ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስትውዓል ህሙማን ምክንኻን ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስትውዓል ህሙማን ምክንኻን  ርእሰ ዓንቀጽ

ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስትውዓል ህሙማን ምክንኻን

እቲ ሰነድ ናይ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ትምህርቲ ደጊሙ ዘቃልሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ነዚ ሓድሽ ሰነድ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝህቦ ኣተኩሮ እዩ፡ ዝሓመመ ሰብ እተቕርበሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ሕክምናውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣንፊ ከተጉድሎ ኣይግባእን”፥ በንጻሩ “ንምሉእ ሰብ ናብ ምክንኻን” ከተስፍሖ እዩ ዝግባእ

እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘርእስቱ ብዛዕባ ባህርያዊ ፍጻሜ ሕይወት ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘብርህ ብፍሉይ ነቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ሓዋርያዊ  ግብረ ኖልዎ ዝትርጉም፥ ሰብ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ በዓል መሰል ክንክን ጥዕናን ብፍትወት ክኽበብ ዝግብንኦ ምዃኑ የብርህ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘይፍወስ ሕማም ፈጺሙ ዘይሓውይ ማለት ኣይኮነንን (ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሉ ሕማም እምበር ዘይሓውይ ሕማም ዝበሃል የሎን፡ ስለዚ ኣብ ገናውነት ዘሎ ሕማም እዩ)፡ እዚ ናይቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር Samaritanus bonus - ሕያዋይ ሳምራዊ ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 22 መስከረም 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ዘቕርቦ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ከቢድ ስግኣትን ኣብ ናይ ሕይወት ፍጻሜ እውን ይሃሉ ወትሩ ምክንኻን፥ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ሕይወት ክብሪ ዘዕርብ ዘሎ ሓባራዊ ሕልናን ካብ ማሕበራዊ ክትዓት ዝጠፍእ ዘሎን ኵነት ግምት ብምሃብ ዘይገሃስ ናይ ሕይወት ክብሪ ናይ ግብረ ገባዊ ሕጊ መሰረት ከምዝኾነ የዘኻኽርን፡ ንናይ ስርዓተ ሕጊ ኣገዳሲ መሰረት እውን ምዃኑ የመላኽት።

ምእንቲ’ዚ ዋላ’ኳ ገለ ገለ ሰባት ዝሓትዎ እንተኾነ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሕይወት ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ክፍጸም የብሉን፡ ካብቲ ዝምልከቶ ሰብ ዝተሓትተ እውን እንተኾነ” በዚ ኣመለኻኽታ እዚ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘረእስቱ ሰነድ ዘቕርቦ ትምህርቲ ሓድሽ ኣይኮነን ምኽንያቱ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዙሕ እዋን ደጋጊሙ ስቓይ ዘይብሉ ሞት፡ በቲ ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሉ ሕማም ዝተጠቕዐ እውን ዘቕርቦ ሕቶ ይኹን ይኹንታ ዝበሃሎ ከምዘይኮነ የነጽር፡ ሕይወት ብባህርያዊ ኪደቱ ክሳብ ዘብቅዕ ክንክን ክረክብ እዩ ዘለዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዘይቅቡል ክብል እንከሎ፡ ብኻልእይ መዳይ ከኣ ህልኸይና ፍወሳ ምቕራብ ዘይቅብሉ ይብል፡ ምኽንያቱ ባህርያዊ ሞት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ቕቡል ባህርያዊ ሞት እዩ።

እቲ ሰነድ ናይ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ትምህርቲ ደጊሙ ዘቃልሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ነዚ ሓድሽ ሰነድ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝህቦ ኣተኩሮ እዩ፡ ዝሓመመ ሰብ እተቕርበሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ሕክምናውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣንፊ ከተጉድሎ ኣይግባእን”፥ በንጻሩ “ንምሉእ ሰብ ናብ ምክንኻን” ከተስፍሖ እዩ ዝግባእ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ፡ ብቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መንፈሳዊ ድጋፍን ቅርበት ስድራ ቤትን ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽት። መንግስታት ናይ ኣባይቲ ስድራ ቀዳማውነትን መሰረታውን ማሕበራዊ ግደኡ ኣፍልጦ ክህብሉ ይግባእ፡ ስለዚህ ንስድራ ኣባይቲ ዝድግፍ ርእሰ ማልን መጋበርያ ምቕራብን ከምዘድሊ እቲ ሰነድ የመላኽት። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስድራ ቤት፥ “ካብ ጥንቲ እታ ኣዚያ ቀረባ ዝኾነት ቤት ሕክምና እያ” ከምዝብልዎ እዩ፡ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ዓለም ኣባይቲ ሕክምና ናይ ውሑዳት ፍሉይ መሰልን ኣዚዩ ርሑቕን ኮይኑ እዩ ዝረአይ።

“ሕያዋይ ሳምራዊ”፥ ብዙሕ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክትዕ ዝግበረሎም ጉዳያት የዘኻኽረና፡ ናይ ዝሳቐዩን ክንክን ናይ ዘቕርቡን ምስክርነትን ንኸነስተውዕል ይድርኸና፡ ፍቕርን ተወፋይነትን ኣብ ኣገልግሎት ህሙማንን ኣብ ፍጻሜ ሕይወትን ኣብ ዘይቋርጽ ጉድለት ሕልናን ንዝርከቡን ብኣባይቲ ስድራኦም ንዝድገፉ በደታቶም በቦታቶም ብደቆምን ደቂ ደቆምን ዝእለዩ፡ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ሕይወቶም፥ ኣብ ቨነዚያ ኣብ ሓደ እዋን ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ካብ ሓንቲ ወዳ ብኸቢድ ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ክዛረብ ኮነ ክምገብ ዝተሳእኖ ብከቢድ ሕማም ዝተጠቕዔን በዚ ሕማም ምኽንያት ኣብ ዝተፈለያ ስድራ ቤት ምብጻሕ ኣካይዶም ክሰናበቱ እንከለዉ፡ ኣቡኡ ንሰላሳ ዓመት መዓልትን ለይቲ ከምዝኣለይዎን፥ እታ ካብ ወዶም ንሓጺር እዋን ርሕቕ ዝብሉላ ዝነበረት መዓልቲ ሰንበት ንጎሆ ቅዳሴ ንኸቐድሱ ዝኸዱሉ ጥራሕ እዩ፡ ከም ካህን ብዙሕ እዋን ንምዕድን ነጸናንዕን እንተኾነ ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣቦ እንታይ ከምዝብል ዝፍልጦ ኣይነበረንን ደሓር ግና እግዚኣብሄር ጻማኹም ክህበኩም እዩ ከምዝበለዎን እቶም ኣቦ ፍሽኽ እናበሉ - ፓትሪያርክ ካብ ጐይታ ብዙሕ ተቐቢለ እየ፥ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ኣረዲኡኒ እንክብሉ ከምዝመለሱሎም ዝገለጽዎ ቃል ምስክርነት ኣንድሪያ ቶርኒየሊ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስትውዓል ህሙማን ምክንኻን
23 September 2020, 11:30