2019.09.18 Il Papa con il Consiglio dei Cardinali 2019.09.18 Il Papa con il Consiglio dei Cardinali 

ናይ ኪንሻሳ ካርዲናል ኣብ መማክርት ጉባኤ ር.ሊ.ጳ.

ኣፍሪቃ ብናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ንኽትውከል ቅዱስነቶም ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይቲ ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ኣባል ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ኣምቦንጎ በሱንጉ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ኣባል ንኽኾኑን ከምኡ እውን ነቶም ናይዚ ጉባኤ’ዚ ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ናይ ኣልቦኖ ጳጳስ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ንዝሰመይዎም ንብጹዕ ኣቡነ ሰመራሮ ተኪኦም ናይቲ መማክርት ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ንብጹዕ ኣቡነ መሊኖ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንዘተኣታትዎው ዘለዉ ሕዳሴ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ሕያዋይ ጓሳ እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝትክእ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ምሉእ ብምሉእ ኵላውነቱ ውሑስ ንምግባር  ብዝኽተልዎ ኣገባብ መሰረት ኣፍሪቃ ብናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ንኽትውከል ቅዱስነቶም ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይቲ ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ኣባል ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 7 ኣባላት ክብ ከምዝበለን ቅድም ክብል ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓሲንያ ናብ ልሒቅነት ድሕሪ ምስግጋሮም ኣብ 2018 ዓ.ም. ካብቲ ናይ መማክርት ጉባኤ ብሓባር ምስቶም ኣባል ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐን ብጹዕ ካርዲናል ኤራዙሪዝ ኦሳን ከምእተሰናበቱ ክዝከር እንከሎ ኣፍሪቃ በቶም ሓድሽ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ንኽትውክለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉጅለ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ኣባላት ኣብ ሆንዱራስ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ጉጅለ ኣወሃሃዲ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይን ኣብ ህንዲ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልዶ ግራሲያስን ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ናይ ሚዩንክን ፍራይሲንግን ሊቀ ጳጳሳት ቡጽዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስን ናይ ሃገረ ቫቲካን ምሕደራ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ሓድሽ ናይዚ መማክርት ጉባኤ ዋና ጸሓፍን ብኣባልነት ዝሓቑፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

16 October 2020, 14:58