2019.06.12 መካነ ንግደት ቊምስና ኣርስ! 2019.06.12 መካነ ንግደት ቊምስና ኣርስ! 

ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያነይ ናይታ ሱቊ ዘይትብል ድምጺ እግዚአብሔር መቃልሕ! ብ.ካርዲናል ፓሮሊን

ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያኒ ቆሞስ ኣርስ፡ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ናብ መካነ ንግደት ቊምስና ኣርስ ይርከቡ ኣለው። ሎሚ ንግሆ ሰዓት 10 ቅዳሴ ኣዕሪጎም ናይ ምሸት ከኣ ካብ ሰዓት ሰለስተ ጅሚሮም ‘ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ካህናቶምን ኣብ ጒዕዞ ምስ ሕዝበ እግዚኣአብሔር` ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ዜና ቫቲካን!

ንብፁዕነቶም ዝተቀበሉን ኣብ ኩሉ ዘሰንዩን ዘለው ናይ ኣርስ መካነ ንግደት ሓላፊ ኣባ ፓትሪስ ኮኮልስኪ እዛ ግላዊት ምብጻሕ ብፁዕነቶም ኣብዛ ዝነአሰት ቊሽት ደቡብ ምብራቅ ፈረንሳይ ቅድሚ ዝኣገረ ብውክሉና ንር.ሊ.ጳ ስለዘመልክቱ ነቲ ናይ ዕለቱ ቅዱስ ኣብ ኩሉን ንኩሉን ዝዕድሎ ክብርን ዋጋን የመልክት እንክብሉ እዚ ምብጻሕ እዚ ከም ምልክት ጸጋን ምትብባዕን ምዃኑ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጾም።

እቲ ዘገርም እዞም ናይ ዘመንና ቅዱስን ጠበቃ ካህናትን ናይ ሎሚ 222 ዓመት ኣቢሉ ብ1818ዓም ቆሞስ ናይዛ ቊሸት ክኾኑ ምስ ተላእኩ ነበርታ 230 ነበሩ። ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያነይ ኩሉ ሓይሎም ነዞም ሰባት እዚኦም ብምውፋይ ንኩሎም ካህናት ኣብነት ኮኑ። ብ.ካርዲናል ፓሮሊን

ብፁዕነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ቆሞስ ኣርስ ቅዱስ ዮሓንስ ናይታ ሱቊ ዘይትብል ድምጺ እግዚአብሔር መቃልሕ እዩ እንክብሉ ሎሚ እውን ከም ትማሊ እዚ ድምጺ እዚ የጋውሕ ከምዘሎ ገሊጾም። ምስዚ ናይቶም ወኪሎም ዝለኣኾም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰላምትን ጸሎትን ቅርበትን ቡራኬ ዝገለጹ ብፁዕነቶም ሎሚ እውን ኣንተኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ይምህረና ኣሎ ታሕጓስን ተስፋን ከኣ የመሓላልፈልና ኢሎም።

ሕጽር ብዝበለ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያነይ ገርሀይና ካህን ርሕሩህን ሕያዋይን ኣብ ምሥጢራት ዘለዎ ተኣማንነት ዝለዓለ ንመንገዲ ቅድስና ክጐዓዝ ኣብ ፍቃድ እግዚኣአብሔር ዝጸንዔ እንክብሉ ገሊጾሞ።  ትንቢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ብርቱዕ ገድሊ ተጋዲሉ ንብዙሓት ጸዋዕታታት መንገዲ ከፊቱ። መንገዲ ለውሃትን ሕያውነትን ምሂሩ ብዝለዓለ ከኣ ብዓቢ ትሕትና መንገዲ ቅድስና ንብዙሓት ምሂሩ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2020, 13:27