ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ዛማኚ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ዛማኚ  

ዝሓመመ ኤኮኖሚ፡ ዛማግኚ፥ ለውጢ ተኻኣሊ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ንዝሓመመ እዋናዊ ናይ ኤኮኖሚ ሜላታት ክፍውሱ እዮም ዝደልዩ፡ ናይ ስርዓተ ንግድ ኣይህያሉ ኣይኮነን ዝብሉ ዘለዉ

ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንጽብሒቱ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ዛማኚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓቛፊ ብልጽግናን ማእከልነት በረኸትን ሕዳሴ ንናይ ቁጠባ ዕዳጋን ናይ ምሕርቲ ማሕበራዊ ክብርን ዝብሉ ኣቶም ብቕዱስነቶም ዝተሰመረሎም ገለ ገለ ጭቡጣውያን ነጥብታት በሰፊሕ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናብ “ሕሙም ኤኮኖሚ“ ዘሰጋግር “ምዕባለ ዘይምዕሩይ ኤኮኖሚ” ንሱ ኸኣ ውሑዳት ናይ መላእ ሕዝብ ዓለም ሃብቲ ዝውንኑ  ክህልዉ ዝገብር እንክብሉ ዝገለጽዎ ዓሚይቕ ሓሳብ ብዝተፈላለያ ማዕከናትን ብናይ ዝተፈላለዩ ስነ መጽናዕትታት ደንበ ይቃላሕን ትንታነ እውን ይዋበሉ ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ዓለም ብጥምየት ክሃልቁን ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል እውን ተሓሪምዎም ይርከቡ ከምዘለዉ እውን ገሊጾም፡ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሉጻት ኮይንና ክንወጽእ እውን ከምእተላበዉን ይዝከር። ማሕበራዊ ኢማዕርነት በቲ ለብዕን ከምኡ እውን በቲ ኣብ ልዕሊ ዘፍጥረት ብሸለልትነትን ዝፍጸም ከቢድ ማሕሰይቲ ከም ምዕራብን ምብርቕን ጸሓይ ከምዝመላለስ ጭቡጥ ኩነት እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎን ብሓፈሻኡ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣቦ መንበር ናይ ስነ ኤኮኖምን ቁጠባን ሊቕ ስተፋኖ ዛማኚ፥

ር.ሊ.ጳ. ንዝሓመመ እዋናዊ ናይ ኤኮኖሚ ሜላታት ክፍውሱ እዮም ዝደልዩ፡ ናይ ስርዓተ ንግድ ኣይህያሉ ኣይኮነን ዝብሉ ዘለዉ፡ ኣድላዪ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ፡ እቲ ኤኮኖምን ቁጠባን ዘጓነፎ ሕማም እዮም ዝሕብሩ፡ ስለዚ ነቲ ሕማምን ሳዕቤኑን መርሚርካ ምሕዋይ ከምዝከኣልን ብኸመይ መገዱ ኸኣ የመኽክቱ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት እቲ ፈውሲ ሃብቲ ምውሳኽን ናይ ሓንቲ ሃገር እቶት ክብ ምባልን ዝብል መገዲ እዩ ክስበኽን ክሰዓብን ዝጸንሔ፡ በዚ ኣቢልካ ጸገማት ኩሉ ምትኽኻል ከምዝከኣል። ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እቶት ክብ ኢሉ እዩ እንተኾነ ግና ማዕረ ማዕረ እውን ኢማዕርነት ክብ ኣበለ፡ እቲ ፍቱን ፈውሲ ኸኣ “ሓቋፊ በረኸት” ንኹሉ ዝሓቁፍ ማንም ዘይንጽል ምዕባለ ምዃኑ ይሕብሩ። እቲ ካልኣይ ፍወሲ ድማ ማሓድሮኣዊ ውድንነትን ውሳጣዊ ውድንነትን እዩ። ከምቲ ቅዱስነቶም ቅድም ክብል ኣብ ይሴባሕ ዓውዲ መልእኽቶም ኣብ ፍቕዲ 10 ውሳጣዊ ሰላም - ዝህብ እንክብሉ ዝገልጽዎ እዩ።

እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጽቡቕ ድላይ ወሳንን ኣገዳስን እዩ። ቅድም ቀዳድም ናይ ቁጠባዊ ዕዳጋ መምርሕታት ምቕያር፡ ቁጠባ ዝሓመመ ጉጉይ መምርሒታት ስለ ዘለዎ እዩ፡ መንግስታት ብሓባር ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተራኺቦም እቲ ዝሓመመ መምርሒ ክልውጡ ጽቡቕ ድላይ ገይሮም ክለዓዓሉ የድሊ፡ ንኣብነት ኽወላ ቁጠባዊ ሃብቲ እንብሎ ግብሪ ናብ ዘይኽፍላ ሃገራት ናይ ቑጠባ ሃብቲ ምስግጋር ከይህሉ ምግባር የድሊ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዘይማዕርነት ኣብ ዓለም ክብ ክብል ስለ ዝገብር፡ ብኻልኣይ ደረጃ ይብሉ - ቁጠባ ኣብ ኣገልግሎት ጭቡጥ ኤኮኖሚ ክውዕል ምግባር፣ ሎሚ ከምዚ ኣይኮነን ዘሎ። ኣብ ርሑቕ ዘመናት ቁጠባ ኣብ ደገፍ እቶም ድጋፍ ዘድልዮም ትካላትን ኣባቲ ስድራን እዩ ነይሩ፡ ስለዚ እዚ ዓይነት ኪደት ቁጠባ ዳግም ምምላስ የድሊ። ርእሰ ወከሳውነት ከብቅዕ ኣለዎ፡ ስለምንታይ ቁጠባ ተወሳኺ ክብሪ ስለ ዘየምርት። እቲ ናይ 2007ን ናይ 2008ን ዓ.ም. ቁጠባዊ ቅልውላው ንጹርን ጭቡጥን ኣብነት እዩ። ሳልሳይ ትካላት ንበዓል ብርካውያን ንዝለዓለ መኽሰብ ካብ ዝብል መባጼሕ ክላቐቓ ኣለወን። ቅድሚ ቁርብ ዓሰርተ ማዕልታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኤኮኖሚ ናይ ዓበይትን ነኣሽቱን ትካላት ዋኒናት፥ ኤኮኖሚ ንናይ ትካላት በዓል ብርካውያን መኽሰብ ካብ ዝብል ቅንይት ተላቒቝ “ንምህርቲ ማሕብራዊ ክብሪ” ክቐውም ኣለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም እቲ ዘድሊ እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ እዩ። ሃብት ዘበጽሕ እምበር ዝብሕት ኤኮኖሚ ክህሉ የብሉን ሳዕቤኑ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ውሑዳት ክህብትሙ ኣብላጺ ሕዝቢ ዓለም ከኣ ናብ ድኽነት ይድርኽ።

ናይ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ማሕበረ ክርስቲያን፡  ሓደ እኳ ሽጉር ከይኸውን ኵሉ ብርኪ ክህልዎን ጥዑይን ፍትሓውን ርትዓውን ዓለም ከፍሪ መታን ናይ ቀዳሞት ክፍለ ዘመን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብነት ናቱ ገይሩ ዝተዓደሎ በረኸት ምእንቲ ንኻልኦት እውን ክከናኸኖን ክፍርዮን ዝበልዎ ምዕዳን ዝዘከሩ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣቦ መንበር፥ ኣብ መንጐ ናይ ግልን ናይ መንግስትን ንብረት ወይ በረኸት ናይ ማሕበረሰብ (ናይ ማሕበራውነት) ንብረት ወይ ውን በረኸት ኣሎ፡ ንኣብነት ከባብን ሃብቲ ማይን ጸረ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ክትባት እውን ናይ ሓባር ወይ ከኣ ናይ ማሕበራዊ ንብረት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናይ ግልን ናይ  መንግስቲ ትካላትን ንብረት ክኸውን የብሉን። ናይ ኵሉ ንብረት እዩ ክኸውን ዘለዎ ብኹሉ ዝብጻሕን ተበጻሕን። እዚ እዩ እቲ መርትዖ፡ ቅዱስነቶም ብግልጺ ኣመላኺተምዎ እዮም። ማሕበረ ክርስቲያን ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝትግብር ክኸውን ኣለዎ። ናይ መርትዖ ናይ ሓባር ንብረት - በረኸት ዝምስክርን ዝነብርን ምእንቲ እዚ እዩ ተጓረንቲ ወይ ከኣ ናይ ምትሕብባር ማሕበረሰብ ዝተወልዳ ኢሎም።

ዛማኚ፥ ር.ሊ.ጳ. ናይ ኣባይቲ ስድራ ግደን ዕማምን መሰረታዊ ምዃኑ ቅድም ክብል ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም። ዘይሃነጽቲ መምሃራን ናይ ክፋእ መምሃራን ስድራ ቤት ክም ቅዋመ ምፍራስን ኩሉ ናብ ቀጥዒ ኣልቦ ውልቃውነት ከብልን በዚ ኣገባብ’ዚ ህልው ኩነታ ምምሕያሽ ይከኣል ዝበሉ ኣለዉ፡ እዚ እቲ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ ስለምንታይ ስድራ ቤት እታ ቀዳመይቲ ኤኮኖሚ እያ። እዚ እንተድኣ ረሲዕና፡ እቲ ኵነታት ክቅየሩን ከመሓየሹን ካብ ዘኽእሉ ሓደ ኢና እንርስዕ። ናይ ሕጻን ቀዳመይቲ ሓኪምን ፈዋሲትን ስድራ ቤት እያ፡። ቀዳማይ ቤት ሕንጸትን ቤት ትምህርትን ንመንእሰያት ስድራ ቤት እያ፡ ስለዚህ ስድራ ቤት ኣብ ናይ ሰባት ተክለ ሰብነት ዳግም ማእከል ምግባርን ብፍላይ ደቀንስትዮ ማእከል ክኾና ይግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 August 2020, 01:24