ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ  

ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ

ብዓቢይ ትሕትና ነታ ናይ ምልካውያን ወተሃደራዊ ስርዓት ጅሆ ንዝነበረት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ወንጌላዊ ሰላም ከምዘበሰሩን

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እንከለዉ፡ ከም ሎሚ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 25 ነሓሰ 1968 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ውፉይ ፍቕርን ፍትሕን ዘማእከለ ዝለገስዎ ምዕዳንን ምስ ሓረስቶትን ገባሮትን ዘካየድዎ ርክብን ብጠቕላላ እቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ኩሉ ልቢ ክሕተም ከምዝገበረ ጸብጻብ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ የዘኻኽር።

ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ
ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዕለት 22 ነሓሰ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩን ክሳብ ዝዛዘሙሉ ዕለት እቲ ልዑል ር.ሊ.ጳ. ዝብል መጸውዕ ናይ ሮማ ጳጳስ ብመንፈስ ቅርበትን ውሉድነትን ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ብዝብል ብቀጥታ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ  ጴጥሮስ መጸውዕ ስሞም ብምቅላሕ ፍቕሩ ከምዝገለጸሎምን ናይታ ክፍለ ዓለም ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንንባብ ከብቅዑን እቶም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ንላቲን ኣመሪካ ዝበጽሑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቦጎታ ክኣትዉን ካብ ዝተጓዓዙላ ነፋሪት ወሪዶም ኣብራኾም ዓጺፎም መሬት ኮሎምቢያ ክስዕሙን ዝተገበረሎም ዕዙዝ ኣቀባብላ ኣብቲ ዝሓለፍሉ ዝነበረ መገዲ ብየማንን ብጸጋምን ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብጣቕዒትን መዛሙርን ከምዝቐረበሎምን ብዓቢይ ትሕትና ነታ ናይ ምልካውያን ወተሃደራዊ ስርዓት ጅሆ ንዝነበረት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ወንጌላዊ ሰላም ከምዘበሰሩን ጸብጻብ ደ ካሮሊስ የዘኻኽር።

እቲ ናይ 72 ሰዓት ሓዋርያዊ መገሻኦም ጽዑቕ መርሓ ግብሪ ዝነበሮን ነቶም ዝተራኸብዎም ብትኽክል ዝምልከት ሓጺርን ጽዑቕን መደረ ብምልጋስን ነቶም ዝተራኸብዎም ሓረስቶትን ገባራትን ነኣእቶም፥ ንኡሳን ዝመስሉ ዓበይትን ክቡራት ክፍሊ ሕብረተሰብ እንክብሉ ገሊጾምን ነቶም ኣብ መርሕነት ንዝነበሩ ንኹሉ ንኸገልግሉ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር ድኽነት ንዝርከቡ ሓላፋ ክብሉ ዝተጸውዑ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ሓላፍነት ንገልግሎት እትቕበሎ ጸጋ ምዃኑ ብዕምቆት ከምዘብርሁ ደ ካርሊስ ኣብ ዘቕረብዎ ኣብቲ ናይቲ ምብጻሕ ዘካሪ ጸብጻብ የመላኽቱ።

ንመላእ ሓረስቶትን ገባራትን ዝውክሉ 300 ሓረስቶትን ገባሮትን ዘሳተፈ ዘዕረግዎ ታሪኻዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ዘቃልሕዎ ናይ ቅርበትን ሓልዮትን ልቢ ኩሉ ዝተንከፈን፡ እዚ ኸኣ እቶም ሓረስቶት ንፈለማ ግዜ ካብ ካልእ ዘይረኽብዎ ምትሕብባር ብፍላይ ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክረኽብዎን ክሰምዕዎን ሓጐስ ከምዝፈጠረሎምን ልባዊ ውዕዋዔ ከምዘለዓዓለሎም ዘዘኻኸሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ “ኵነት መነባብሮዅም እንፈልጦ እዩ፡ ናይ ከቢድ ጻዕርን ስቓይን ድኻምን ብዙሕ እዋን ትሕቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዝኾነ መነባብሮ እውን እዩ፡ ሕጂ ብጽሞና ትሰምዑና ኣለዅም ኣንሕና ብትኽክል እቲ ናብ ሰማየ ሰማያት ዝበጽሕ ገዓርኩምን ናይ ብዙሓን ካልኦት ገዓርን ካባቲ ጽሞናኹን ንሰምዖ” ክምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ዘይርሳዕ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣቖሙ፡ ናይ ላቲን ኣመሪካ ናይ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካልኣይ ጉባኤ መሪቖም ኣበገሱ፡ ንጓሶትን ዋላ’ኳ እቲ ዝነብርዎ ካብ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝረአይ ካብ ዝነበረ ናይ ’68 ዓ.ም. ኩነት ዝተፈለየ ይንበር፥ “ናይቲ እንነብሮ ውፉይ ፍቕሪ ሓይሊ ጽልእን ዓመጽን ኣይኮነን፡ ንሓደ ቅኑዕ ማሕበረሰብኣዊ ውልደት ማርክሳዊ ኢእግዚኣብሔራዊ መገድን ስሩዕ ዓመጽን ናዕብን ናይ ሞትን ኣልቦ ስርዓትን ኣገባባትን ካብ ምሕራይ ኣይኮነ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ
24 August 2020, 16:28