2020.09.22 Conferenza stampa di presentazione della lettera "Samaritanus bonus" sulla cura delle persone nelle fasi critiche e terminali della vita 2020.09.22 Conferenza stampa di presentazione della lettera "Samaritanus bonus" sulla cura delle persone nelle fasi critiche e terminali della vita 

Samaritanus bonus - ሕያዋይ ሳምራዊ፥ ተኻኣልነት ተስፋ ሕይወት ብዝያዳ ተኣፋፊ እውን እተኾነ

እቲ Samaritanus bonus - ሕያዋይ ሳምራዊ ዝብል ሰነድ ክርስቲያናዊ ምስክርነት “ኣብቲ ሕይወት ብጓሓፋይ (ከም ውዳቕ) ባህሊ ኣብ ዝጽለወሉ ዘሎ እውን እንተኾነ ተስፋ ወትሩ ክኡል ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ኢሎም። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - እቲ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብርን ናይ ስነ ሕክምና ጸዋዕታን ኣብ ግጥም ኣብ ዘለሉ እዋን - “ኩላትና ግልጺ ዝኾነ ኣስተዋጽኦ ንኸነወፍይ ዝተጸዋዕና ኢና”

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ከቢድ ስግኣትን ኣብ ናይ ሕይወት ፍጻሜ እውን ይሃሉ ወትሩ ክንክን ክረክብን፥ ንዝሓመመ ሰብ እተቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ሕክምናውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣንፊ ከወርድ የብሉን”፥ ምኽንያቱ “ንምሉእ ሰብ ናብ ምክንኻን” ተግባር እዩ ክሰፍሕ ዘለዎ፥  እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ዕለት 22 መስከረም 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ሰነድ ይቃላሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ከቢድ ኣስጋኢ ኩነት ጥዕና ምስ ዝርከብ ዝወሃቦ ክንክን ጥዕና ኵለንተናዊ - ምሉእ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓድሽ ርእየት ተበስር፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ነቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናብ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ከም ፍቑድ ናብ ዝብል ኪደት ዘዘንብል ብዝመስል ሕጊ ንዝጽለው ዘሎ ማሕበረሰብ ኣገዳሲ መልሲ ንምሃብ ዝሃቀነ ከምዝኾነ እቲ ሰነድ ወግዓዊ ንምግባር ዕለት 22 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ሰፊሕ መብርሂ ዝሃቡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረር ክኾኑ እንክለዉ፡ እቲ Samarinatus bonus - ሕያዋይ ሳምራዊ ዝብል ሰነድ ክርስቲያናዊ ምስክርነት “ኣብቲ ሕይወት ብጓሓፋይ (ከም ውዳቕ) ባህሊ ኣብ ዝጽለወሉ ዘሎ እውን እንተኾነ ተስፋ ወትሩ ክኡል ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ኢሎም። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - እቲ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብርን ናይ ስነ ሕክምና ጸዋዕታን ኣብ ግጥም ኣብ ዘለሉ እዋን - “ኩላትና ግልጺ ዝኾነ ኣስተዋጽኦ ንኸነወፍይ ዝተጸዋዕና ኢና” ኢሎም።

ስቓይን ተስፋን ምስክርነትን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ጃኮሞ ሞራንዲ፥ “ስቓይ ብባህርይኡ ተጸዋሪ ዝኸውን ኣብቲ ነቕ ዘይብል ተኣማኒ ተስፋ ኣብ እትህልወሉ እዩ” ቢሎም “ትሑት ግና ርጉጽ ዝኾነ ብተኣማኒ ተስፋ ኣብቲ ከቢድ ፈተና ኣብ ኣንብሎ ስቓይን ሞትን ዘሰንየናን ዘኽእለናን ቅርበት እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዝምስክር እዩ” ኢሎም።

ሰብ ምስ ኵለንተና ዘማእክል

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ፕሮፈሰር ጋብሪኤላ ጋቢኖ እውን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ እቲ ሰነድ ብሰለስተ ማእዝን የቕርብኦ፥ ብቐዳምነት ሰብኣዊ ኩነትን “ተኣፋፍነት ነፍሲ ወክፍ ሰብን”፡ ክንክን፥ “ክንክን ጥዕን ኣብ ስነ ሕክምናውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣንፊ ከተጉድሎ ኣይግባእን” ስለዚህ ናብ ሰብኣዊ ኵለንተናውነት ክሰፍሕ ከምዘለዎ ዘብርህን፡ ብካልኣይ ደረጃ፥ ነቲ ክንክን ዘድልዮ ምክንኻን፡ እዚ ኸኣ ማህበራዊ ምትሕብባር ዝብል ስነ ምግባራዊ ሕቶ ጥራሕ ግምት ዝሃበ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ “ሕጋዊ ግድነት እውን እዩ”፡ ሳልሳይ ደረጃ፥ “ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት ኩነትን ናይ ህልውና ስግኣትን ይረኸበ ክቡር” ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢለን።

ሕሙማንን ነቶም ዝኸናኸንዎም ምክንኻን

ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ፈጻሚ ኣካል ኣባል ፕሮፈሰር ኣድሪያኖ ፐሲኖ እውን ብወገኖም፥ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘርእስቱ ሰነድ ዝድህስሶም ጸገማት ኣማእኪሎም፥ ነዚ ኸኣ ምስ እዋናዊ ስነ ሰብእ ኣተሓሒዞም፡ ኣብዚ ብቐሊሉ ኣክንዲ ኣብ ሰብ ኣብ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ምሉእ እምነት ምንባር ዝብል ኪደት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እቲ ሰነድ፥ “ብግልጺ ኣብቲ ኣዚዩ ኣስጋሲ ዝኾነ ሕማምን ኣብ ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትን ኣብ ዝረኣየሉ ኩነት፡ ሰብኣዊ ርክብ ዘለዎ ኣገዳስነት” የመላኽት፡ “ናይ ህሙማን ጽሞናን በይናውነትን - ይብሉ - እቲ በይናውነት ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን እቲ ንሕሙም ዝኣልይ ዘጋጥሞ ይኸውን” እቲ “ተኸናኻኒ ጥዕና ማሕበረሰብ” - ዝብል እቲ ሰነድ ዝመሃዞ ሓድሽ ቃል - “ምክንኻን ንሕሙማንን ነቶም ኣለይቶምን” ዝብል ሓሳብ ዘስምዕ እዩ፡ ኮቪድ - 19 ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ተነቃፍነት ኣዘኻኺሩና እዩ፡ ርክባትና ዳግም ከነሀልዎ ኣውን ኣገዲዱና እዩ፡ ንኻልእ ክንከናኸንን ደሪኹና እዩ” ብፍላይ ከኣ ከም እግዚኣብሔር ርህራሄ ክህልወና ገይሩ እዩ፡ “ሓደ’ኳ ኣብ ስቓዩ ብፍጹም ጓና ኮይኑ ከይስምዖ መታን” እንክብላ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠቓሊሎን።

Samaritanus bonus - ሕያዋይ ሳምራዊ፥ ተኻኣልነት ተስፋ ሕይወት ብዝያዳ ተኣፋፊ እውን እተኾነ
23 September 2020, 11:15