ድለ

“ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲት መልእኽቲ ንምልላይ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ “ኵላትና ኣሕዋት” ዓዋዲት መልእኽቲ ንምልላይ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ 

ፓሮሊን፥ ብሓባር ኣልቦ ውግእ ንዝኾነ ዓለም ምዕያይን ዘተ ምትብባዕን

“ሕውነት ንዓለም ሓቆፍ ርክባት መጋበርያ ክኸውን መታን ‘ናይ ሕይውነት መንፈሳውነት ምምዕባል’ ከምዘድልን ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ንዝተፈለየ ሓደጋ ዘቓልዑ ጸገማት ንምፍታሕ ብቕዓት ዘለዎ ስሉጥ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክህሉ” ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዘመላኽቱ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እታ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋን ወግዓዊ ዝኾነትን ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “እቲ ዝተኸስተ ለብዒ እቲ ዝሓነጽናዮ ናይ ሓሶት ዝኾነ ድሕነትን ውሕስነት ኣቃሊዑ እዩ” ምእንቲ እዚ “ኣብ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ሕውነታውነት ናይ ትግባረ መጋበርያ ክኸውንን “ብሲኖዶሳዊ መሰልን ክብርን ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ስልጣን” ኣገዳስነቱ ከምዘብርሁ ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውነተይና ማሕበራዊ ፍትሒ ንኽረጋገጽ ንናይ ሓባር ትውሳኤ ኣብ ጉደና ሕውነታውነት ምስጓም ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኾኑ እንከሎ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሓሰተይና ዝኾነ ዘቖምናዮ ድሕንነትን ውሕስነትን ዘቃልዔ ምዃኑ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንበር ዘሎ ተመክሮ ተጠቒሞም” (ኵላትና ኣሕዋት ፍቕዲ 7 ረኣ)፥ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነት ዝትንትን ጥራሕ ዘይኮነ መልሲ ዝሕብር ትግባረ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጻውዒት የቕርቡ። እዚ ትግባሬ እዚ ሎሚ እውን ገና ከምቲ ዝድለይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ዝድለይ ናይ ዘይምዃኑ ብሓባር ንምዕያይ ብቕዓት ዘይብልና ካብ ምዃንና ዝነቅል እዩ፡ “ዘተ ናይ ኣልባባትን ኣእምሮን ፈላላይ ሓጹር ይኣልይን ሓድሽ ንምሕረትን ዕርቅን ዝድግፍ መገዲ የርህው”፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ግብሪ ክትርጎም ዝኽእል ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ከምዘመላኸትዎ፡ ዓለም ሓቆፍ ማህበረሰብ ነዚ ሓሳብ እዚ ከአንግዱ ይላበዉ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ኣገዳስነት ስሉጥ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ውድብ

“ሕውነት ንዓለም ሓቆፍ ርክባት መጋበርያ ክኸውን መታን ‘ናይ ሕይውነት መንፈሳውነት ምምዕባል’ ከምዘድልን ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ንዝተፈለየ ሓደጋ ዘቓልዑ ጸገማት ንምፍታሕ ብቕዓት ዘለዎ ስሉጥ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክህሉ” ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዘመላኽቱ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፥ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ገና ብዙሕ ንቕድሚት ምጉዓዝ ከምዘድልን፥ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክረጋገጽን ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝብልዎ፥ ናይ ብዙሓት ኣብ ገዝእ ርእሶም ዝተጠንጠኑ ናይ ገለ ገለ ሰባት ድላይ ዘስዕቦ ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ናይቲ ሕውነታውነት ዝብል ተጻራሪ ኪደት ምዃኑ የመላኽቱ። . . . ኵላዊ ሕውነት ንኽረጋገጽ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት፥ እዚ ብቕጽበት ዝኸውን ዘይኮነ ትብዓትን ልግስን ነዚ ክብሪ እዚ ንምርግጋጽ ዝድግፉ ናይ ሓባር መደባትን ኣብ ዓለም ኣገደስቲ ዝኾኑ ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝድርኹ መምርሕታት ምቛም የድሊ።

ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ቁጽጽር ዝግበረሉን ዓለም ሓቆፍ ስልጣን ክህሉ

ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ከመሓድር ዝኽእል ዓለም ሓቆፍ ስልጣን ምሕያል የድሊ፥ እዚ ኸእ ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኵሎም ቅድምኤም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስምረት ብዘለዎ ኣገባብ እንከመላኽቱ፥ “ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ቍጽጽር ዝግበረሉን ዓለም ሓቆፍ ስልጣን ምቛም የድሊ፥ እዚ ማለት ግና ንውልቃዊ ስልጣን ምሕሳብ ማለት ኣይኮነን’ (ኵላትና ኣሕዋት፣ ፍቕዲ 172 ረኣ)። ጉባእያውነት ምሕደራ ዝንበሮ፥ ነቲ ሲኖዶሳውነት ዝብል ኣምር ጓና ዘይኮነ ምሕደራ።

ኣብቲ ምግምማዕ ሕብረተሰብ ዝረኣየሉ ዓለም ብዝሓ-ጐድናውነት ምሕያል

ናይ ሕውነታዊ ቀዳማይ ሸቶ ሕዝብታት ምዝታይ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ብዝሓ-ጐድናውነት ኣምር ዘባድው ድላይ ከምዝርአይን፥ ብዝሓ-ጐድናውነት ኣብዚ ሕብረተሰብኣዊ ምግምማዕ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ዓለም ሕጹጽን ኣገዳስን እዩ፡ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዘተ ምትብባዕን ናብ ሰላም ዘብጽሕ ጭቡጥ ለውጢ” ኣድላይነቱ የተሓሳስቡ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኣገባብ ዕለታዊ ሕይወቱ ኣቢሉ ንናይ ሰላም ሕንጸት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ዘቕረብሉ ባይታ።

ናይ ሰብኣውነት ሓባራዊ ስምዒት ምሕያል

ናይ ሃገራት መራሕቲ ቅድም ቀዳድም ናይ ሕዝቢ ድላይ ቀዳምነት ክህብሉ ይግባእ፥ ንናይ ሃገራት መራሕትን ሓለፍንት ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ኣካላትን ኩሎም እቶም ንሰላምን ምዕባለን ዝዓዩ፥ ሕውነት ዓለም ሓቆፍ ሕይወት ኣድልዪ እውን እንተኾነ ካብቲ ብሓባር ምንባር ኣብ ናይ ሓባር ስምዒት ዝቖመ ናብ ናይ ሓባር ህላዌ ክብል ከምዘለዎ የመላኽት . . . ብናይ ሕውነት ባህሊ . . . ንኻልእ ሕዝብን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየን ምፍቃር ክንየው ወዲ ዓደይን ሃገረይን ዝብል . . . ።

ብጹዕ ካርዲናል ጉይክሶት፥ ሕውነት ናይ ነፍሲ ወከፍ እምነት ፍኖት እዩ

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖትት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ናይ ገዛእ ራስኻ መንነት ‘ብትብዓት ካልእነት’ ምንባር” ዝብል ሓሳብ እዋናኢ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ንኽንኣትዎ ትሓትተና፡ ብሓባር ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብተስፋ ኵላትና ንኽንኮኖ ዝተጸዋዕናሉ ኵነት እዩ፡ ናይ ሰላም መልእኽተይናታትን ናይ ሱታፌ ሓነጽትን ንኽንከውን። እግዚኣብሔር ናይ ኵሉ ፈጣሪ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ናይ ሓንቲ እንኰ ስድራ ቤት ኣባላት ኢና፡ እዚ እዩ ምዃን ዘድልዮ፡ እዚ እምነት ዘወፍየልና መሰረታዊ መምዘኒ እዩ፡ ካብ ምክእኣል ናብ ሓባራዊ ሕውነት ንኽንሳገር መታን፡ . . . ኣብዚ ኢሰብኣውነት ናብ ምዃን ዘዘንበለ ዘይተገዳስነትን ስስዔን ኣብ ዝረአየሉ ዓለም፡ ኵለንተናዊ ምትሕብባርን ኣብ ሕውነታውነት ዝጸንዔ ሓድሽ ዘተ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፥ ኣብ ሕንጸት ናይ ሓባር ናብራ፡ ሓደ’ኳ ዘይንጽል ኣብ ልዕሊ ጓሓፋይ ባህሊ ዘይቀውም ከምዝበሉ ደካሮሊስ ሓቢሮም።

ሪካርዲ፥ ውግእ ኣደ ኵሉ ድኽነት

ናይ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስ መስራቲ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ወግእ ጠንቂ ኵሉ ድኽነት እዩ፡ መጻኢ ዝብክል ቤት ትምህርቲ ክፋኣ ንመንእሰያት እዩ፡ . . . ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፥ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵለንተናዊ ምዕባለ ዘነቓቕሕ መደብ ወሳኒ እዩ፡ . . . ሰላም ድላይ ጥራሕ ዘይኮነ ሕጂ ዝጅመር ሸቶ እዩ፡ ዕለት ብዕለት እናበጻሕካዮ ዝኸይድ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዝሓበሩ ደካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ዓብደል ሳላም፥ ኵለንተናዊ ሕውነት ንዓለም ፍጹም ኣገዳሲ እዩ

ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ላዕለዋይ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና ሞሓመድ ኣብደል ሳላም እውን ብወገኖም፥ ኣድልዎን ጽልእ ብዓሌትን ዝኣመሰሉ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ኩለን ሃይማኖታት ጸዓተን ኣዋዲደን ክገጥመኦ ኣለወን፡ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍላጥ ምግምማዕ ምውጋድ፡ ገዛእ ርእስኻ ካብ ዘይምፍላጥ ዝፍጠር ምግምማዕ ዓቢይን ከቢድን ጸገም እዩ፡ ብትኽክል ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምፍላጥ ምቅርራብ ኣሎ፡ ንምፍላጥ ንዕድል ዝህብ ርህው መዓጾ ኣሎ፡ ኵለንተናዊ ሕውነት ትማልን ሎምን ንሓዋሩን ንመላእ ዓለም ፍጹም ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ምዕሩይን ውዱንን ሕብረተሰብ ክህልው ይድርኽ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እቲ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘቕርቦ ዝተፈላለየ ሓሳብ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ መንእሰያት ኣብ ሮማ ክራኸቡን ሕውነት ኣብ ዝብል ቃልን ክብርን ከስተንትኑን ክመያየጡን ኣያቶም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ሮውላንድስ፥ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣባል ብእትኾነሉ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣይምዘንን

ኣብቲ ነታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዱሃም መንበረ ጥበብ መምህር ኣና ሮውላንድስ፥ ሃይማኖታት ሰዓብተን በቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለምን ናይቲ ዝጎድእ ንግድን ዝትንከፉ እያቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኢፍትሓውነት ብዝለዓለ ደረጃ ከውግዙ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ሃይማኖታት ክጣዓሳ እዩ ዘለወን፡ እታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ሃይማኖታት ኣብቲ ኣናስሩ ዘጥፍእ ዘሎን ውልቃዊ ረብሓይ ዝብል ዓለም ናይ ዘተን ናይ ሰላምን ናይ ደረት ሰገር ፍቕርን መጋበርያ ክኾና ተተባብዕን ትምዕድን፡ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ኣቡዳቢ ሰነድን እዛ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽትን ማእከልነት ሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣባል ብዝኽወነሉ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዓሌትን ዝምዘን ከምዘይኮነን፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እናሓሰቡ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ንመጻእተይና ምእንጋድ ዝብል ክብሪ የቃልሑ፥ ካብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝርከብ ዕድል ዘይኵነታዊ ንጹሕ ፍቕሪ ዝንበሮ እንግዶት ከምዘነቓቕሕ ቅዱስነቶም ብጥልቂ የብርሁ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘስመዐዖ መደረ ከምዘስመራሉ ደካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ፓሮሊን፥ ብሓባር ኣልቦ ውግእ ንዝኾነ ዓለም ምዕያይን ዘተ ምትብባዕን
05 October 2020, 18:10