ኣብ ቻይና ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ልደት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ልደት 2018 ዓ.ም. 

ናይ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ግዚያዊ ክሌኣዊ ስምምዕ ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ተሓዲሱ

“ቅድስቲ መንበር ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓለፋን ምስ ናይ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና መንግስቲ ንዘተ ቦታ ንምሃብ ክትላበው ምስጢር ኣይኮነን፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ዝሓለፈ ዘይምርድዳእ ተሰጊሩ፡ ብሓባር ምእንቲ ህዝቢ ቻይናን ሰላም ኣብ ዓለምን ብሓባር ምዕያይ ዝከኣል ይኸውን

ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ቅድሚ ክልት ዓመት ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ግዚያዊ ስምምዕ “ብኽልቴኣተን ሃገራት ብዝተገብረ ሰናይ ርክባትን ምትሕብባርን ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ንኽሕደስ ከምዝበቕዔ” ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዝሓበረን፡ እዚ ሓበሬታ’ዚ ብሰፊሑ እቲ ኣብቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስት መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ንንባብ ከምዝበቐዐ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ጳጳሳት ኣብ ምስያም ዝምልከት ናይ ስምምዕ ሓሳብ ዘማእከለ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዝተኸተመ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዳግም ንዝቕጽል ክልተ ዓመት ከምእተሓደሰን፥ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሙከራ ዘሎ ናይ ስምምዕ ሰነድ ትግባሬኡ ብክልቲኤን ሃገራት ላዕለዎት ተዛተይቲ ኣካላት ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ምስ ተገበረሉ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ - ኮቪድ 19 ልኡኻት ብምጉዓዓዝ ብኣካል ተራኺብካ ዝፍጸም ክኸው ዝነበሮ እውን እንተኾነ ብዝተወሃበ ቃል ውሕስነት መሰረት ክሳብ 22 መስከረም 2022 ዓ.ም. ቀጻሊ ክኸውን ብናይ ሓባር ስምምዕ ዳግም ከምእተሓደሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ናይ ግዚያዊ ስምምዕ ሰነድ መሰረታዊ ዕላማ ዛዕባ ሲመት ጳጳሳት ዝምልከት ኮይኑ እዚ ኸኣ ኣብ ቻይና ስብከተ ወንጌል ንምድጋፍን ንምንቕቓሕን ኣብታ ሃገር ናይ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ውህደት ዳግም ንምቛም ዝብል ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ስለዚህ ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ንኽትዝትይን ነዚ ስዒቡ እውን ናብዚ ናይ ስምምዕ ጉዕዞ ንኸተብል ዝደረኻ ምኽንያት ኤቅለሲያውን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾኣውን ባህርይ ዘለዎ እዩ። ስያመ ጳጳስ ንቤተ ክርስቲያን እዚዩ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ብዞባዊ ይኹን ብኵላውነት ጽፍሒ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ህላዌ መሰረታዊ እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት ጉዳይ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃምነናዊ ቅዋሜኡ፥ “ኢየሱስ ዘለዓለማዊ ጓሳ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቖመን ከምቲ ንሱ ካብ ኣብኡ ዝተላእኮ ንሱ እውን ንሓዋርያቱ ለኣኾም” (ዮሓ። 20.21 ረኣ)፡ ተኸተልቶም ማለት ጳጳሳት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ፍጻሜ ጓሶት ክኾኑ ደለየ፡ ደሓር ከምኡ እውን እቲ ኤጲስ ቆጶስ ሓደ ዘይገማማዕ ክኸውንን ንጴጥሮስ እውን ኣብ ቅድመኦም ኣቐመጦን ኣብኡ ድማ ዘላቕን ዘይገማማዕን ናይ እምነት ሓድነትን ሱታፌን መትከልን መሰረትን ኣጽነዔ” (ብርሃነ ኣሕዛብ፥ 18 ረኣ)።

እዚ መሰረታዊ ትምህርቲ እዚ ኣብ ጉባኤ ኤጲስ ቆጶሳትን ጳጳሳት ኣብ ምስያምን ንር.ሊ.ጳ. ዝምልከት ፍሉይ ሓላፍነት፡ ነቲ ስምምዕ ኣስተንፍሶን እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ምስናዱ መሰረታዊ መወከሲ ከምዝኾነን፡ ሎሚ ድሕሪ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ጳጳሳት ቻይናውያን ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ሱታፌ ዘለዎም እያቶም፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ብምዃኑ ከኣ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ቻይና ዘይሕጋውን ዘይቅብሉን ስሜተ ጳጳሳት ኣክህልውን እዩ።

ይዅን ደኣ እምበር እቲ ስምምዕ ገና ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ዘተሓሳስባን መፍትሒ ዘይረኸቡ ክፉታት ሕቶታትን ኩነታትን ከምዘለዉ ምዝካር የድሊ፡ እቲ ዛዕባ ስሜተ ጳጳሳት ዝምልከት ጉዳይ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ዕለታዊ ሕይወት ውሑስ ንምግባር ወሳንን ዕሽሽ ዘይበሃልን መሰረታውን እዩ። ኣብ ቻይና ኮነ ኣብ መላእ ዓለምን። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ኣብ ሄናን (ቻይና) ብጋሴ ተልእኾ ወንጌል ብማሕበር ጳጳሳዊ ናይ ወጻኢ ተልእኾ ወንጌል፡ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና፥ ኣብ መንጐ ሕሉፍን ህልውን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ምስ ቻይና ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ገለ ገለ ሕቶታት ክለዓልን ዘይምርድዳእን ክፍጥርን ተራእዩ እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ነቲ ስምምዕ ብጌጋ ካብ ምርዳእን ናይቲ ስምምዕ መሰረት ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ኣብ ቻይና ንዝምልከት ጉዳይ ወጻእተይና ወይ ከኣ ነቲ ስምምዕ ንድሕሪት ንምምላስን ወይ ውን ምስቲ ስምምዕ ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሉ ካልእ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘንቀሎ እዩ። ምስቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን። ኣስዒቦም እውን እቲ ስምምዕ ናይ ጳጳሳት ሲያመ ዝምልከት እዩ፡ ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ዝምልከት ብዙሕ ጸገም ኣሎ እዚ ፍሉጥ እውን እንተኾነ እምበር እቲ ስምምዕ ነዚ ዅሉ ጸገም ብሓባር ክምልከቶ ዘይከኣል እዩ፡ ከምዝበሉ ይዝከር።

እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ እምበኣር እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ናይ ዘካየደኦ ጉዖዞ መባጼሕ እውን እንተኾነ፡ ብፍላይ ሰፊሕን ዓሚይቕን ንርሑቕ ንዝኣመተ ናይ ሓባር ስምምዕ መበገሲ እዩ። እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ናይ  ሙከራ ባህርይ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ብኽልቲኡ ወገን ብናይ ሓባር ስምምዕ ዝተዓቀበን ናይ ክፉትን ሓናጽን ዘተ ውጽኢት እዩ። እዚ ናይ ዘታይነት ዝምባለ ኸኣ ብምክብባርን ብምሕዝነትን ዝጐልበተን ቅዱስ ኣቦና ብጽንዓት ዝደለይዎን ዘነቓቕሕዎን እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ማህሰይቲ ዘስዓበ ጸገም ዘስተውዕልዎ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘተ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘበገስዎን ድላይ መሰረት ቀጻልነቱ ውሑስ ገይሮምዎን እነሆ እቲ ተበቲኹ ዝነበረ ሱታፌ ብጹዓን ጳጳሳት ዳግም ክምለስ ገይሮምን ድሮ እቲ ንናይ ሓባር ስምምዕ ዝሰናደው ዝነበረ ሓርፋፍ ሰነድ ኣብ ሰዓቱ በነዲክቶስ መበል 16 ይኹንታ ሂቦምሉ ዝነበረ እውን እዩ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ሰነድ።

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዘሎ እዋናዊ ናይ ዘተ ኪደት ናይ ርሑቕ ኣናሳር ዘለዎን ናይቲ ኣብ ርሑቕ ዘመናት ናይ ዝተበገሰ ዘተ መቐጸልታ እዩ። ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ይብሉ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንኣብነት በነዲክቶስ መበል 16 “ዘይምቅዳውን ዘይምርድዳእን ንናይ ቻይና መንግስቲ ኮነ ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣየርብሕን”  ዝብል ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ቅድስቲ መንበር ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓለፋን ምስ ናይ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና መንግስቲ ንዘተ ቦታ ንምሃብ ክትላበው ምስጢር ኣይኮነን፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ዝሓለፈ ዘይምርድዳእ ተሰጊሩ፡ ብሓባር ምእንቲ ህዝቢ ቻይናን ሰላም ኣብ ዓለምን ብሓባር ምዕያይ ዝከኣል ይኸውን (መልእክቲ በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ ቻይና ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ውፉያንን ምእመናንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና፣ ፍቕዲ 4.) እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝክሩ።

ገለ ገለ ውሑዳት ናይ ፖለቲካ ወገን፡ እቲ ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ብቐንዱ ብመሰረት ናይ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ፖለቲካ ክትንትንዎ ይፍትኑ፡ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንቅድስቲ መንበር ብኽልተ መርሖ መሰረት ጥልቂ ዝኾነ  ምስቲ ክልተ ግልጺ ዝኾነ  “Ubi Petrus, ibi Ecclesia - ጴጥሮስ ኣብ ዘለሉ ኣብኡ ቤተ ክርስቲያን (ቅዱስ ኣብሮዚዩስ) ዝብል ሓሳብ ዝሰማማዕ ናይ ስነ ኤቅለሲያዊ ሕቶ እዮ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዝካየድ ዘተ ናይ መላእ ዓለም ማሕበረሰብ ናይ ሓባር ጸጋ ተጠቓሚ ዝገብርን ንዝበለጸ ውጽኢት ዘተባብዕ ምዃኑ ምሉእ ምስትውዓል ከምዘሎ የብርሁ።

በዚ ንጹር ኣተሓሳስባን ርድኢትን’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹእ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ናይ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ኣማኻሪ መንግስትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ዋንግ ዪ ዝሓለፈ ዕለት 14 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሞናኮ ዘባቪየራ (ረፓብሊካዊት ፈደራላዊት ጀርመን) ኣብ መበል 56 ስንዳአ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ደሕንነትን ጸጥታን ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን፡ ኣብ ወሰን እቲ ዓውደ ጉባኤ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱን ቅድም ክብል እውን ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ጉባኤ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ተራኺቦም እውን ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ክልተ ሳዕ ዝተኻየደ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት፡ ንዓለም ሓቆፍ ሰላምን ጸጥታን ደሕንነትን ዝብጅው ንብዝሓ ጉድናውነት ተግባር ዝኣመተ ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ እውን ይኹን ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ድጋፍ ንምትብባዕ ምዃኑ ይሕበር።

ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከምዘፍለጦ እውን፡ እቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ (ቅድስቲ መንበርን ቻይናን) ብኺደት ናይቲ እናማዕበለ ዝመጸ ርክብ ውጽኢት እዩ። ኣብቲ ርክብ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህይወትን ንናይ ሕዝቢ ቻይና ረብሓን ንምድጋፍ ዝሓቀነ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ክቕጽል ዝብል ድላይ ዝሓደሰ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዓለም ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምንቕቓሕ ዝዓለም ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ንምንቕቓሕ ዝላበው እውን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ናይ ሓባር ዘተን ዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ዓቢይ ግምት ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክንያዱ ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ዝዝኾር ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ግዚያዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዛዕባ ሲመት ጳጳሳት ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ዝተወሃቦ ክሌኣዊ ይዅንታ ብኣጽንዖት ዘኪሮም፡ እዚ ስምምዕ’ዚ  ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተመክሮ መሰረት ገይሩ ክሕደስን ብዝለዓለ ደረጃ ፍርያም ክኸውን ዘለዎም ድላይ እውን ካብቲ ክሌኣዊ ርክብ ለበዋ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ክሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስምምዕ ዘርከቦ ውጽኢት ብቐዳምነት፡ ናይ ክልተ ካህናት ሲመተ ጵጵስና (ናይ ሰበኻ ጂኒንግ ጳጳስት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ያኦ ሹንን ናይ ሰበኻ ሃንዞንግ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ስተፋኖ ክሱ ሆንጕወይን) ንምጥቓስ ይከኣል፡ ተተሓሒዙ እውን ስዒቦም ዝስመዩ ካልኦት እውን ክህልዉ ምዃኖምን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ድሮ ብዙሕ ንቕድሚት ዝሰጎመን ገና ሓድሽ ዝተጀመረን ምይይጥ ይካየድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ካልእ እወንታዊ ውጽኢት ንኽዕትር ተስፋ ዝተነብረሉ ሰናይ ተበግሶ እዩ። ካብ ቁሩብ ኣዋርሕ መላእ ዓለም ሕይወትን ንጥፈታትን ዳርጋ ኩሉ ናይ ማሕበራውን ውልቃውን ሕይወት ዝጸልው ተኸሲቱ ብዘሎ ለብዒ ምኽንያት ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኵነት ምዝንጋዕ ኣይከኣልን፡ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቻይናን መንግስቲ መደበይና ርክብን እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድን ተፈጻሚ ኣብ ምዃኑ ጽልዋ ዘለዎ ህልው ኩነት እዩ።

ናይቲ ስምምዕ ትግባረ ስሉጥን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣዚዩ ንቑሕን ውጽኢታውን እናኾነ ዝዓብይ ዘሎ ናይ ቻይና ኤጲስ ቆጶሳት ተሳትፎ ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕይወንት ኣብ ቻይናን በዚ ምኽንያት ከኣ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኤቅለሲያዊ ኪደት እዩ። ኣብዚ ማዕቅፍ እዚ እቲ ንነዊሕ እዋን ተገማሚዑ ዝነበረ ናይ ቻይና ውሉደ ምእመን ኣብ ቻይና ንዝተሓደሰን ስሉጥን ዝኾነ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምኽዋን ክበቅዕ ናይ ዕርቅን ምትሕብባርን ሓድነትን ኣብ ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ዕላማ ይስራዕ። ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቻይናን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ንእውነተይና መንፈስ ፍቕሪ ሕውነት፡ ነቲ ዘይምርድዳእ ክስገር ዝኽእልን ነፍሲ ወከፍ ንእምነቱን ብቅኑዕ ገርሀይና ፍቕርን ምስክርነት ንኽነብሮ ዘኽእሎ ናይ ጭቡጥ ወስታ ጻዕሪ ብፍሉይ ሓደራ ይብሉ፣  ናይ ዓቢይ ስቓይ ምኽንያት ዝኾነ ኵነት ሕጂ እውን ከምዘሎ ብሓቂ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ ብጥልቂ እተስተውዕሎ ሓቂ እዩ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ናይ ቻይና መንግስቲ ፍርያም ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንምንባር ዝድግፍ ዕድል ሓላፈ ክብል ኣተኵሮኡ ንምምራኽ ኣይትጐድልን። እቲ ጉዕዞ ሕጂ እውን ነዊሕን ብዘይ ጸገም ከኣ ኣይኮነን።

ቅድስቲ መንበር፥ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያኑ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ዝመርሕን ናይ ታሪኽ ጐይታን ኣብ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሸሻን ኣማላድነታን ምሉእ እምነት ኣንቢራ፡ እቲ ርክብን ዘተን ምስ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና እቲ ቀዳማይ ናይ ግዚያዊ ስምምዕ ጻማ ሲመት ጳጳሳት ዝምልከትን ናይቶም ንናይ ሓባር ረብሓ ዝምልከቱን ኣብ ናይ ቻይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ገና መፍትሒ ዘይረኸቡ ሕቶታት መፍትሒ ንኽርከበሎምን ኣብዚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝተፈላለዩ ውጥረታት ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም፡ ሰላም ንምርግጋጽ ኣስተዋጽኦ ንዘበርክቱ ጳጳሳት ዝምልከት ዝተበጽሔ ስምምዕን ሎሚ (ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም) ኣብቲ ዝተሓደሰን ምልኵት ምዃኑ ብምዝኽኻር እዚ ተኣፋፍን ኣዚዩ ኣገዳስን ዝኾነ ጉዕዞ ናይ ኵሎም ካቶሊካውያን ልባዊ ድጋፍን ጸሎትን ሓደራ ትብል።     

23 October 2020, 12:13