ናይ ሰላም ኖበል ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ ናይ ሰላም ኖበል ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ 

ኣረላኖ፥ ናይ ሰላም ኖበል ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ሓልዮ

“ስእነት መግብን ሰላምን ዝተኣሳሰሩ ንዃኖም ዝምስክርን፡ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ክብ ምባል ዘይኮነ ሓገዝን ምትሕብባርን ክብ ክብልን ክሰፍሕን ኣለዎ ዝብል እዩ’ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝበልዎ

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ንናይ ሕርሻ ምዕባለን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ ኣረላኖ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መረሓ ግብሪ ውድብ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ኮይኑ ምሕራዩ ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ስእነት መግብን ሰላምን ዝተጣመሩ እያቶም”፡ ልክዕ ከምቶም ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ንምውጋድ ካብ ጣቋ መደረ ናብ ተግባር ምስግጋር የድሊ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ስቶኮልም ዝርከብ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ሓራዪ ሽማግለ፡ ናይ 2020 ዓ.ም. ነቲ ስልማት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ብቑዕ እንክብል ክሓርዮ እንከሎ፥ “ስእነት መግብን ሰላምን ዝተኣሳሰሩ ንዃኖም ዝምስክርን፡ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ክብ ምባል ዘይኮነ ሓገዝን ምትሕብባርን ክብ ክብልን ክሰፍሕን ኣለዎ ዝብል እዩ’ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝበልዎ እዩ ዝበሉ ኣብተን ሰለስተ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓለም ሓቆፍ ውድባት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኪካ ኣረላኖ ኣስዒቦም፥ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ምውጋድ ዝብል ዝሓንጸጾ መደብ ምሉእ ብምሉእ ተፈጻሚ ክኸውን ተስፋ ዝተነብረሉ እውን እንተኾነ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ እዩ ዝተርፈና ዘሎ፡ ብሓቂ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዓመታት ርኢኻ ካብቲ ሸቶ ኣዚና ዝረሓቕና ምዃንና ተስተውዕል እዚ ኸኣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዓለም ይምስክሮ ኢሎም።

እቲ ናይ ሰላም ኖበል ስልማት፥ ኣብ ጸረ ስእነት መግቢ ቃልሲ ንቕድሚት ንኽስጎም ዘተባብዕ እዩ

ብርግጽ እቲ ስልማት ኣብ ጸረ ስእነት መግብን ጥምየትን ኣብ ዝግበር ዘሎ ህርኩት ጻዕሪ ንቕድሚ ምባል ከምዘድልን ኣብዚ ኪደት`ዚ ምስጓም ንሰላም ወሳኒ ምዃኑ ንምትብባዕን እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድብ ዘካይዶ ጸሎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝህብን እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን፥ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዓለም ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዓመጽን ንግድን ኣጽዋር ውግእን ክብ ይብል ከምዘሎ፥ እቲ ክሰፍሕን ክብ ክብል ዘለዎን ሓገዝን ምትሕብባርን ጸረ ጥምየትን ስእነት መግብን ዝግበር ቃልሲ እዩ፡ ቢሎም ስእነት መግብን ጥምየትን ከም ናይ ውግእ ኣጽዋር ገርካ ምጥቓም ይረአይን ብዝሒ ኣደዳ ዝኾኑ እውን ክብ ይብሎ ኣሎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ርሑቕ ዝኣመተ እዩ፡ ነጽዋር ውግእ ዘይኮነ ንሰላም እዩ ሃብቲ ገንዘብ ክፈስስ ዘለዎ፡ ሓገዝን ድጋፍን ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ዝሓልፎ ናይ ኣፈጻጽማ ዕዮ ካብቲ ኣጽዋር ውግእ ንምዕዳግን ንምቕራብ ዝግበር ኪደት ዝሓቶ መምዘኒ ኣዚዩ ከቢድ እዩ፡ ረድኤት ካብ ምቕራብ ውግእ ኣጽዋር ምቕራብን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ዝቐለለ ኮይኑ ኣሎ፡ እቲ ናይ መግቢ መረሓ ግብሪ ውድብ ኣብ ዓለም መሰረታዊ ዕዮ ብምዃኑ ብዙሓት ተበዓት ሰራሕተይናታት የድልይዎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ብስእነት ሰላምን ብስእነት መግብን ዝሳቐዩ ብዝሒ እናጐደለን ናብ ዘሮ ክበጽሕ መታን መገዲ ዘርህዉን ዘራኽብ ድልድል ዝሓንጹን ተቕዋማትን ኣካላትን የድልዩ ኢሎም።

እቲ ዓለማዊ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ዝሓርይ ሽማግለ ምስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣተሓሳስባን ርእየትን ቅድው እዩ፡ ቅድም ክብል ምስታ “ይሴባህ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ደሓር እውን “ኩላትና ኣሕዋት” ምስ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቶም ዝተነጸሉን ድኻታትን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ቀዳማነት ዝህብ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሜላ የድሊ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ

ዝተናዕቁን ድኻታትን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀዳምነት ዝብል ዓለም ንምሕናጽ ኢጐነትን ስስዔን ብምውጋድን ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ዝገብር ኪደት ፖለቲካን ኤኮኖምን ወሳኒ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ኣብ ዓለም ንዝረአይ ተህዋስ ኢጐነትን ዘይተገዳስነትን ንምብዳህ ኩሉ ክሰምርን ኣብ ህርኩት ጻዕሪ ክነጥፍ ይምዕዱ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድን ምዕባለ ድኻታት ሃገራት ንምርግጋጽ ክከኣል እቲ ንውግእ ኣጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ነዚ ቅዱስ ዕላማ እዚ ዘውዕል ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር ክቐውም ይላበዉ

ሃግራት እቲ ነጽዋር ውግእ ዝሰልዐኦ ሃብቲ ገንዘበን ጥምየትን ስእነት መግብን ንምውጋድን ምዕባለ ድኻታት ሃገራት ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ መደገፊ ክውዕል ንዝብል ዕላማ ከውዕለኦን እዚ ዕላማ እዚ ዘነቓቕሕን ዝድግፍን ዝፍጽምን ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ውድብ ምቛም ከምዘድልን ኣገዳስነቱ እውን ሕጹጽ እዩ፡ እዚ እጦቢያ ኣይኮነን፡ . . .  እቲ ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዘላቒ ምዕባለ ዝብል ክሳብ 2030 ዓ.ም. ንኽረጋገጽ ዝሓንጸጾ መደብ ካብ ዘመላኽቶ ሓደ ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ምውጋድ ዝብል እዩ፥ ኣብ ቅድመና 10 ዓመት ጥራሕ እዩ ዝተርፈና ዘሎ ስለዚህ ካብ ጣቋ መደረ ናብ ግብሪ ምባል የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 October 2020, 14:08