2019.09.26 ናይ ምሕረት ቅትለት ወይውን ኤውታናዝያ 2019.09.26 ናይ ምሕረት ቅትለት ወይውን ኤውታናዝያ 

ዘይሓዊ ሕማም ዘይተካናኸኖ ሕማም ኣይኮነን። ናይ ምሕረት ቅትለት ዓቢ ሓጢኣት ተጻይ ሕይወት እዩ!

ንእምነት እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ‘ሕያዋይ ሳምራዊ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝኾነ ናይ ምሕረት ቅትለት ወይውን ኤውታናዝያ ዝኹንን ከምኡ እውን ሕይወቶም ንክሕልፉ ምድጋፍ ውጉዝ ከምዝኾነ ዳግም ዘረጋግጽ እኳ ደኣ ቤተሰብን ኣለይቲ ሕሙማትን ክሳብ ባህርያዊ ፍጻሜ ሕይወት ንሕሙማት ክድግፉ ዝዕድም ሰነድ ብፍቃድ ር.ሊ.ጳ ናብ ኩሎም አመንቲ ከምዝጸሓፈት ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዘሎናዮ ዘመንስ ይኹን ኣብ ዝቀደሙ ዘመናት ፈውሲ ዘይተርኽቦም ሕማማት ዘይሓዊ ሕማም ብዝብል ተፈልዮም ክሳብ ባህርያዊ ሞት ብዓቢ መንፈሳውነትን ሰብኣውነትን ክስነዩ ከምዘለዎም ንቤተሰብ ሕሙማትስ ይኹን ንኣለይቲ ሕሙማት ዓቢ ምትብባዕ ብወገን ቤተክርስትያን ክወሃብ ጸኒሑ። እንተኾነ ክሕደታ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓለምና ንቅትለት ዘይሓዊ ሕማም ዝሓዞም ኤውታናዝያ ወይውን ናይ ምሕረት ቅትለት ክብሉ ከም መሰልን ሕግን ብምትእትታውስ ይኹን ሕይወቶም ባዕሎም ከሕልፉ ንዘንቀዱ ብምድጋፍ እውን ብሓገዝ ነፍሰ ቅትለት ምፍጻም ብዝብል ነታ እንትርፊ እግዚአብሔር ካልእ ክትንክፋ ዘይክእል ክብርቲ ሕይወት ከጥፍኡ ይርከቡ። እዚ ዘተሓሳሰባ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእምነት ብእትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ጌራ እታ ከም መበገሲት ኩሉ ጸገም ገሮም ዝወስድዋ ዘይሓዊ ሕማም እትብል ቃል ክሳብ መወዳእታ ክትከናኸኖ ዘሎካ ምዃኑ ስለዘዘንግዕ ‘ዘይሓዊ ሕማም ዘይተካናኸኖ ሕማም ኣይኮነን። ከምቲ ምስ ዝኾነ ጒድለት ዝውለድ ዋላውን ንሓጺር ግዜ ዝነብር ይኹን ክትቅበሎን ክትከናኸኖን ዘድሊ ፍቅሪ ክትልግሰሉን መሰል ዘለዎ ብዘይሓዊ ሕማም ንዝተለኽፈ ሰብ እውን ከምኡ ክንገብር መሰሉ እዩ። ቤተክርስትያን ተጻይ ዝኾነ ንሕይወት ዝቈጺ ሕክምና ብምቛም ‘ኤውታናዝያ ወይውን ናይ ምሕረት ቅትለት ዓቢ ሓጢኣት ተጻይ ሕይወት እዩ’ እንክትብል ነቅ ዘይብል ትምርታ ትገልጽ። ነዚ ተግባር እዚ ንምፍጻም ብሓሳብ ብንዋት ቀጥታዊ ምትሕብባር ዝገብር ኩሉ ዓቢ ሓጢኣት ይፍጽም። ማንም በዓል ሥልጣን ነዚ ተግባር እዚ ከም ተጽዕኖ ከንብር ወይውን ክፍቅድ ምንም ሕጋዊ ሥልጥእን የብሉን’ እንክብል ሰነድ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቲ ንእምነት እትሓሊ ማሕበር ንደቂሰባት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታትን ጻዕረሞትን ኣብ ዝረክቡሉ ክግበር ዘለዎ ምክንኻን ዝሓለፈ ሰነ ፍቃድ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተዋህቦ ሎሚ ዕለት 22 መስከረም 2020 ዓም ከኣ ተሓቲሙ ብዕሊ ንኩሉ ተዓዲሉ።

ህልው ኩነታት ሕያዋይ ሳምራዊ!

ሕያዋይ ሳምራዊ ዝብል ሰነድከስ ነቲ ቤተክርስትያን ደጋጊማ ዘስተምሃረቶ እንክገልጽ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ነዘን ክልተ ኣገባብ መቅተልቲ ነቲ ሓደን ኤውታናዝያ ናይ ምሕረት ቅትለት ብምባል ነቲ ካልኣይ ከኣ ኣሲስትድ ስዊሳይድ ብደገፍ ዝግበር ነፍሰቅትለት ብዘይሓዊ ሕማም ንዝተጸገሙ ጥራይ ዘይኮነ ሥነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘጓነፎም ከይተረፈ ከም መሰል ዘፍቅዳ ሃገራት እናበዝሓ ብምምጸኤን እዩ። ዕላማ ናይቲ ሰነድ ወይውን መልእኽትኸስ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃበና ኣበነትን ንሕና እውን ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንገብር ዝእዝዘናን ብከመይ ንፍጽሞ ንጹር መምርሒ ንምሃብ እዩ። እዚ ዋላ ኣብቲ ክሓዊ ኣይክእልን ወይውን ምሕዋይ ናይቲ ሕሙም ኣጠራጣሪ እዩ ዝብል መደምደምታ ሓኻይም ከይተረፈ ነቲ ሕሙም ሕክምናዊ ደገፍ ከምኡ እውን ሥነኣእምሮኣዊ ምኽርን መንፈሳዊ ሓገዝን ክፍለይዎ ዘይግብኦም ግድነታት ምዃኖም ተረዲእና ነቲ ኢሰብኣዊ ምጥንጣን ሕሙም ይቃወም።

ዘይሓዊ እኳ እንተተባህለ ክሳብ መወዳእታ ክሕከም ግድን እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እንክዛረቡ ‘እንተተኻእለ ነቲ ሕሙም ክትፍውስ ክተሕዊ ምጽዓር እንተ ክንክን ግን ክሳብ መወዳእታ ክተርፍ ዘይብሉ እዩ’ እንክብሉ ዘይሓዊ ሕማም ዝብል ሕክምናዊ ክንክን ምቊራጽ ዘይምዃኑ ኣነጺሮም ገሊጾም ነበሩ። ክሳብ መወዳእታ ሕይወት ንሕሙም ምክንኻን ኣብ ጐድኑ ምዃን ጽን ኢልካ እናሰማዕካዮ ምስናዩ ካብቲ ዘሰቂ ብሕትውና በይንኻ ምዃንን ንሥቃይን ሞትን ምፍራህን ካብኡ ንዝስዕብ ተጽዕኖን ብምውጋድ ከምዝተፈቅረን ብካልኦት ከምዝድለን ክትገልጸሉ የድሊ። እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናየን ጸገማት እየን ሎሚ ንደቂ ሰባት ናብ ናይ ምሕረት መቅተልትን ንነፍሰቅትለት ደገፍ ናብ ምሕታትን ዘብጽሓ። ኣብ ርእሲ እዚ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሐ ጒዳያት ከምዘመልክቶ ብዙሓት ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝረሓቆምን ሕልናኦም ዝደንዘዘን ሓካይም ንብዙሓት ሕሙማት ናብዚ ገጾም ተጽዕኖ ክገብሩ ዓመጽ ክፍጸም ምርኣይ እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ይጠቅስ። ነዛ ንብዙሓ እተፍርህ ሥቃይን ጭንቅን ብዝምልከት እዚ ሰነድ እዚ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ብምቅራብ ንኩሉ ብመንጽር ሕማማትን ሥቃይን ክርስቶስ ብምግላጽ ነቲ ወንጌል ብዛዕባ መሥዋዕቲ ኢየሱስ ንዘቅርበልና የቅርብ። ንሥቃይ ተጻዊርካ ንምኽኣል ተስፋ የድሊ እቲ ተስፋ ኩሉ ዝኾነ ኢየሱስ ከኣ ወትሩ ምሳና ምዃኑ ክሳብ መወዳእታ ከምዘሰንየና ብዘተስፈዎ እቲ ሕሙም በይኑ ከምዘይኮነን ክርስቶስ ኣብ ጐድኑ ከምዘሎን ብምፍላጥን ብምእማንን ዝረኽቦ ተስፋ ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ ይብል። ቃንዛን ስቃይን ዘፋዂሱ መድሓኒታት እንተደኣ ሰብ ኣብ ጉድኒ እቲ ሕሙም እንተዘየልዩ እኹል ኣይኮነን። ንሕሙም ምስናይ ኣብ ግዜ ስቃዩ ኣብ ጐድኑ ምዃን ክሳብ ክንደይ ነቲ ሕሙም ዋጋ ከምዝህቦን እዚ ከኣ መታካእታ ከምዘይብሉን ስለዘረጋግጽ ግድን ክግበር ኣለዎ ይብል።

ሕይወት ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ትዕድልቲ!

ዋጋ ሕይወት ዋጋ ህልውና ክቡር ስለዝኾነ ብምንም ተኣምር ዘይገሃስ እዩ ዝብል አምር ሓቀኛ መሠረት ሞራላውን ባህርያዊ ሕግን ሥርዓተ ሕግን ከምዝኽዕነ ዝገለጸ ሰነድ ሕያዋይ ሳምራዊ ‘ዝኾነ ካልእ ሰብ ባርያና ክኸውን ከምዘይፍቀድ ማዕረ ማዕረኡ ብቀጥታ ሕይወት ሰብ ንምቅታል ክፍተን ኣይከኣልን ዋላ መሪርዎ እንተሓተተካውን’ ይብል። ጨኒቅዎ ናይ ምሕረት ቅትለት ንዝሓትት ሕሙም መሰሉ እዩ ውሳኔኡ ክኸብር ኣለዎ ምባል ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ንክብሪ ናይታ ብሕማምን ቃንዛን ተጸልያ ዘላ ናጽነቱ ክብሪ ሕይወት ዘይምፍላጥ እዩ። ነዚ ሰጊርካ ክትሕግዝ ወይ ክትቀትል እንተተረኺብካ ከኣ ኣብ ቦታ እግዚአብሔር ኰንካ ነታ ማንም ዘይፈልጣ ዕለተ ሞት ትውስን ኣሎኻ ማለት እዩ። ስለዝኾነ ምንጻል ጽንስስ ይኹን ምሕረታዊ ቅትለት ወይውን ብደገፍ ዝግበር ነፍሰ ቅትለት ንሰብኣውነት የቊስል ካብቶም ነዚ ዝመርጹ ናብኡ ንዝደፋፍኡን ንዝቅበሉን ክብሮም የጒድል ብዓቢኡ ከኣ ክብሪ እግዚአብሔር የጒድሉ እንክብል ክብሪ ሕይወት ወዲሰብ ብምግላጽ ክንከናኸኖን ክንከላኸለሉን ይዕድም።

ንቅዱስ ክብሪ ሕይወት ዘጸልምቱ ዕንቅፋታት!

እዚ ሰፊሕ ሰነድ ብዛዕባ ክብሪ ሕይወት ኣብ ዝትንትኖ ነዚ ቅዱስን ክቡርን ዝኾነ ህያብ ሕይወት ንምቅባል ክእለትና ክውስኑ ዝኽእሉ ኩነታት በብሓደ ይትንትን። ብቀዳምነት ዝሰርዖ ነታ ‘ክቡር ሞት ሙማት’ ትብል አምር ዘይትርጉሙ ብምሃብ ምስ ጣዕሚ ናብራ ሕይወት የገናዝብ። እዚ ኸኣ ኣብ ጥቅሚ ዝተመሥረተ ኣመለኻኽታ ሥነ ሰብ እዩ። በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ንሕይወት ክብሪ ዘልብሳ ገለ ሥነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ብቅዓታት ጥራይ እዮም። እቲ ከም ካልኣይ ዝጥቀስ ኩነት ከኣ ርሕራሔ ወይውን ድንጋጼ ንዝብል ቃል ዝወሃብ ግጉይ ትርጉም እዩ። እቲ ሓቀኛ ትርጉም ርሕራሔ ሞት ብምምጻእ ዘይኮነ ነቲ ሕሙም ክትቅበሎን ክትከናኸኖን ክተሰንዮን ነቲ ወሪድዎ ዘሎ ሥቃይ ንክጻወር ፍቅርን መጋበርን ብምቅራብ እዩ ዝግበር። ብሳልሳይ ደረጃ ዝሥራዕ ዕንቅፋት ከኣ እናሳዕረረ ዝመጽእ ዘሎ ግላውነት ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ናይ ዘመንና ዝንቡዕ ዝንባሌ ብሕትውና ወይውን በይንኻ ምዃን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ነጻ ኢኻ ምርጭኻ እንተዀይኑ እናበሉ ዘደናግሩ መምርሒታት ከም መፍትሒ ብምውሳድ ንበይንኻ ተዓጺኻ ሓንሳእ ሓንሳእ ብርቱዕ ተጽዕኖ ተላቢስካ መሠረት ዘይብሎም ምጥርጣራት ኣብተን ኣዕኑድ ሕይወትን መንባብሮን ዝኾና ናይ ሞራልን እምነትን ሰጊርካ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ንዘሎ ሰብ ክንዳኡ እናተማጐትካ ብመትኒ ሬሳ ከም ምምጋብ ዝግበር እውን ካልእ ምጥርጣር ዝፈጥር ኩነታት ደሚርካ ንክብሪ ሕይወት ወዲሰብ የዘንግዕ ኣሎ እንክብል ሕይወት ወዲሰብ ብጣዕሚ ክቡር ቅዱስ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን!

ኣብ ዓለምና ዝግበር ዘሎ ዘሻቅል ጒዳያት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ሕሙምስ ይኹን ንሥድራ ቤቱ ከይተወከስካ ናይ ዓመጽ ዳኛ ኰይኖም ብስም ናይ ምሕረት መቅተልቲ ንሞት ዝፈርዱ ኣይወሓዱን። ቤተክርስትያን ነዚ ጉዳይ እዚ ርእያ ከምዘይረኣየት ኰይና ሸለል ኢላ ክትሓልፎ ኣይትደልን ስለዝኾነ ኸኣ እዚ ሰነድ ኣዳዕዲዑ ንትምህርቲ ቤተክርስትያንን ኣቊዋማን ንምግላጽ ‘ኤውታናዝያ ወይውን ናይ ምሕረት ቅትለት ተጻይ ሕይወት ሰብ ዝፍጸም ገበን እዩ። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ዝኾነ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ዘይቅቡል ብመሠረቱ ገበናዊ ሥራሕ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ነዚ ተግባር እዚ ዘደንፍዕ ብትሕዝቶስ ይኹን ብንብረት ዝድግፍ ተጻይ ሕይወት ደቂሰባት ዝፍጸም ዓቢ ሓጢኣት እዩ ነዚ ከኣ ማንም ሥልጣን ብሕጋዊ መልክዕ ከፍቅድ ወይ ከም ተጽዕኖ ከቅርብ ኣይክእልን። እቶም ንቅትለት ምሕረትን ብደገፍ ዝግበር ነፍሰቅትለትን ዝምልከት ሕጋጋት ዘፍቅዱ ናይዚ ዓቢ ሓጢኣት እዚ ተሓባበርትን ዓገብ ናይቶም በዚ ሕግታት እዚ ሕልናኦም ዝጥምዘዝ ምእመናንን ይኾኑ። ንነፍሰ ቅትለት ምድጋፍ ማለት ኣብ ሓደ ዘይሕጋዊ ተግባር ምስታፍ እዩ። ናይ ምሕረት ቅትለት ተግባር ብዝኾነ ምኽንያት ክፍቀድ ኣይከኣልን ዋላውን እቲ ነዚ ሕቶ ዘቅርብ ሰብ ብተስፋ ቊርጸትን ወደር ኣልቦ ሥቃይን ካብቲ ዝሕተቶ ሓላፍነት ሓራ ዝገብሮ እንተመሰለ እውን። እተን ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ዘፍቅዳ ሕግታት ኢፍትሓውያን ሕግታት እዮም። እቲ ብከቢድ ሕማም ተደኒሶም ነዚ ጉዳይ እዚ ናይ ዝሓቱ ድኑሳት ሕሙማት ከም ሓቀኛ ድላይ መቅተልቲ ክውሰድ የብሉን እንታይ ደኣ ናይ ሓገዝን ፍቅርን ርሕራሔን ሕቶ ኰይኖም ክውሰዱ ኣለዎም ይብል።

ህጸት ፍወሳ ቅትለት ኣየድልን!

ካብዚ ብምቅጻል እቲ ሰነድ ንወዲሰብ ብፍቃዱ ይኹን ብዘይፍቃዱ መሰል ሞት ስለዘለዎ ምድጋፉ ነቲ እግዚአብሔር ጥራይ ዝፈልጦ ዕለተ ሞት ምቅልጣፍ ወይዉን በንጻሩ ክተናውሖ ምፍታን ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ፍወሳ እዚ ብዘመናዊ ሕክምና ዝተረኽበ ኰይኑ ብሰብ ሰርሖ መንገዲ እቲ ሕሙም ምንም ጥቅሚ ብዘይረኽበሉ መንገዲ ምንዋሕ ሕይወት እዩ። ስለዚ ነታ ዘይትተርፈና ሞት በቲ ሥሩዕ መንገዲ ክንጽበዮ እምበር ብዘተሓታትትን ቃንዛ ዝመልኦን መንገዲ ክተናውሖ ንዝፈታተን ሕክምናዊ ፈተነ ደው ምባሉ የድሊ። ነዚ ግን ነቲ ሕሙም ዘድሊ ባህርያዊ ሕክምና ከይነፍክግካ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ንክተናውሕ ዝግበር ዘይንቡርን ሚዛን ዘይሓለወን ህጸት ፍወሳ ኣይፋል ምባል ወዲሰብ ኣብ ቅድሚ ሞት ክህልዎ ንዘለዎ ባህርያዊ ጒዕዞ ይገልጽ። ርግጽ እዩ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ንዘሎ መጻኢኡ ንዘይነጸረ ሃለዋቱ ዘይፈልጥስ ይኹን ኣብ ሃለፍታ ንዘሎ ሰብ ክሳብ ኩነታቱ ዝንጸር ፈሳስን መግብን ክትህቦ ግድን እዩ። ክንዮዚ ፍወሳ እዚ ነቲ ሕሙምስ ይኹን ንሥድራቤቱ ዘድሊ መንፈሳዊ ደገፍ እውን ብግዲ ከምዘድልዮም ይገልጽ። በዚ ከምዚኸስ ብደገፍ ንዝግበር ነፍሰቅትለትስ ይኹን ንናይ ምሕረት ቅትለት ዘይድምር ደኣ ይኹን እምበር ዘመናዊ ሕክምናን ተክኖሎጅን ብዝልግሶ ክንክን ክሳብ ባህርያዊ ፍጻሜ ሕይወትና ዘድሊ ሕክምና ከምኡ መንፈሳዊ ደገፍ ክግበር ይምሕጸን።

ንሥድራ ቤታት ምሕጋዝ!

   ኣብ ዝግበር ሕክምናዊ ሓገዝ ቀንዲ ጒዳይ እቲ ሕሙም ንስድራቤቱ ሰኸም ንከይኮኖም እኳ ደኣ ስድራቤቱን ፈተውቱን ብፍቅሪ ክቀርብዎ የድሊ። ነዚ ተልእኮ እዚ ንምፍጻም ስድራቤት ሕሙማት ዘድሊ ሓገዝን መጋበሪታትን ክረኽቡ ኣለዎም። እቲ ሰነድ ነዚ ብዝምልከት ስድራቤት ዘበርክቶ መታካእታ ኣልቦ ሓልዮት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ስድራቤት ቀንድን መሰረታውን ማሕበራዊ ተልእኮን መተካእታ ኣልቦ ኣበርክቶን ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጸገም ግዜ ዝድግፉ ባይታን ዘድሊ ትሕተ ቅርጽን ክቀውም ኣለዎ ይብል።

ቅድሚ ምውላድን ክንክን ሕጻናትን!

ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ ሕይወት ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክቡሩ ክሕልዎ ግድን ስለዝኾነ ሕጻናት ካብ ዝተጸንሱሉ ዕለት ጀሚሮም ካብ ዝኾነ ክጐድኦም ዝኽእል ክንጥንቀቀሎም ምናልባት ብዘመናዊ ሕክምና ጸገም ወይውን ጉድለት ዘለዎ ጽንሲ ምስ ዘጋጥም እውን ንሳቶም እቶ ዝነኣሱን ዝደቀቁን ሕክምና ዘድልዮም ዘድልዮም ስለዝኾኑ ካብ ማሕጸን ኣዲኦም ጀሚርና ነታ ክብርቲ ሕይወቶም እናሓሎና ዘድሊ ሕክምናንን ክንክንን ክንገብር ትሑዛት ኢና። ምናልባት ሓደ ኣብ ማሕጸን ኣደ ዘሎ ናጽላ ዘድሊ ሕክምና ክትገብር ልዕሊ ዓቅሚ ምስ ዝኸውን ሞት ኣይተርፎን እዩ ቢልካ ሞቱ ንምቅልጣፍ ዝግበር መግቢ ምዕጻውን ካልእ ነገራትን ምዝውታር ቅኑዕ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ እዚ ቢሉ ቢሉ ንናጽላታት ገና ኣብ ማሕጸን እንከለው ዝኾነ ጸገም ዘይብሎም ክኾኑ ዝግበር ቃልሲ ኣካለ ስንኩላን ንዝኾኑ ክሳብ ምንጻል ዝበጽሕ ጉዳይ ጌጋ እዩ። ከመይ ምንጻል ጽንሲ ብምንም መልክዑ ፍቁድ ኣይኮነን።

ቃንዛ ንከተዕግስ ዝግበር ዓሚቚ ምድንዛዝ!

ካብ ዝቀለለ ፈውሲ ርእሲ ወይውን ፈውሲ ቃንዛ ዝኸውን መድሃኒት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ንነዊሕ ሰዓታት ቃንዛ ንከይስምዓካ ዝግበር መደንዘዚ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ተጽዕኖ ክገብር ስለዝኽእል ቤተክርስትያን ንዝኾነ ከምዚ ዓይነት መድሓኒት ዘዘውትር ናይቲ ሕሙም ጒዕዞ ሕይወት ሰላማውን ቅሱንን ብምሉእ ልብን ክሳብ ዝኾነ ክጥቀሙሎም ትምሕጸን። እዚ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ናይ ሕይወትና ቃንዛ ክብርትዕ እንከሎ እውን ይኹን እቲ ሕሙም ብቀልቡን ሃሙን እናተዋስአ ክግበር ይከኣል። እንተ ንሞት ናይቲ ሕሙም ንምቅልጣፍ ፈሊጥካን ደሊኻን ብቀጥታ ዝግበር ኰይኑ ግን ፈጺምካ ኣይፍቀድን ይብል።

ቨጀታቲፍ ላይፍ ዝበሃል ሃለዋቱ ዘይፈልጥ ሕይወቱ ንምንዋሕ ዝግበር ኣመጋግባ!

እንተስ ብሓደጋ እንተስ ኣብ ግዜ ሕክምና ሓደ ሕሙም ወይውን ሓደጋ ዘጋጠሞ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ እሞ ደሓር ክበራበርን ኣብ ሕልናኡ ክመልስን ስለዝከኣል ብዙሕ ግዜ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ወኑ ክሳብ ዝምልስ ሕልናኡ ክሳብ ዝፈልጥ ኢልካ ዝግበር ፈሳስን መግብን እናሃብካ ዝግበር ቅልስ ጽቡቅ እዩ። ከመይ ይብል እዚ ሰነድ ‘ከመይ ሃለዋቱ ዘጥፈኤ ዘስተንፍስ ሰብ ክብሪ ሰብ ምዃን ኣጥፊኡ ከመይ ዝኾነ ኣፍልጦ የብሉን ምባል ጌጋ እዩ። ስለዚ ፈሳስን መግብን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ክቅለብ ኣለዎ። ናብ ሃለዋት ኣይተመልሰን ኢልካ እቲ ዝወሃብ ፈሳስን መግብን ክቋረጽ የብሉን። ኣብዚ ከምዚ ኩነት ማለት ቨጀታቲቭ ላይፍ እንብሎ ሃለዋቶም ከይፈልጡ ብደገ ብዝወሃቦም ፈሳስን መግብን ብሕይወት ንዝቅጽሉ ሰባት ዝናብዩ ስድራቤታት ነዚ ሸኸም እዚ ክሳብ መወዳእታ ክሽከሙ እኹል ደገፍ ክግበሎም ሓደራ ይብል።

ሕልናኻ ዝብሎ ምኽታትል!

ኣብ መደምደምታ እዚ ሰነድ እዚ ዝጠቅሶ ‘ሕልናኻ ምኽታል ወይውን ሕልናኻ ንዝብሎ ዘይምቅዋም’ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቅድሚ ሕልናኻን እግዚአብሔርን ሓጢኣት እዩ ክገብሮ ሕልናይ ኣየፍቅደለይን ንእትብሎ ነገር ከም ግለሰብ ክትገብር ግዱድ ኣይኮንካን ይብል። ነዚ ብዝምልከት እዚ ሰነድ ንናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ኩነታት ተቁዋማት ሕክምና ከባቢኤን ብምምልካት ካቶሊካውያን ዘቦኦም ግሁድ ኢሞራላዊ ተግባር ንዝኾነ ነገር ካብ ምፍጻም በዚ መሪሕ ሕሳብ እዚ ተመሪሖም ክግትኡ እሞ ምስክርነቶም ክህቡ የዘኻኽር። ዝኾነ ሓኪም ሕሙም ዝደልዮ ወይውን ዝእዝዞ ነገራት ንክፍጽም ግድነት ዘለዎ ኣይኮነን ሞራልን ሕልናኡን ዝብሎ እውን ክሰምዕ ኣለዎ። ስለዚ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ጽፉፍ ክርስትያናዊ ሕልና ሃልይዎም ከምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝገበርዎ ብክርስትያናዊ መንገዲ ንሞት ዝጐዓዙ ክሰንዩ ኣለዎም እንክብል ሰፊሕ መግጺ ይህብ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 September 2020, 13:06