ሕንጻ ሰረና ንመአንገዲ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ኣባይቲ ስድራ ሕንጻ ሰረና ንመአንገዲ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ኣባይቲ ስድራ 

ሕንጻ ሰረና ንመአንገዲ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ኣባይቲ ስድራ

እቲ ቤት ደናግል ኣገልገልቲ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዘካታንያ ብመደብ ሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላልፎ ናብ ኢጣሊያ ንዝኣተዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መአንገዲ ክኸውን ብሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ኣቢለን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዝለገሰኦን

ብናይ ሓዋርያዊ ቤተ መጽዋት ኣቢለን ደናግል ኣገልገልቲ መለኮታዊ ሓልዮ ዘካታኒያ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሰረና እተሰምየ ሕንጻ ብመደብ መተሓላልፎ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኢጣሊያ ንዝኣተዉ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣባይቲ ስድራን በይነን ንዝኾና ደቀንስትዮ ወይ ምስ ደቃተን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መአንገዲ ክኸውን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘወፈየኦ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቤት ደናግል ኣገልገልቲ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዘካታንያ ብመደብ ሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላልፎ ናብ ኢጣሊያ ንዝኣተዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መአንገዲ ክኸውን ብሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ኣቢለን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዝለገሰኦን ኣባይቲ ስድራን በይነን ወይ ውን ምስ ደቃተንን ንዝኾና ደቀንትዮን ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾና ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታትን ዝእለለይሉ ከምዝኸውን ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ናብ ገዛእ ርእስኻ ምኽኣል ዘሰንይ መእለዪ ቤት

ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ እቲ ሕንጻ ሰረና ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተለገሰ ከምዝኾነን እቲ ነቲ ሕንጻ ዝለገሰ ማህበር ደናግል ኣገልገልቲ ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣብ መደብ ሕንጸትን ኣብ ፍቕሪ ንድኻታትን “ቤተ ስድራ” ብዝብል መደብ ኣቢለ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ዝኣልያ ምዃነን ኣፍሊጡ፡ እቲ ዝለገሰኦ ሕንጻ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ 60 ሰብ ከአንገድ ከምዝኽእልን ብመደብ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ናብ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ኣብ ፈለማታት ኣዋርሕ ኣአንጊዱን ገዛእ ርእሶም ንኽኽእሉ ዘሰንይ ምዃኑ እውን ከምዝሓበረ ካፐሊ የመላኽታ።

ንር.ሊ.ጳ. ዝሰምዔ ልግሲ

እቲ ግብረ ልግሲ ነቲ ቅዱስ ኣቦና በታ “ኩላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ንዘቕረብዎ፥ ካብ ውግእን ኣሳዶን ናይ ተፈጥሮ መዓትን ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑ ንዝስደዱን ዝመዛበሉን ብቑዕ እንገዳ ክረኽቡ እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት መልሲ እዩ፡ እቲ ሕንጻ ሰረና ካብ 2015 ዓ.ም. ንቕዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ተዋሂቡ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቲ ሕንጻ ብመደብ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ናብ ኢጣሊያ ንዝኣተዉ ስደተይናታት ሶሪያን ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝመጹን ካብቶም ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ብሰኣዊ መተሓላልፎ ናብ ሮማ ንዝኣተዉ መአንገዱ ገይሩ ክጥቅመሉ ከምዝጸንሔ እውን ካፐሊ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።

ሕንጻ ሰረና ንመአንገዲ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ኣባይቲ ስድራ
13 October 2020, 17:34