ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ጭቡጥ ስግኣት ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነት እዩ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ጭቡጥ ስግኣት ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነት እዩ 

ቅድስቲ መንበር፥ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ጭቡጥ ስግኣት ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነት እዩ

ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ንምብዳህ ብዝብል ሸቶ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ገበን ጉጅለታት መስሕብ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ዘሰክፍ ብምዃኑ ናይ ኩሉ ቅንዕና ይጠልብ

ብኣህጽሮት ቃል Osce ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ውድብ ድሕነትን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሊቀ ጳጳሳት ባልቮ፡ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንዘስዓቦ ቅልውላ ንምብዳህ ዝምደብ ሃብቲ ገንዘብ ከይተረፈ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ንግድ ንምቁጽጻር ዝቛምት ዝምባለ ይረኣይ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም፡ ተነቀፍትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይንጽል ንናይ ሓባር ጥቕሚ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ረፓብሊካዊት ቸክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ነቶም ኣብ ፕራጋ ካብ ዕለት 10 – 11 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ናይ ኤውሮጳ ናይ ድሕነትን ምትሕብባርን ውድብ ኣብ ዘካየዶ ናይ ኤኮኖምን ከባብን ዓወደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ብጹዕ ኣቡነ ቻርለስ ባልቮ፡ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምውጋእ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበራ ፒሮ፥ ብላዕን ምብጋረ ብልሽውናን ጭቡጥ ንናይ ሰላምን ድሕነትን ከቢድ ስግኣት እዩ ከምዝበሉን፥ ብፍላይ እቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ንምብዳህ ብዝብል ሸቶ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ገበን ጉጅለታት መስሕብ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ዘሰክፍ ብምዃኑ ናይ ኩሉ ቅንዕና ይጠልብ። ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዝረኣይ እውን እዩ፡ ስለዚህ ከምዘሎ ኣፍልጦ ምስ እትህበሉ ጥራሕ እዩ ክትዋገኦን ክትብድሆን ዝከኣል ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ንናይ ሓባር ጥቕሚ ድጋፍ

ሓድሽን ዝተሓደስን መፍትሒ ምንዳይ ከምዝግብኣ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዝገማምዕን ዝፓትለኸን ከፊላውን ኣደላውን ዘይኮነ ብሓቂ ንናይ ኵሉ ረብሓን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝኣመተ ኪደት እዩ ዘድሊ። በዚ መንጽር’ዚ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ማሕበራዊ ዕዮ ብዝተፈላለያ ትካላት ንኸካየድ ዝፍጸም ውዕላትን ምውፋር ስራሕ ዝቆጻጸር ግልጽነትን ዘለዎን ዘይሕጋውነት ንምቁጽጻር ዘጽደቕዎ ሕጊ ዘኪሮም፡ እዚ ውሳኔ እዚ ናይ ሕዝቢ ንብረት ዝምንዝዕን ዘይናቶም ናይ ሕዝቢ ንብረት ንናይ ውልቂ ረብሓ ዘውዕሉ መላእ ማሕበረሰብ ዘድምይ ምግባረ ብልሽውና ንምቁጽጻርን ንምውጋእን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

ናይ ሓባር ንብረት ኣብ ምምሕዳሩ ግልጽነት

ናይ ሓባር ንብረት ኣብ ምምሕዳር ግልጽነትን ሓላፍነትን እንተድኣ ጎዲሉ - ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ዝመርሑ ሊቀ ጳጳሳት ባልቮ - ጽኑዕን ዘላቕን ምዕባለ ኤኮኖምን ድሕነትን ንሓደጋ እዩ ዝቃላዕ፡ ብዝገደደ እውን ከም ፍሽለት ዳርጋ ዝሕሰብ እዩ ስመዝል፡ ምስ በሉ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብባህልን ብመደብ ሕንጸትን ብናይ ዜጋታት ተዋሳእነት ከይተረፈ እውን ምውጋእ የድሊ፡ ምኽንያቱ ሕጊ ኣድላዪ እዩ ይኹን ደኣ እምበር ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፡ ምእንቲ’ዚ ብትብዓት ዜጋታት ካብቲ ሰፊሑ ካብ ዝረአይ ዘይተገዳስነትን ሸለልትነትን ናይ ሕዝቢ ሕልና ምብርባርን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ክዋግኦ መታን እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ጭቡጥ ስግኣት ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነት እዩ
12 September 2020, 21:56