ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች 

ቅድስቲ መንበር፥ ሰላማዊ ፍትሒ ንህልው ኵነታት በላሩስ

ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦም ምስ ኣብቅዑን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስ

ናይ በላሩስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ንምእላይ ፍትሕን ሕዝቢ ጽን ምባልን ንሰላም መሰረት ምዃኑ ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዛዕባ ህልው ኩነታት ሚንስክ ኣማእከሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 45 ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ቅድስቲ መንበር፥ ሰላማዊ ፍትሒ ንህልው ኵነታት በላሩስ
ቅድስቲ መንበር፥ ሰላማዊ ፍትሒ ንህልው ኵነታት በላሩስ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በላሩስ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒረ ንዝበሉ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮ ዝቃወምን እቲ ሕዝብዊ ምርጫ ዝተደናገረ እዩ ብዝብል መርሕ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጽንኩር ናዕቢ ኣብ ዝፈጥሮ ዘሎ ውጥረት ሰላማውን ቅኑዕን መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ከምዘቕረበትን ህልው ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት በላሩስ ይብሉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፥ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ በላሩስ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዝኾነ ይኹን ውጥረት ብመገዲ ሰላም ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች እቲ ውጥረት ብቕኑዕ ዘተን ዓመጽ ኣይፋል ብዝብልን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓለፋ ብዝብል ኣገባብ እዩ ዝፍታሕ፥ እቲ ዝመጽእ ሰላማዊ ኩነት እውን ዘላቒ ይኸውን፥ ካብዚ ወጻኢ ዘላቒ ሰላም ውሑስ ንምግባር ዝከኣል ኣይኮነን ቢሎም፥ ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦም ምስ ኣብቅዑን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እወክፍ ቢሎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላምን ናይ ቅዱስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበለዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅርበት ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንመላ ህዝብን ሃገርን በላሩስ ንኸረጋግጹ ሚንስክ ካብ ዕለት 11 መስከረም ክሳብ ዕለት 14 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ምብጻሕን ዘኪሮም ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ በላሩስ ዝረአይ ዘሎ ውጥረት ብዘተ ንኽፍታሕ ጻውዒት ተቕርብ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣገዳስነት ሰላማዊ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፍን ንሕዝቢ ጽን ምባልን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኤቅለሲያዊ ተልእኾን ማሕበራዊ ዕርቅን ማሕበራዊ ጥምረትን ንምርግጋጽ እተበርክቶ ዓቢይ ግድ ብዕሞቆት ኵሉ ክርድኦ ተላብዮም፡ ዝኾነ ይኹን ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፥ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን ብምኽባር ሰላማዊ ክኸውን ከምዘለዎን ሕዝቢ ዘቕርቦ ሕቶ ክስማዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስቲ መንበር ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ትላበው። ዝኾነ ይኹን ምእንቲ ንናይታ ሃገር ሰላም ውሑስነት ኩሉ ኣብ ዘተ እዩ ከተኩር ዘለዎ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር፥ ሰላማዊ ፍትሒ ንህልው ኵነታት በላሩስ
19 September 2020, 21:21