ድለ

ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ጋላገር ኣብ በላሩስ ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ጋላገር ኣብ በላሩስ 

ምብጻሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ጋላገር ኣብ በላሩስ

ብጹዕ ኣቡነ ጋላጋር ብቐጥታ ናብ ናይ በላሩስ ናይ ወጻእ ጉዳይ ሚኒ. ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ምስ ናይ በይሎሩሲያ ናይ ወጻእ ጉዳይ ሚን. ቭላድሚር ማከይ ክሌኣዊ ዘተ ከምዘካየዱን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር በላሩስን ዘሎ ርክብ ኣብ ዓውዲ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦም ምስ ኣብቅዑን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እወክፍ ከምዝበሉን፥  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩነታት እታ ሃገር ብቐረባ ከምዝከታተልዎን ዘተ ክተባባዕን ክትግበርን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ክውገድን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ኵሉ ግቡኡ ክፍጽም እላበው ከምዝበሉ፡ ነቲ ኣብ በላሩስ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ እወታውን ኣሉታውን ኩነት ብዓቢይ ኣተኵሮ ከምዝከታተሉን ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ በላሩስ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮን ተቓወምትን ዝረአይ ዘሎ ውጥረት ብዘተ መፍትሒ ክረክብ ናይ ኵሉ ተስፋ ክኸውን እንከሎ ናይ ቅዱስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበለዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅርበት ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንመላ ህዝብን ሃገርን በላሩስ ንኸረጋግጹ ሚንስክ ዕለት 11 መስከረም ኣትዮም ክሳብ ዕለት 14 መስከረም 2020 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሕትመቱ ከምዝሓበረን፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ጨንፈር ርክባት ወጻኢ በዓል መዚ ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ቡትናሩ ተሰንዮም ዕለት 11 መስከረም ሚንስክ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይ በላሩስ ምኽትል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሰርገይ ኣለይኒክን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ በላሩስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክብሩ ማሀር ቻማስን ኣቀባብላ ከምተገበረሎም ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላጋር ብቐጥታ ናብ ናይ በላሩስ ናይ ወጻእ ጉዳይ ሚኒ. ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ምስ ናይ በይሎሩሲያ ናይ ወጻእ ጉዳይ ሚን. ቭላድሚር ማከይ ክሌኣዊ ዘተ ከምዘካየዱን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር በላሩስን ዘሎ ርክብ ኣብ ዓውዲ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት መንፈሳውነት በይሎሩሲያን፡ ተልእኾ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ናይ ሕዝቢን መንፍሳውነት ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምዘካየዱ የመላኽት።

ዕለት 12 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሚንስክ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ በላሩስ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ተራኺቦም ብድሆታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ በላሩስ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመያይጦምን ቅርበትን ድጋፍን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣረጋጊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኣበይን መዓስን ንመንነታን ንወንጌላዊ ተልእኾኣን እምንቲ ክትከውንን ማዕረ ማዕረ እውን ናይ ማሕበራዊ ጥምረት መጋበሪያ ብምዃን ንኽትነብሮ ዝተጸውዔት ከምዝኾነት ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ከምእተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ቐትሪ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ሚንስክ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ካቴድራል ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተዮሎጊያ ተቕዋምን ኣብ ካልኦት ካቶሊካውያን ካቴድራላትንን ምብጽሕ ከምዘካየዱን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኢእግዚኣብሕሄራውነት በላሩስ ዳግማይ መንፈሳዊ ውልደት ክስምዖም ዝገበረ ምዃኑ ሎ ሶርቫተረ ሮማን ኣፍሊጡ፡ ምስ ናይ በይላሩስ ምኽትል ናይ ወጻእ ጉዳይ ሚኒስትርን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ በላሩስ ልኡከ መንግስቲ ሰርግረይ ማለይንኪ ከምእተራኸቡን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ኣማእኪሎም እውን ከምእተመያየጡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 13 መስከረም ሰንበት ኣብ ሚንስክ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብግሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካቶሊካውያን ኣብ በይላሩስናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ከምእተሳተፉን ኣስዒቦም ኣብ ቅዱስ ስፍራ ኩሎም ሰማዕታት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ሊቀ ካህናት ፍዮዶር ፖቭንይ ከምእተራኸቡን እቲ ዘካየድዎ ርክብ ናይ በይላሩስ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያናዊ ኣብታ ሃገር ዘለዋ ዓቢይ ግደ ብዝብለጸ ንኽፈልጡ ከምዝገበሮም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ ብጹዕነቶም ዕለት 14 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

18 September 2020, 15:19