ኮቪድ፥ ናይ ሓባር ጸላኢ ናይ ሓባር ረብሓ ዳግም ንምርካብ

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ናይ ሓደ ልምዓታውን ምዕቡልን ሃገር መምዘኒ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ዘለዎ ብቕዓት እዩ፡ ናይ ውሑዳት ምዕባለ ጐዶሎን ናብ ጸገም ዝድርኽን እዩ

“ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርግጸይናነት ካብቲ ለብዒ ወይ ብሉጻት ወይ ክፉኣት ኮይንና ኢና እንወጽእ ይብሉ፡ እቲ ዓውሎማዊ ቅልውላው እቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ናብራ ብናይ ተደጋጋፊ መፍትሕ ክንእምንቶ ሓድሽ ረባሕታ ዝጠልብ እዩ” ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣምር መሰረት ገይሩ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ኮቪድ-19 ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ”፥ እቲ ምዝዛም ለብዒ ንሓድሽ እውተይና ብጋሰ ዝመርሕ ኪደት ኣለልዩ ንምቕራብ ዝቖመ መደብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቤተ ትምህርትን ናይ ዝኾነ ይዅን ሃገር ዓንዲ እያቶም፡ ከምዝ ብምዃኑ ከኣ ንዝኾነ ይዅን መኽሰብ ንዝብል ግጥም ዝውዕል ክኸውን የብሉን። ነዚ ዝበሉ እቶም ብቅዱስ ኣቦና ናይቲ ብኣኦም ዝቖመ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ ዝከታተል ዘቖምዎ ድርገት ኣባል ንኽኾኑ ዝሰመይዎም ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ልዊጂኖ ብሩኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ለብዒ ብርግጽ ነቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ጥልቂ ሓቂ ዳግም ንኽንረኽቦ ክድግፈና እዩ ዝብል እምንቶ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ መሰረታዊ እዩ፡ ኣነን ፖለቲካን ኣነን ኤኮኖምን፡ እዚ ኸኣ ሰብኣውነት ዘማእክል፡ ፖለቲካ ኮነ ኤኮኖሚ ቅድሚ ውላቃዊ ረብሓ ቀዳምነት ሰብ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን እቲ ካብ ድህረ - ኮቪድ ክውለድ ዝኽእል ዓውሎማዊ ረባሕታ ተመላኽት፡ ናይዚ ኪደት እዚ ኸኣ ዋሕስ ትኸውን፡ ኣብዚ ናይ ዕዳጋ ስነ መጐት ኣብ ዝዕብለሉ ዘሎ ዓለም፡ ተስፋ ይብሉ ብሩኒ - እቲ በቲ ዶብ ኣልቦ ብዝኾነ ተህዋስ ዝተጸልወ ኣገዳስነት ዓውሎማዊ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣይረስዓና ኢሎም።

ብሩኒ ኣስዒቦም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካብዚ ተመክሮ እዚ (ለብዒ) ዝተመሃርክዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ቅድም ጥንቃቔን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብል ጉዳይ እዩ፡ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓንዲ እዩ፡ ኣቐዲምካ ምጥንቃቅ ዝብል ምርጫ ኣብ ብጋሴ እቲ ለብዒ ጐዲሉ ዝተራእየ ተግባር ከምዝኾነን፡ ብውልቂ ይኹን ብሓባር፡ እቲ ማሕበራዊ ድጋፍ ዝብል መምርሒ ዝኽተላ ሃገራት ብዙሕ እቲ ለብዒ ካብ ዘስዓቦ ጸገም ህዝበን ኣዚዩ ከምዘይተሃስየ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ እቲ ለብዒ ማሕበራዊ ረብሓ ወይ ጥቕሚ እንታይ ማለት ምዃኑ የዘኻኽረና ኣሎ፡ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ማሕበረሰብኣውነት ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት የዘኻኽረና፡ እቲ ናይ ሓባር ክፋእን ስቓይን ናይ ሓባር ረብሓ ኣምርን ተግባርን ዳግም ንኽንራኸብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ደሕንነትን ትምህርትን ነቲ መኽሰብ ዝብል ምጥላዕ ክሕደግ ከምዘይብሉ ብኣጽንዖት የመላኽተና ኣሎ ኢሎም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብተን ውሑዳት - ብዛዕባ ዓውሎማዊ ናይ ሓባር ረብሓ ዝግደሳን ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝዓያን ብቐዳምነት እትጥቀስ እያ፡ ዳርጋ ንሳ ጥራሕ እያ ክትብል ዝከኣል እውን እዩ፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዋሕስን ዓቃቢትን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ሎሚ ብዙሕ ተስማዕነት ክህልዋ ዝገብር፡ ስለዚህ ነዚ ግምት ብምሃብ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጽፍሒ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዋ ተስተውዕል።

እቲ ቀዳማይ ትምህርታ፥ ናይ ሓባር ጥቕሚ ድግና ተራኻብነት ዝብል እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክትራኸብን ሰላም ክትበሃሃልን ክትሕቛቖፍን ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ብሓጺሩ ምፍንታት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ምቅርራብን ምርኻብን ሰላም ምብህሃልን ምትሕቑቓፍን ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ከስተውዕል ክኢለ፡ ተራን ልሙድን ዝመስል ዝነበረ ልድታትና ዘለዎ ልዑል ዋጋ ክስቆረካ ዝገብር ኩነት፡ . . . ብመረብታዊ ርክብ ካብ ቤትካ ኲይንካ ምዕያይ፡ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣኼባታት ምስላጥ ውሳኔ ምትሕልላፍ ዝከኣል እዩ፡ እዚ ግን እኹል ኣይኮነን፡ መረብት ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፡ ናይ ኣካልን ናይ ኣካል ቀልብን ምርኻብ ኣድላዪ እዩ፡ ምርኻብ፡ ተስፋ እገብር እቲ ለብዒ ምስ ሓላፈ ኩሉ ከይንርስዖን እቲ ዝተመሃርናዮ እውን ዕሽሽ ከይንብሎ፡ ናይ ሓባር ረብሕ  ጸረ መርዚ ናይ ሓባር መዓት እዩ።

ሕንጸትን፥ ሕንጸት ሕጻናትን መንእሰያትን ካብቲ ኵሉ ዘገድስ ዝለዓለ ክብሪ እዩ፡ ነዚ ክብሪ’ዚ ናይ ሓባር ሃብቲ ምስላዕ፡ . . . ደሞክራሲ ካብ ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ ሰደቓ እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትውልዲ እናተወላለደ ይቕጽል። . . . ሕንጸትን ትምህርትን ዓውሎማዊ ናይ ሓባር ጥቕሚ እዩ! . . ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ናይ ሓባር ተቕዋም እያ፡ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ዘሎ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ታሪኽ ንዘክር፡ . . . ዓበይቲ ቅልውላው ቤተ ክርስቲያን ኣደን ስልጣናዊ መምህር ናይ ምዃን ጸዋዕታኣ ዳግም ክትርከብ ይገብር። እቶም ዘይክርስቲያን እውን ናብኣ ገጾም ይጥምቱን የድንቕዋን . . . ኵሉ ንዅሉ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ሚዛን ድኻታት እያቶም፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምንዳይ ድኽነት ንምውጋድ መሰረት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ናይ ሓደ ልምዓታውን ምዕቡልን ሃገር መምዘኒ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ዘለዎ ብቕዓት እዩ፡ ናይ ውሑዳት ምዕባለ ጐዶሎን ናብ ጸገም ዝድርኽ እዩ ምስ በሉ፥ . . . ሃይማኖታት መንሰይ ወለድ ሓድሽ ናይ ውሽጣዊ ሕይወት ሰዋሱ ክጽሕፍ መታን ክሕገዝ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሺሓዊ ጥበብን ሕዝባዊ ሃይማኖተይናነትን ዘመላኽት ባህሊ ሓድሽ ወለዶ ዝዝንግዖ ስለ ዝመስል እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

31 October 2020, 21:53