ፓሮኒን፥ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዞባ ፖለቲካ ሓናጻጺ ፓሮኒን፥ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዞባ ፖለቲካ ሓናጻጺ 

ፓሮኒን፥ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዞባ ፖለቲካ ሓናጻጺ

ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ብዓብይ “ሰብኣውን ክርስቲያናውን ኣስተውዕሎ ነቲ ስንኩፍ ዝነበረ ናይ ስነ ሜላ ርክብ መፍትሒ ክርከቦ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን ክሌኣዊ ርክብ ክመሓየሽ ዝገበረ ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ውዕሊ ሄልንስኪ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ብዓብይ “ሰብኣውን ክርስቲያናውን ኣስተውዕሎ ነቲ ስንኩፍ ዝነበረ ናይ ስነ ሜላ ርክብ መፍትሒ ክርከቦ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ዕለት 29 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ካርዲናል ሲልቨስትሪ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዞባ ኣብ ዝምልከት ፖለቲካ ዓቢይ ግደ ዝነበሮምን ምስቲ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ዝነበረ ምብራቕ ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ርክባት ዘተኣሳሰሩን እዚ ኸኣ ኣብታ Ecclesiam Suam - ቤተ ክርስቲያኑ እተሰምየት ናይ 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ከምዝነበረን ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ “እቶም ስርዓታት ሓደ መዓልቲ ምስ ቤተ ክርስቲያን እወታዊ ናይ ሓባር ዘተ ክህልዎም ከምዝኽእል ተስፋ ኣልቦ ኣይንዅን” እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ብቓልን ተግባርን ዝመስከረ ምንባሩ ካርዲናል ፓሮሊን ገሊጾም፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ንናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ፖለቲካ መፍትሕ ገይሮም ከምእተጠቐሉን እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን ዝነበረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምፍሕፋሕ ንኽውገድ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ከምዘበርከቱን እዚ ኪደት እዚ ካርዲናል ሲልቨስትሪ ኣብቲ ናይ ስነ ሜላ ርክብ ብሰብኣውን ክርስቲያናውን ኣስተውዕሎ ክምራሕ ዝገበሩ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ላ ቨላ ይሕብሩ።

ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ክሌኣዊ ዘተ

ካርዲናል ሲልቨስትሪ ድሕሪ እቲ ብማርክሳውን ስታሊናውን ርእዮተ ዓለም ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓለም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ መልክዓ ኣቀማምጥኣ ዝመርሐ እዩ፡ ናይ ምብራቕ ፖለቲካ ቀዳሞት መዳይቦ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ናይ መራሔ መንግስቲ ዊልይ ብራንት ሜላዊ ለውጢ ዘርከቦ ሓድሽ ቃል እዩ፡ እዚ ኸኣ ቅድም ክብል ዝነበረን ደሓር እውን ኣብተን ስርዓት ዴስነት ዝስዕባ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ዝፍጸም ዝነበረ ኣሳዶ ክቕንስ ኣብ ዝገበሩ ኵነታት ዝተመስረተ እውን ምዃኑ የዘኻኽር፡ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኻን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሳተፉ ተዓዘብቲ ክለኣኹን ኣብቲ እዋን ር.ሊ.ጳ. ምስ ሩሲያውና ሰብ ሓዳር ኣጁበይ ዘካየድዎ ርክብን ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1963 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋርን ቸኮዝላቫኪያን ዘካየድዎ ሓዋርዊ ምብጻሕን ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ናይቲ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዓለም ፖለቲካ ሜላዊ ርክብ ውጽኢት ከምዝኾነ ዘብርሁ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፥

ዓቕሊ ሰማዕትነት

ኣብ ’60 ቀዳሞት ዓመታት ዝተራእየ ኣሳዶን ሰማዕትነትን ህልውና ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ንምጽናት ዝተፈጸሙ ፈተነታት ዘርዚሮም፡ ቅድሚ ክብል ኣብ ’45 ዓመት ጳጳሳት ስተፒናችክ ካርዲናል ሚንድስደዘንትይን፣ ኣቡነ በራንን ውይስዝይንስኪን ኣብቲ ምስ ቫቲካን ዝነበረ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝተበተኸሉ እዋን ኣብተን ምስራቓውይንን ማእከላይን ናይ ስርዓት ዴስነት ዝስዕባ ዝነበራ ሃገራት እቲ ርክብ ከምእተበተኸን እዚ ኩነት እዚ ኸኣ ናይ ሰማዕትነት ትዕግስቲ ከምዝፍጠረን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ካርዲናል ካዛሮሊ ደሓር እውን ካርዲናል ሲልቨስትሪ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ምስራቕ ኤውሮጳ፥ ኣብ ሃንጋርን ቸኮስላቫኪያን ፖላንድን ዘሕምም ሓዋርያዊ መገሻ ከምዝፈጸሙን እዚ ኸኣ ኣብ ገለልተይና ኣብ ዝኾነ ሃገር ዋዕላ ክፍጸም ንዝብል ስምምዕ በሪ ዝኸፈተ ምብጻሕን ከምዝነበረን እቲ ስምምዕ ከኣ ኣብ ሀልሲንኪ ዝተካየደ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ላ ቨላ ይሕብሩ።

ናይ ሓሳብን ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት

ብነበር ሶቪየት ሕብረትን ብቕድስቲ መንበርን ዝተባባዕ ዝነበረ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ካርዲናል ሲልቨስትሪ ናይቲ ኣብ ብዙሓት ኣገራት ክተባባዕ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ዘተ ቀንደይና ተዋሳኢ እዮም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤታት ብምስታፍን ደሓር እውን ኣብ ሀልሲንኪን ኣብቲ እዋን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፥ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምኽባር ዝብል ሓሳብ ዘቃልሑ እዮም፡ ሃገራት እዚ ናይ ውልቅን ናይ ሓባራውን መሰልን ክብርን ከኽብራን ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ክህሉን ዘተባብዑን ምንብሮም ዘኪሮም፥

ዘተ እቲ ዝበርትዔ ሰላም ዝሓንጽ ኣጽዋር እዩ

ናይ ሀልሲንኪ ስምምዕ ናይ ዓቢይ ለውጢ ምዕራፍ እዩ፡ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ ንኽኽበር በሪ ዘርሃወ እዩ፡ እዚ ኸኣ ቀስ እናበለ ክሳብ 1989 ዓ.ም. ምውዳቕ ስርዓት ዴስነት ዘሰነየ እዩ፡ ናይ ሃይማኖት ሕልና ዓቢይ ኣስተውዕሎ ክግበረሉ ዝገበረ እውን እዩ፡ ብሓጺሩ እቲ ናይ ሀልሲንኪ ዋዕላ ሕጽር ብዝበለ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዘተ እቲ ዝበርትዔ ሰላም ዝሓንጽ ኣጽዋር እዩ” እንክብሉ ብዝገልጽዎ ሓሳብ ክጽመር ከምዝከኣል ኣብሪሆም፡ ብሓቂ ንታሪኽን ጻዕርን ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ግብኡ ቦታን ኣፍልጦን ምሃብ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ፓሮኒን፥ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ናይ ቫቲካን ናይ ምስራቕ ዞባ ፖለቲካ ሓናጻጺ
15 September 2020, 17:34