ዝክረ ኩሎሙ ሙታን ዝክረ ኩሎሙ ሙታን 

ስሬተ ሓጢኣት ንዝሞቱ ዝርከበሉ ሥርዓት ንመላእ ወርሒ ሕዳር ክዝርጋሕ ተኣዊጁ!

ሓዋርያዊ መንበረ ንስሓ ቅድስት መንበር በቲ ንኩሉ ዓለም ኣጨኒቁ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ንምክእኽኻብ ምስ ሓደጋ መልከፍቲ ዘዳርግ ዘሎናዮ ኩነታት እቲ ብልማድ ኣብ ዕለተ ኩሎም ሙታን ንሙታን ስሬተ ሓጢኣት ንምርካብ ብባሕቲ ሕዳርን ዕለት ክልተን ኣብ ዝኽሪ ኩሎም ቅዱሳንን ኩሎም ሙታንን ዝግበር ዝነበረ ልማዳዊ ጸሎታትን ንስሓን ቅዳሴታትን ኣብተን ዝተጠቅሳ ዕለታት ብሓባር ክግበር ስለዘይከኣል ንሙሉእ ወርሒ ሕዳር ነቲ ዝድለ ርሕቀትን ብሕትውናን ብምሕላው ንክግበር ኣዊጁ። ናይዚ ክፍሊ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕያቸንዛ ነዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት እንክገልጹ ብዙሓት ጓሶት ነፍሳት ጳጳሳትን ምእመናንን ብዝተሓተትዎ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ብመሠረቱ ትርጉም ስሬተ ሓጢኣት ንምብራህ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.1471 ፍሬ ምሥጢረ ንስሓ ምዃኑ ብምግላጽ ትርጉሙ ‘ስሬት-ኃጢኣት ኪበሃል ከሎ፤ ንዝተማሕረ ኃጢኣት ስIቡ ኪመጽእ ዝነበሮ ግዜያዊ (ምድራዊ) መቕጻዕቲ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምዝተሰረዘ ዜመልክት እዩ። እዚ ማለት ከኣ፤ ሠራዒት ድኅነት ዝኾነት ቤተክርስትያን፤ ንናይ ክርስቶስን ቅዱሳኑን መዝገበ-ካሕሣ ክትዕድልን ከተደላድልን ብዝተዋህባ ሥልጣን መሠረት፤ ንዝመደበቶ ፍሉጥ ተግባራትን ኵነታትን፤ ብዚግባእ ዝፈጸመ ክርስትያን-ምእመን ዚረኽቦ ዕድል እዩ’ እንክብል ይገልጽ እሞ ነዚ ጸጋዚ ንሕያዋን ጥራይ ዘይኮነ ብሱታፌ ቅዱሳን ነቶም ድሮ ኣብ ንየዋይ ዓለም ዝሓለፋ ነፍሳት ንሶም ንኣና ንሕና ከኣ ስለኦም እናጸለናን እናተጋደልናን ክንረኽቦ ከም እንኽእል ኣብ ዝቅጽል ቊጽሪ ‘በዚ መደብ ሱታፌ ቅዱሳን፤ “ኣብ መንጎ’ቶም ድሮ ኣብ ሰማያዊ ቤቶም ዚርከቡ ምእመናንን፤ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ቦታ-ንስሓ ኮይኖም ዛጊት ካሕሣ ኃጢኣቶም ዚፍጽሙ ዘለዉን፣ ጋና ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ኣብ ንግደት ዘለዉን ኵሎም፤ ነባር ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ማእሰር ኣሎ። ኣብ መንጎኦም ድማ፣ ናይ ኵሉ ሠናያት ኣዝዩ ዝዓዘዘ ምልውዋጥን ምርድዳእን ኣሎ’ ይብል።

በዚ ዓምደ እምነት መሠረት ከኣ ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ኩሎም ምውታን ነዚ ጸጋ እዚ ንምርካብ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት ሾመንተ ተወሲኑ ንዝነበረ ንመላእ ወርሒ ሕዳር ከምዝተናውሐ ሓዋርያዊ መንበር ንስሓ ቅድስት መንበር ብዙሓት ኣቡናት ብዘሎናዮ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ንዘቅረብዎ ልመና ከምዝመለሰ ገሊጹ።

ንዝነበረ ልማድ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዝገለጹ ሓላፊ ሓዋርያዊ መንበር ንስሓ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንሳ ‘ብልማድ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት ሾመንተ ሕዳር ኣብ መቃብራቶም ብምብጻሕ ስለ ሙታን ጸሎት ምዕራግን ብዕለት ክልተ ሕዳር ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ወይውን መካነ ንግደት ቤተጸሎት ብምኻድ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ጸሎተ ሃይማኖትን ብምድጋም ምሉእ ስሬተ ሓጢኣት ከምዝርከብ ልማድ ነበረ። እንተኾነ ሎምዘመን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝተፈላለዩ ሰብስልጣናት መንግሥትን ምምሕዳራትን ምትእኽኻብ ዝኽልክል ኣዋጃት ይውሕዝ ኣሎ። በዚ ዝተሻቀሉ ናይ ብዙሓት ሃገራት ፕረሲደንታት ረኪበ ጳጳሳት እንታይ ንግበር ኢሎም ሕቶ ኣቅሪቦም። ከመይ ብልማድ ኣብዘን ዝተጠቅሳ ዕለታት ኣብ ኩለን ቊምስናታት ዝለዓለ ኑዛዜን ሱታፌ ቅዱስ ቊርባንን ዝምዝገበለን ስለዝኾነ እንታይ ንግበር ኢሎም ሓቲቶም። ኣብ ብዙሕ ቊምስናታት ቅዳሴ ስለሙታንካ ምዕራግ ኣብ መቃብራት ፍቊራትካ ከድካ ምጽላይ ልሙአድ ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ሾመንተ ዕለታት ጥራይ ተድሪቱ ንዝነበረ ናብ ምሉእ ወርሒ ክንዝርግሖ ተገዲድና። በዚ ከኣ ነቲ ዝተዋህበ መምርሒ ብምሕላው ኩሉ ሰብ ርሕቀቱን ግዜኡን ሓልዩ ነዚ ስርዓት እዢ ክፍጽም ይኽእል እንክብሉ ነቲ ምሉእ ስሬተ ሓጢኣት ንምርካብ ቀደም ቤተክርስትያን ዝኣወጀቶ ማለት ኣብ ዕለት ክልተ ሕዳር ጥራይ ተወሲኑ ዝነበረ ምብጻሕ መቃብር ኣብ ዝኾነ ዕለት ወርሒ ሕዳር ከምኡ እውን ናብ ቤተክርስትያን ከድካ ዝግበር ጸሎት ኣብ ዝኾነ ዕለት ወርሒ ሕዳር ክኸውን ወሲና እንክብሉ ገሊጾም።

ንብፁዕነቶም ዝቀረበት ካልእ ሕቶ ብዛዕባ እቶም ክንቀሳቀሱ ዘይክእሉ ሕሙማት ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዳርጋ በይኖም ተሪፎም ዘለው ከመይ ክገብሩ ይኽእሉ ትብል ነበረት። ብፁዕነቶም እንክምልሱ ‘እንተስ ብሕማም እንተስ ብእርጋን ካብ ገዛ ክወጹ ዘይክእሉ ሰባት ኣብ ዘለውዎ ገዛ ስእሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ ናይ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቀሚጦም ነቲ ዘድሊ ጸሎት ክገብሩ ምናዳ ኸኣ ጸሎት ሰዓታት ማለት ዘነግህ ዘሰርክ ብዝግባእ በዚ ሓሳብ እዚ ጸልዮም ጸሎተ መቊጸርያን መለኮታዊ ምሕረትን ካልእ ልሙድ ጸሎትን ስለሙታን ኣቅሪቦም ከምኡ እውን ንባባት ቅዳሴ ናይ ዕለቱ ብምንባብን ምስትንታንን ካልእ ስለ ሙታን ናይ ምሕረት ስራሕ ብምዝውታርን ነቲ ዝሓለፈ ዓመት እዚ መንበር እዚ ዘውጽኦ ኣዋጅ ብዛዕባ ንስሓን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ብምክትታል ተሳተፍቲ ናይዚ ስሬተ ሓጢኣት ክኾኑ ይኽእሉ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም ንኩሎም ካህናት እውን ዝምልከት ሓደራ ከምዘሎ እዚ ከኣ ብዝተኻእሎም ነዚ ካብ 1915 ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ኣዋጅ ዝጀመረ ስለ ኩሎም ሙታን ምቅዳስን በዓል ኩሎም ቅዱሳን ብምኽባር ነቶም ማንም ዘይዝክሮም ቅዱሳን ንምዝካርን ዝቆማ ክልተ በዓላት ማለት በዓል ኩሎም ሙታንን በዓል ኩሎም ቅዱሳንን ዝተኣሳሰሩ በዓላት ኰይኖም ካብ መዝገብ ስሬተ ሓጢኣት ቤተክርስትያን ንምስታፍ ካህናት እውን ግቡኦም ኣብ ምፍጻምስ ይኹን ኣብ ቅድስና ሕይወቶም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝጽውዑ ኣመልኪቶም ግዜ ብዘምጸኦ ጸገም ቅዳሴ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝሳተፉ ሕሙማትስ ይኹን ስንኩላን ንኡድ እኳ እንተኾነ ነቲ ብኣካል እትሳተፎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ግን ክትክእ ስለዘይክእል ብዝተኻእለ መጠን ዘድሊ ጥንቃቄ ገርካ ብኣካል ምስታፍ ከምዝሓይሽ ብምግላጽ መብሪሆኦም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

24 October 2020, 12:57