ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ተሓዲሱ ዳግም ኣብ ሕትመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ተሓዲሱ ዳግም ኣብ ሕትመት 

ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ተሓዲሱ ዳግም ኣብ ሕትመት

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ”፥ ብሕትመትን በቲ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ክኸውን እንከሎ፡ ብሓደስቲ ሜላ መራኽቢ ብዙሓን ክተግዕዞ ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መመውዓሊ ዘለዎን ብናጻ ከተራግፎ ዝከኣል እውን እዩ።

ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ብኣቐራርባኡን ብትሕዝቶኡን ተሓዲሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለው ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ካብ ዝመሓደሩ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓደ ኣካል ኮይኑ ብሰፊሕ ዜናታትን ጥልቂ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ዘቕርብ ኮይኑ ዳግም ንሕትመት ከበቕዕ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ - ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሸሞንተ ገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እዋናዊ ኵነት ቫቲካንን ሃይማኖትን ባህልታትን ብዓቢይ ጭቡጥን ቅዉም ሓሳብን ዘቕርብ ገጽ ዝተሓወሶን፡ ወትሩ ሰሉስ ኣርባዕተ ገጽ፡ ሰሙናዊ ባህላዊ ጉዳይ ዘጠቓልልን ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ሃይማኖታውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉደናታት ዓለም እትርከብ ቤት ሕክምና ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘቃልሕን፡ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ናይቲ ዓውሎማዊ ዓለም ዜና መዋዕል መልክኣ ሓባርን ዘቕርብ ከምዝኾነን፥ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ መልክዑ ብፍሉይ ተሓዲሱን ኣብዚ ሓድሽ ዓለም ብዙሕ ዘይንገር ሰናይ ዝኾኑ ዜናታት ዘቃልሕን ኣብቲ ብዙሕ መዓትን መከራን ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ዝዕንብብ ተስፋን ገዓርን ትጽቢታት ናይቶም ኣዚዩም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ዝተጠንጠኑ ኣብቲ ፍሰት ሓበሬታ ኣብ ዝበዝሓሉ ዓለም ብዛዕባ እቶም ዘይንገረሎም ዝነግርን ዝዛረብን እዩ።

ብሕትመትን ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙሕንን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ”፥ ብሕትመትን በቲ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ክኸውን እንከሎ፡ ብሓደስቲ ሜላ መራኽቢ ብዙሓን ክተግዕዞ ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መመውዓሊ ዘለዎን ብናጻ ከተራግፎ ዝከኣል እውን እዩ። ኣብቲ ብዙሕ ፍሰትን - ፈሰስ ሓበሬታ ኣብ ዝቐርበሉን ዝረአየሉን ርባጸ ደው ዝብለሉ ሕሞት ዘይብሉ ዓለም ክንየው ዝብል፥ ክንየው እዚ ኩሉ ተርባጽ ምስትውዓል ዘተባብዕን ጭቡጥን ዘዛትን ዘዋስእን ሕዳሴ ተላቢሱ ይቐርብ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን

ስእላዊ መልክዑ ለዊጡን ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ ኣገባብ ዝቐርብ ኮይኑን ኣካል ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ኮይኑን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን፥ ራዲዮ ቫቲካን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብተለቪዥንን ዜና መዋዕል ብራዲዮን፡ ሓበሬታ ብራዲዮን ሓባሪ መርሓ ግብርታትን ፍሉዩ ዓሚዩቕ መደባትን ጸብጻባትን ዘገባን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሙዚቃን፥ ብጠቕላላ በርብዓ ቋንቋታት ብሳታላይትን ብሓጸርቲ ሞጎዳትን ብመረብታዊ መራኽብያንን ኣቢሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝስማዕ እዩ። ብናይ ዜና ቫቲካን ወግዓዊ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ዜናታትን ቃለ መሕትታትን ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታን ብ35 ቋንቋታት የቕርብ፡ ፍጻሜታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ቫቲካንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብማሕበራዊ መርበብን ብመራኸቢ ሓበሬታ የቕርብን ዘቕርብን እዩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ተሓዲሱ ዳግም ኣብ ሕትመት
30 September 2020, 18:47