብዒ ነቲ ናይ ሓሶት ውሕስነትና ከምዘቃለዖን ኣብ ቅድሚ እዚ ሓሶት እዚ ኣቖመናን” ዝበለዎ ሓሳብ ብጹዕ ክርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ እዋኑ እታ መርከብ ናብ ጐይታን ናብ ኣሕዋትን ኣቕኒዓ ብመንፈስ ምትሕብባር ኵላትና ኣካል እዛ ዓለም ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ኣስተውዕሎ ኣቕኒዓ እትጓዓዘሉ እዋን እዩ፡ እዚ ስሒትናዮ ዝነበርና ጉዕዞ እነበግሰሉ እዋን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ማእከላውነት ሰብኣዊ ፍጥረትን ናይ ክንክን ባህሊ ምንቕቓሕን

ብጹዕነቶም ምልስ ቢሎም ነቲ ‘ኵላዊ - ማሓድሮ’ ዝብል ኣምር ኵለንተናውነት ሕይወት ብዝብል ብዙሕ ገጽ ዘለዎ ፖለቲካ ብሉጽ ክኸውንን ሓበርን ኪደት ድልያን ምዕባለ ናይ መምዘኒ ማዕቅናት ኣስተንፍሶ ዝገብር ንምዕባለን ዕብየትን ዝወሃቦ ጌጋ ርድኢት ዝነጽግ ራእይ ዘለዎ፡ ክንየው ከባብያዊነት ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ማእከልነት ሰብኣውነትን ነቲ ጓሓፋይን ከም ውዳቕ ዝሓስብን ባህሊ ዝጻረር ተኸናኻኒ ባህሊ ምንቕቓሕ ከምዘድልን፥ እዚ ንሕይወትን ንናይ ተፈጥሮ ጸጋታት መቓርቦ ኣትከሬኣዊ ነጥቢ እዩ።

ምንጻግን ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝግለጽ፥ ንኣብነት እቲ ኣብ መንጐ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ተራኻብነት ዝብል ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክሳብ መጻኢ ወለዶ ዝሰፍሕ ምትሕብባር ዝጠቓልል ኣገዳሲ ረቛሒ መንነት ሰብኣውነት ዝውክል ናይ ስራሕ መሰልን ክብርን ግቡእን፡ ሰራሕተይናታት ብምንካይ ይገሃስ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ ኣተሓሒዞም እውን ማሕበራዊ ስነ ምግባር ሚዛን ሓይሊ ወይ መደገፍታ ብምግባር ነቲ ግጉይ ጉዕዞ ምቕያር የድሊ፡ እዚ ኸኣ እቲ ፖለቲካን እደ ጥበብን ንዘቕርብዎ መፍትሕታት ዘሰንይ ባይታ ክኸውን ኣለዎ፡ በዚ ዓይነት ሕንጸትን ረባሕታን ኣቢልካ ንመላእ ሕዝቢ’ዛ መሬት ዝብል ብፍላይ ንድኻታትን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ንምድጋፍ ፖለቲካ ኮነ ኤኮኖሚ ናብ ሰብኣውን ዘላቕን እውነተይናን ኵለንተናዊ ምዕባለ ንኸመስርቕ ይከኣል ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሰብ ትካላት፥ ተግባራት ሓሳርን ድኽነትን ናብ ዘላቕቕ ኪደት ክምስረቕ

ብዛዕባ ትርጉም ኤኮኖምን ሸቶኡን ሓድሽን ጥልቅን ኣስተንትኖ ኽግበረሉ ንምድጋፍ ከምኡ እውን ናይ ልምዓት ኣርኣያ ብዕምቆትን ብርሑቕ ኣማቲ ኣተሓሳባ ብዘለዎ ኣገባብ ምእራምን ጉድለታቱን ዝተመዛበለ ነገራቱን ኩሉ ንምትኽኻል ግብረ ገባዊ ልልያ የድሊ፡ ኣዚ ኸኣ ሰብኣዊ ዝኾነ ኤኮኖሚ ንምቛም መሰረት ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡ ኣብዚ እዋን`ዚ እቲ ኣብ ዓለም ዝንቀሳቐስ ጓሓፋይ ባህሊ ዘተባብዕን ካብ ጓሓፋይ ባህሊ ዝነቕል ናይ ኤኮኖምን ምህርትን ኣርኣያ ኣህላኽነት ዝብል እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ብጹዕነቶም ሰብ ትካላት ተግባራቶም ብፍላይ ዝተፈላለየ ዕድላት ብምፍጣር ሓሳርን ድኽነትን ናብ ዘላቕቒ ኪደት ንኸመስርቑ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር መሃዝነትን ብልሓትን

ኤኮኖሚ መሰረቱ ስራሕ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ዘዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም - ኣብ ሓደ ዝማዕበለ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሕይወት መሰረታዊ ማዕቅን እዩ፡ ምኽንያቱ ዕለታዊ እንጌራ ዝረኽበሉ መገዲ ጥራሕ ዘይኮነ ንውልቃዊ ምዕባለን ጥዑይ ርካባት ንምምስራትን ገዛእ ርእስኻ ንምግላጽን ትዕድልቶታት ንምክፋልን ዓለም ዝበለጸ ኣብ ናይ ምግባር ኪደት ሓላፍነት፡ ናይ ሓባር ሓላፍነት ንኽስምዖን ኣብ መወዳእታ ከም ሕዝቢ ንምጥርናፍ። ናይ ስራሕ ዕድል ካብ ምንካይ ክብ ምባል ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ ብጹዕነቶም - እቲ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ናይ ስእነት ስራሕ ክስተት ኣፍልጦ ብምሃብ ነዚ ጉዳይ እዚ ብመሃዝነትን ብልሓትን ብቑዕ መልሲ ክረክብ ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ለኻዊ - ኵላውነት ምትሕብባር

ናይ ኵሎም ሕዝብታት ተሓባባሪ ልምዓትን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ክብ ንምባልን ናብዚ ንኸመስርቕን ናይ ዓለም ስርዓተ ሓጋግንፖለቲካን ኤኮኖምን ከምዘድልይ ብጹዕነቶም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም ተላብዮም፡ ብዝተቓደወን ዝተጣምረን ህርኵት ጻዕሪ ሰገር ሃገር ሓቆፍን - ብሔራዊ ሓቆፍን ንዝኾኑ ጸገማት - ብስም መላእን ኣብ መንጐ ትውልዲ ማሕበራውነትን ስም ስሉጡን ብቑዕን መልሲ ንምሃብ ዝከኣል እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 October 2020, 11:29