ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ 2016 ዓ.ም. ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ 2016 ዓ.ም. 

“ዘለናዮ ዘመን”፥ ንናይ ክርስትና ኣይሁድን ናይ ሓባር ርክብ ዓቢይ ናይ ውሳኔ ሰነድ

ቅድም ክብል ብምኽንያት 55 እቲ ሰነድ ኣብ ብራዚል ዞባ ሳን ፓውሎ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብፍሉይ ናይ ሓባር መደብ ክዝከር ብመደብ ተታሒዙ ከምዝነበረን፡ እዚ መደብ እዚ ኸአ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምቲ ዝተሓስቦ ክካየድ ብዘይ ምግባሩ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብሃይማኖት ኣይሁድን ብናይ ሓባር መግለጺ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ

ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ Nostra aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ምኽንያት ናይ ቫቲካን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝካየድ ርክብ ዝከታተል ድርገት ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣይሁድ ኣይማኖት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ርክብ ዝከታተል ድርገትን ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘውጽኡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 28 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Nostra aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ሰነድ ከምዝጸደቐን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 55 ዓመት እዚ ሰነድ’ዚ ናይ ቫቲካን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝካየድ ርክብ ዝከታተል ድርገትን ዓለም ሓቆፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ርክብ ዝከታተል ሽማግለን ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘውጽኡን፥ ኣብቲ መግለጺ እውን፡ እቲ ሰነድ ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ከምዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድም ክብል ብምኽንያት 55 እቲ ሰነድ ኣብ ብራዚል ዞባ ሳን ፓውሎ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብፍሉይ ናይ ሓባር መደብ ክዝከር ብመደብ ተታሒዙ ከምዝነበረን፡ እዚ መደብ እዚ ኸአ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምቲ ዝተሓስቦ ክካየድ ብዘይ ምግባሩ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብሃይማኖት ኣይሁድን ብናይ ሓባር መግለጺ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ኣፍሊጡ።

ኮኽ፥ እቲ ሰነድ ንናይ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ናይ ሓባር ዘተ ዓንዲ እዩ

“እቲ  ሰነድ - ዓቢይ ቅዋም (ናይ ምስክር ጽሑፍ) ንናይ ኣይሁድን ካቶሊክን ናይ ሓባር ዘተ” ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ነዚ ዘረጋገጹ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ኣይሁድን ካቶሊክን ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብጹዕነቶም ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ መግለጺ ሰነድ ኣስዒቦም፥ “ድሕሪ እቶም ንኣይሁዳውያን ንክርስቲያን ቦኽሪ ኣሕዋት እንክብሉ ዝገለጹዎም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16፥ ከምቶም ኣቦታትና ኣብ እምነት ሎሚ ንሕና ኣብ መንጐ ኣይሁድን ክርስቲያንን ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ማሕበረሰብ ቢልና ክንዛረብ ንኽእል” ከምዝበሉ ዘኪሮም፡ ነዚ ስዒቡ፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ብምስታፍ ኣብ ዝተበገሰ ኪደት ብዙሕ ውጽኢት ከምእተዓተረ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ኣተሓሒዞም፥ “ሓድ ሕዳዊ ጥልቂ ምርድዳእ ወትሩ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ናይ ነፍሲ ወክፍ ሃይማኖታዊ ባህሊ ብምኽባር ዝካየድ ጉዕዞ ክቕጽል” ዝብል ሓሳብ ከምዘመላኸቱ ዜና  ቫቲካን ኣፍሊጡ`

ሮቢን ማራንስ፥ ነቲ ፍራንቸስኮ ዘካይድዎ ህርኵት ጻዕሪ ጸረ ሴማውነት ነመስግን

ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣይሁድ እምነት ቤት ምኽሪ ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝሓልይ ሽማግለ ኣቦ መንበር ራባይ ኖኣም ማራንስ እውን፥ “ኣብዚ እዋን’ዚ ጸረ ሴማውነት ዳግም ዝምለስ ኣብ ዝመስለሉን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ጭቡጥ ምፍርራሕ ኣብ ዝመሓላለፈሉን ዘለሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከይተሓለሉ ብኣጽንዖትን ብሓይልን እዚ ሕብረሰብ ዘሳቕይ እከይ ተግባር ዝዅንን ንዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ምኽንያት ነመስግን፡ ካብ ብዙሓት እውን ዝግለጽ ቅርበትን ድጋፍን ከምዘሎ ጠቒሶም ኣመስጊኖም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም ዝንፈጎምን ንኣሳዶን ኣድልዎን ንዝተቓልዑ ቅርበትና ንገልጽ፡ ጉደና ዘተ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንምሕዝነትን ቡራኬ እዩ፥  ሰብኣዊ ፍጥረት ብኣርኣያን ኣማሳልን መለኮት ዝተፈጥረ እዩ፡ ስለዚህ ድማ ጽሕፍቶና ዝተጣመረን ተማራዃስን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ዘለናዮ ዘመን”፥ ንናይ ክርስትና ኣይሁድን ናይ ሓባር ርክብ ዓቢይ ናይ ውሳኔ ሰነድ
30 October 2020, 16:23