ወንጌላዊ ሕይወት፡ ፓሊያ፥ ናይ ሰብኣውን ሕይወትን ማእከልነት ጽኑዕ መርሕ ወንጌላዊ ሕይወት፡ ፓሊያ፥ ናይ ሰብኣውን ሕይወትን ማእከልነት ጽኑዕ መርሕ 

ወንጌላዊ ሕይወት፡ ፓሊያ፥ ናይ ሰብኣውን ሕይወትን ማእከልነት ጽኑዕ መርሕ

ሕይወት ጸጋ እዩ፡ ጸጋ ከም ምዃኑ እዩ ክንበር ዘለዎ፥ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጺፉ ዝነብር ሕይወት እውነተይና ትርጉሙ እዩ ዘጥፍእ

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረልን ብዝኽሪ መበል 25 ዓመት ወንጌላዊ ሕይወት ዘርእስታ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ መረብታዊ ማሕበርን ንሕይወትን ናይ ሕይወትን መሰል ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 29 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ከም እተሳተፉን መደረ ከምዘስምዑን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለየ ሕይወት ናይ ምክልኻልን መሰል ንሕይወትን ክንክን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ተመክሮ ናይ ምልውዋጥን ናይ ኣስተንትኖን ስፍራ ኣብ ዝነበረ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ፡ ኩሉ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናብ ኣገባብ ምናባውነት ዝቐየረ ኣብ ዝመስለል ዘሎ እዋን ንሕይወትን ናይ ሕይወትን መሰል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ብናይ መላእ ኣመሪካ መረብታዊ ማሕበር ዝተጠልበ ከምዝነበረን እዚ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 29 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ብመረባዊ  ርክባት ካብ ኮሎምቢያ ዝተኻየደ ኮይኑ ብናይቲ ማሕበር ናይ ፈይስቡክን ዩቲዩብን ኣድራሻ እውን ኩሉ ንኽከታተሎ ብዝኽእል ኣገባብ ምክያዱ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ኣብቲ ርክብ ብጹዕ ካርዲናል ፋረልን ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ መርሕ ብርሃን ካብቲ 25 ዓመት ዝዕድመኣ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደርሰት ወንጌላዊ ሕይወት ዘርእስታ” ብዝል ቅዉም ሓሳብ ኣሞርኵይዞም ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን እታ ዓዋዲት መልእኽቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ “ሕይወትን” ሓደስቲ ስግኣት ንሕወትን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ተልእኾ ኣብ ምክልኻል ሕይወት ካብ ምጽናስን ባህርያዊ ሞትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብሰፊሕ እተብርህ ከምዝኾነት ክፍለጥ እንከሎ ሕይወት ጸጋ እዩ ጸጋ ከም ምዃኑ እዩ ክንበር ዘለዎ፥ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጺፉ ዝነብር ሕይወት እውነተይና ትርጉሙ እዩ ዘጥፍእ፡ ነዚ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣተኵሮ ኣብ ሰብኣውነት ማእከል ከብል ከምዘለዎን እዚ ኸእ ረቒቕ ዘይኰነ ጭብጥን ሰብ ከም ስነ ሓሳባውን ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትን ናይ ርክብ ባይታን ዝብል ኮይኑ ሕይወት ጸጋ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ህይወት ማንም ዝህበና ዘይኮነ ኵላትና እንቀባሎ እዩ፡ ስለዚ ናይ ግሊ ንብረትን እትቐብሮ ዘርኢ ዘይኮነ እተፍርዮ ጸጋ እዩ፡ እዚ ክብሪ ሕይወት’ዚ ኣብዚ ክቱር ውልቃውነት ዝብል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ኣዚዩን ህጹጽን ኣገዳስን እዩ ኢሎም።

ወንጌላዊ ሕይወት፡ ናይ ሰብኣውን ሕይወትን ማእከልነት ጽኑዕ መርሕ
01 September 2020, 16:42