ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕ ዛዚሙ ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕ ዛዚሙ 

ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕ ዛዚሙ

ከምዘስምዑን፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋውነት ናጻ ዝኾነ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡን ዘገልግል ንጹሕ ሃብቲ ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ሕጋውነቱን ዘይሕጋውነቱን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ዘይውዕልን ምዃኑን ሃብቲ ገንዘብ ካበይ ናበይን ተቖጻጻሪ ሽማግለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕ ከምዝዛመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፥ እቲ ሽማግለ ነዚ ምብጻሕ እዚ ከምቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብስሩዕ መደብ ናይ ዘካይዶ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ ቅድም ክብል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 30 መስከረምን ዕለት 8 ጥቅምትን 2020 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዘይምዃኑን ካብ ምወላ ንግብረ ሽበራን ናጻ ምዃኑን ዝቆጻጻር ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ሙያተይናታት ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕን ምስ ዝምልከቶም ናይ ሃገረአ ቫቲካን ላዕለዎት ኣካላት ዘካየዶ ሓናጽን ምትሕብባር ዝዓሰሎ ርክብ ዛዚሙ ከምእተሰናበተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣመግለጺ ኣፍሊጡ፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ሃብቲ ገንዘብ ካበይን ናበይን ሕጋውነቱን ንምወላ ግብረ ሽበራ ዘይውዕል ዝቆጻጸርን በዚ ኣገባን እዚ ኣቐዲምካ ብምክልኻልን ግልጽነትን ብዘለዎ ኣገባብ ዝፍጸም ኣሰራርሓ ንቕድሚት ዝሰጎመን ውጽኢታዊ እውን ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተረጋገጸ ሓቢሩ፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ Mutual Evaluation Report - ናይ ሓባር ናይ ገምገማ ጸብጻብ ኣብ ጽድያ 2021 ዓ.ም. ምስቲ ናይ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ሙያተይናታት ብዝኽተሎ ናይ ውሽጣዊ ኣሰራርሕ መምርሕታት መሰረት እቲ ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝቐርብ ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ስልጣን ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ዘካየደ ንናይ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ሙያተይናታትን ናይቲ ሽማግለ ዋና ጸሓፍን ልባውን ዓሚዩቕን ምስጋና ከምዘቕረበ የመላኽት።

ፓሮሊን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ህርኩት ጻዕሪ ኣብ ግልጽነት

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 13 ጥቅምቲ ዘካየዶ ምብጻሕ ዝዛዘመ ናይ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ሙያተይናታት ዕለት 30 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተወ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ  ካርዲናል ፓሮሊን ተቐቢሎም፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ሽማግለ ስለዘካይዶ ዕዮን ትዕግስቱን ኣፍልጦ ብምሃብ ኤኮኖሚ ነገልግሎት ሰብ እምበር ግምጥልሽ ከይኸውን ስለ ድርኽታኹም ነመስግን” ከምዝበሉን፥ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ኪደት ግልጽነትን ቅንዕናን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ቁጠባን ክህሉ ብወገና ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ንምሕጻብ ዝግበርን ንመመወሊ ግብረ ሽበራን ከይውዕል እቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ዘቕርቦ ናይ ግምገማ ስሩዕ መምዘኒ ኣካል ንምዃን ዝሓረየት ምዃና እውን ከምዘዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዕለት 8 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመደበይና ምብጻሕ ዕለት 30 መስከረም 2020 ዓ.ም. ንዝኣተወ ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዘይምዃኑን ካብ ምወላ ግብረ ሽበራን ናጻ ምዃኑ ዝቆጻጻር ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ሙያተይናታት ተቐቢሎም መደረ ከምዘስምዑን፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋውነት ናጻ ዝኾነ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡን ዘገልግል ንጹሕ ሃብቲ ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን፥ ካበይ ይምጻእ ካብ ግብረ ምዝመዛ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሃብቲ ገንዘብ ንምኽዕባት ዝብል ድላይ ክዕብልል ይረአይ፡ እዚ ኸኣ ኣእዳውናን ሃብቲ ገንዘብን ብደም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝጨቀወን፡ ወይ ውን ናይ ሓያላት ዕብለላ ክህሉን ግብረ ሽበራ ንምዝራእን ዕላማ ዝውዕል ክኸውን ይኽእል፡ ብዘይ ዒብታ ናይ ውልቅኻ ስልጣን ንምርግጋጽ ናይ ኣሕዋት ሕይወት ክሳብ ምስዋዕ ዝኸይድ ሃብቲ ገንዘብ ጥራሕ ዝብል ምርጫ ይረአይ። . . . ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሐደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሐደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሐደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሐደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ (ማቴ። 6,24)፡ ኤኮኖሚ ሰብኣዊ ወጅሂ ከጥፍእ እንከሎ ገንዘብ መገልገሊ ዘይኮነ መገልገሊ ገንዘብ ይኸውን፡ ገንዘብ መገልገልን ገዛኢ ንዘይገብር ናብቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምብጻሕ ዘይድግፍ ዘበለ መሰናኽል ኵሉ ክትቃወሞ እናተገበአ ገንዘብ ተመላኺ ይገብር ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘስመርሉ ምዕዳን ለጊሶም እቲ ናይ ኤውሮጳ ሽማግለ መማክርት ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ዕዮኡ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ስለ ኣገልግሎቱ እውን ኣመስጊኖም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ምብጻሕ ዛዚሙ
14 October 2020, 15:25