ዘላቒ ቁጠባ፥ ንመጻኢ ንምውፋር መፍትሕ ካብ ዝኾኑ ሓደ ዘላቒ ቁጠባ፥ ንመጻኢ ንምውፋር መፍትሕ ካብ ዝኾኑ ሓደ  

ዘላቒ ቁጠባ፥ ንመጻኢ ንምውፋር መፍትሕ ካብ ዝኾኑ ሓደ

“ዘላቒ ኤኮንኖሚ ክበሃል እንከሎ እደ ሜላዊ ክስተት ጥራሕ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይቲ ራብዓይ ወለዶ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ዘጠቓልሎም ሓሳብ ሓደ ኮይኑ እዩ፡ ቁጠባ መሳለጢ እዩ፥ . . . ስራሕ ሃብቲ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ እውን እዩ

ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሕንጻ ክፍሊ ራዲዮ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሱይድቲሮል ባንኪ ቤት ምስ ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስወን “ይሴባሕ” ዘርእስታን እታ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ዝበቕዔት “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚን ናይ ስነ ማሓድራኣዊ ዘላቒ ዕላማ ዘለዎ መደብ ቁጠባዊ ቀረብ ዘሳልጣ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ወከልትን ኣሳቲፉ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብ እምበር ገንዘብ ማእከል ዘይገብር ኣገባብ ኤኮኖሚያዊ ቁጠባ ምሕሳብ ይከኣልዶ? ዝብል ሕቶ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ማከላዊ ሕቶ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣብቲ ብናይ ዜና ቫቲካን ሓላፊ ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ኣላዛብነት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼብ ዝተረኽቡ ካብ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ኣካላትን ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማንት ዝተዋጽኡ ኣካላት፡ ይሴባሕን ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታን ዓዋዲያን መልእኽቲ ድሕረ ባይታ ገይሮም “ንዘላቒ ዓለም ኣብ ስነ ምግባር ምውፋር” ዝብል ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተመልከተ ሓሳብ ከምዘቃልሑን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም፥ ናይ ባሕሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ዘላቒ ኤኮንኖሚ ክበሃል እንከሎ እደ ሜላዊ ክስተት ጥራሕ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይቲ ራብዓይ ወለዶ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ዘጠቓልሎም ሓሳብ ሓደ ኮይኑ እዩ፡ ቁጠባ መሳለጢ እዩ፥ . . . ስራሕ ሃብቲ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ እውን እዩ፡ ከምቲ ጋንዲ ዝበሎ ብዘይ መሰረታዊ መምርሒ ዝቐውም ፖለቲካ ዓለም የዕንው፥ ስለዚህ ዕዮ ዘይፈጥር ሃብቲ፡ ዋኒን ብዘይ ስነ ምግባር እዚ ዓለም የዕንው ምስ በሉ ኣተሓሒዞም እውን ሃይማኖት ብዘይ እምነት የዕንው ብልሓት ብዘይ ጥበብ፡ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ገዛእ ርእስኻ ክሳብ ምውፋይ ስንድው ዘይክወኖ እንተድኣ ኮይኑ ዓለም የዕንው” ዝብል ሃሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።

ቁጠባ ስነ ምግባር ክህልዎ

ቁጠባ ኣብ ስነ ምግባር ዝተጣብቀ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ናይ ሱይድቲሮል ባንኪ ቤት ኣመሓዳሪ ኣልፎንሶ መኦማርቲኒ ከምዘስምዑን፡ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣውጉስቶ ዛምፒን እውን ብወገኖ፥ እቲ ተኽሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ስነ ምግባራዊ መምዘንታት ዳግም ንምሕንጻጽ ዕድል ክኸውን ኣለዎ ዝብልን ቁጠባ መባጼሕ ዘይኰነ ንሓባራዊ ኣገልግሎት መሳለጢ እዩ ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ዘብርሀ መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ሎሞናኮ ኣስዒቦም፥

ስርዓትን ዘላቂ ቝጠባን

ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፔንዛ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕሳብ ስነ ቁጠባ መምህር ሮበርቶ ደ ማርኪስ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳ ዘላቒ ቁጠባ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብስርዓት ዝተደገፈ መደብ ኣቕሪቡን እዚ ኸኣ ኣብ መዳይ ቁጠባ ንዝዓዩ ሰራተይናታት ዝሓቁፍ መቓን ክኸውን ተሓሳቢ ገይሩ ከምዝኾነን . . . ኣብ መናብርተ ጥበብ ዝቐርብ ዛዕባ ኤኮኖሚ ዝምልከት መደብ ሕንጸት መዓስን ወትሩን ምስ ዘላቕን ተቐባልነት ዘለዎ ኤኮኖምን ቁጠባን ኣምር ዝተጣምረ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ስነ ምግባርን ምውፋርን

ኣስዒቦም እውን ናይ Aism Luxembourg -  እተሰምየ ትካል ወኪል ፒየትሮ ኢንቨርኒዚ እውን ብወገኖም ስነ ምግባርን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ፍልጠትን ብቕዓትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምስ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘለዎ ምትእስሳር ኣብሪሆም፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ካሳብ ባህርያዊ ሞትን ድጋፍ ንኣባይቲ ስድራን ንግደ ደቀንስትዮን ዝንቀሳቐስ ኤኮኖሚ ምትብብዕን ኣብ ዝብል ስነ ምግባራዊ መሰረተ ሓሳብ ዝቖመ ኤክኖሚ ምድጋፍ ንዘላቒ ቁጠባን ኤኮኖምን መሰረት ምዃኑ ብዘፊሕ ከምዘብርሁ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።

ስዒቡ እውን ኣብ መጻኢ ናይ ምሕናጽ ኪደት፡ ንገዛእ ርእሱ ቁጠባ ዘለዎ ዓቢይ ግደን ብቁጠባ ኣቢልካ መጻኢ ኣብ ምሕንጻ ምውፋር፡ ዘይንጽል ሓቛፊ ማሕበረሰብ ንምቛም ብዝድግፉ መደባት ዝስነይ ቁጠባን ንስነ ሕይወት እደ ጥበብን ሃብቲ ገንዘብ ምውፋርን ንዘላቒ ኤኮኖሚ ቅቡልን ዘላቕን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ፥ ኣብ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ከጋጥም ዝክእል ስግኣት ኣቐዲምካ ምስትውዓልን ብዕሙት ኪደት ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ብዓንተውኡ ምውጋድ፡ ስለዚህ ንዘላቒ ቁጠባን ኤኮኖምን ዘላቒ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ወሳኒ እዩ፡ እዚ ናብ ቅልውላው ንኽይእተውን ቅልውላው እንተጋጠመ እውን ንምብዳሁ ዘኽእል ዑቑር ሓይሊ ዘለዎ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ብዑምቀት ዘብርሁ መደረታት ከምዝቐረቡ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ዘላቒ ቁጠባ፥ ንመጻኢ ንምውፋር መፍትሕ ካብ ዝኾኑ ሓደ
14 October 2020, 15:42