ምትኽኻእ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ምትኽኻእ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት 

ምትኽኻእ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት

ተወላዲ ማልታ 63 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ማልታ ናይ ጎዞ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረኽ ካብ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ምሉእ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብቕዱስነቶም ከምእተሰምዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ተራዳኢ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንኸገልግሉ ዝሓረይዎም ተወላዲ ማልታ 63 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ማልታ ናይ ጎዞ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረኽ ካብ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ምሉእ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብቕዱስነቶም ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ኣቡነ ግረኽ ነቶም ዕለት 28 መስከረም 2020 ዓ.ም. መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ንዘኽርቡ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንዘገልገሉ ንብጹዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ዝትክኡ ከምዝኾኑን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ሓላፍነቱን ዕላማኡን ኣዕሚቖም ንኽፈልጡ ብዝብል መደብ ኣብ ጐድኒ ብጹዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኮይኖም ክዓዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብወግዒ ከምእተረከቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ኣቡነ ግረኽ ዕለት 20 ለካቲት 1957 ዓ.ም. ኣብ ቃላ ዝተወልዱን ኣብ 1984 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎምን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ዓ.ም. ናይ ጎዞ ጳጳስ ንኽኾኑ ብበነዲክቶስ መበል 16 ከምእተሰምዩን ብዙሕ እዋን ብዛዕባ እቶም ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ስደተይናታትን ዘጋጥሞም ሓደጋ ኣማእኪሎም መልእኽቲ ዘቕርቡን፥ ጸኣት ስደተይናታት ብንቀበሎም ኣይንቀበሎም ዝፍታሕ ዘይኮነ ቀንዲ መንቀሊኡ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ከምዝነበሩን ብቕንዕናን ብልላይን ጥንቃቔን ብሓላፍነትን መፍትሒ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ፡ ከይኣትዉ ብምዕጋት ዝፍታሕ ኣይኮነን፡ ሕብረተሰብኣዊ ክስተት እዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ምትኽኻእ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት
21 September 2020, 17:13