ቅድስቲ መንበር፥ ኣርጋውያን ምክልኻል ኣብ እዋን ለብዒ እውን ቅድስቲ መንበር፥ ኣርጋውያን ምክልኻል ኣብ እዋን ለብዒ እውን  

ቅድስቲ መንበር፥ ኣርጋውያን ምክልኻል ኣብ እዋን ለብዒ እውን

ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ዕለት 21 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ

ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብ ጀነቭ ኣብቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ መበል 45 ክፍለ ዓውደ ጉባኤ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኸቢድ ሓደጋ ኣዚዩ ዝተቓልዔ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ወለዶ ዓቢይ ሃብቲ፥ ናይ ኣረጋውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክልኻልን ብዛዕብ እዚ ጉዳይ’ዚ መሰልን ክብርን ኣረጋውያን ሓባሪ ብቑዕ ተክለ መልክዓ ምቕራብ፥ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ዕድመ ገደብ ዘይፈልጦ እዩ፡ ንኹሉን ናይ ኵሉን! ስለዚህ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን እዚዮም ንስግኣት ዝተቓልዑ ልክዕ ከም ናይ ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎ ከምዝግባእ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ዕለት 21 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘተሓሳሰቡን፥

ኣገዳስነት ናይ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰልን ክብርን ጉዳይ ሓባሪ ሰነድ

ኣብቲ መበል 45 ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ውድብ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣረጋውያን ከምዝመኸረን፡ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ናይ ኣረጋውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ህልው ኩነታት ዝሕብር ጭቡጥ ጸብጻብ መሰረት ገይሮም ኣሉታውን እወታውን ጐድንታቱን ብዕምቆት ሓቢሮም፡ እቲ ጸብጻብ ብቑዕ ከምዘይኮነን ብተወሳኺ እውን ጥንቁቕን ናይ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠለብ ብጥልቂ ዝዳህሰሰ ከምዘይመስል እውን ሓቢሮም፡ እቲ ጻዕሪ ናይ መጀመሪያ እምበር ናይ መወዳእታ ክኸውን ከምዘይብሉ ተላብዮም፡ ናይ ኣረጋውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብጥልቂ ሓባሪ ሰነድ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

ዕድመ መሰረት ዝገብር ኣድልዎ ከይህሉ

ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘስዓቦ መጉዳእቲ ብፍላይ እቶም “ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዝነበሩ፡ ዝኸፈልዎ ናይ ሕይወት መስዋዕትነት ማእለያ የብሉን፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዘሎ ኩነታትን ኩነታቶምን ብቕረባ ምክትታልን ብቐረባ መእለዪ ኣረጋውያን መደበይና ምቁጽጻር ክግበረሉን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ካብቲ ለብዒ ዘስዓቦ መጉዳእቲ ንመሃር፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ምሕዳጎም ዘይኮነ ጥዕናኦምን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ጥንቑቕ ምክትታል የድልዮ” ከምዝበሉ ፒሮ የመላኽታ።

ኣረጋውያን ምክንኻን፡ እጹብ ሃብቲ እያቶም

ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ እዋን ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኮቪድ-19 ብዘስዓቦ ለብዒ ከቢድ መስዋዕትነት ዝኸፈሉ እያቶም፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚን ካልእን ጸገም ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ እጽቡ ሃብቲ ምዃኖም ኣይሓኮን፡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ሰብኣዊ እጹብ ሃብቲ እያቶም፡ ምክንኻኖምን ምክልኻሎምን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ምሕላውን ምኽባርን ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ” ምእንቲ’ዚ “ዝኾነ ይኹን ናይ ኣረጋውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዘተዓናቕፍ ህልው ጸገም ክውገድን ጥዕና ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ኣብ ዓለም ምክትታልን ግቡእ ግምት ክወሃቦ ዘለዎ ወሳኒ ጉዳይ እዩ” እንክብሊ ዘስምዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ፒሮ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር፥ ኣርጋውያን ምክልኻል ኣብ እዋን ለብዒ እውን
22 September 2020, 18:25